FILES-SUDAN-UNREST-POLITICS-CHRISTIANS FILES-SUDAN-UNREST-POLITICS-CHRISTIANS  (AFP or licensors)

ር. ሊ. ጳ. ምእንቲ ዓለምለኻዊ ሰላምን፣ ምእንቲ ግዳያት ሃይማኖታዊ ስደትን ንዝኾኑ ጸልዮም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ናይ ዕለተ ሰንበት ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ነቶም ኣባኡ እተረኽቡ ንጋድያንን መፈሳውያን በጽሕትን፣ ኣብ ዞባታት ግጭት ምስቶም ሰላም እተነፍጎም ሓድነት ክግበርን ከምኡውን ኣንጻር ምጕዳል ፍትሕን ዓመጻን ብጸሎት ስጕምቲ ኽወስዱ ጻውዒት ኣቕረቡሎም ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ኣብ ቅርዓት ቅድስ ጴጥሮስ ድሕሪ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ዘመሓላለፍዎ ቃል ሰላምታን ምሕጽንታን ቀንዲ ኣርእስቶም ጸሎት ኢዩ ዝነበረ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንዅሎም እቶም ኣባኡ እተረኽቡ ምእመናን፣ ነቶም እተገለሉ ሰባት ኺከናኸንዎምን ምእንቲ ዅሎም እቶም ብግጭትን ካልእ ዓይነት ምጕዳል ፍትሕን ዚሳቐዩ ዘለዉ ሰባት ኺጽልዩ ዓደምዎም ።

ኣብ መላእ ዓለም ውግእ እናቐጸለ ኣብ ዚኸደሉ ዘሎ እዋን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምእንቲ ዩክረይን ፍልስጥኤም እስራኤል ሊባኖስ ምያንማር ጸልዮም፣ ነቶም እሙናት ድማ "ውግእ ኢሰብኣዊ ተግባር" ከም ዝዀነን ናብ "ተጻዋርነት ናይ ዘይቅቡል ገበናት" ከም ዚመርሕን ኣዘኻኸርዎም።

ንድኻታት ምዝካር

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሓሳባቶም ናብቲ ንመዓልቲ ድኻታት ንምዝካር ተባሂሉ ዝካየድ ጽምል ምልስ ብምባል ነቲ ኻብ መጽሓፍ ሲራኽ እተወስደ "ጸሎት ድኻታት ናብ ኣምላኽ ይዓርግ" ዚብል ጭርሖ ናይ እታ መዓልቲ ኣስተንተኑ። ነቶም ኣብ ድኽነት ዚነብሩ ዜድልዮም ነገራት ብህጹጽ ክማልኣሎም ከም ዘለዎ ውን ኣጕልሑ፣ ንዅሎም እቶም ኣብ ሰበኻኦምን ኣብ ቍምስናታቶምን ንድኻታት ዝሓልዩ ሰባት ድማ ምስጋናኦም ግለጹሎም ።  

ንዅሎም እቶም ኣባኡ እተረኽቡ ምእመናን ብዛዕባ ኩነቶምን ተግባራቶምን ከስተንትኑ ድማ መስተንተኒ ሕቶታት ኣቕረቡሎም፣ ነፍሲ ወከፎም ከኣ "ንርእሰይ ንድኻታት ካብ ክህቦም ዝኽእል ነገር ነገራት እኽልክል ድየ ? ምጽዋር ኽህብ ከለኹ ንኢድ ድኻታት ተንክየ ናብ ኣዒንቶም እጥምት ድየ?"

"ድኻታት ክጽበዩና ኣይከሉን ኢዮም" ክብሉ ድማ ንኹሎም ኣዘኻኸርዎም፣ ወትሩ ብልግስን ብርሕራሐን ስጕምቲ ምውሳድ ኣድላዪ ምዃኑ ድማ ኣጕልሑ።

ሰማእታት ምኽባር

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ሰለስተ ሰማእታት ብፅዕናኦም ከም እተኣወጀ እውን ዘኪሮም ኢዮም፣ እዞም ሰማእታት እዚኣቶም ኣብ ግዜ ሃይማኖታዊ ስደት ብትብዓት እምነቶም ከም ዝመስከሩ ገለጹ ። ብዛዕባ ሉዊጂ ፓሊች ዝተባህለ ካህን ፍራንቸስካዊ ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ኣብ መበል 20 ክፍለ ዘመን ኣብ ዝነበረ ሃይማኖታዊ ስደት ብዝተቐበሎ መስዋእቲ ዝሓልፈ ቀዳም ኣብ ሽኮደር ኣልባንያ ብፅዕናኡ ዝተኣወጀ ጎዮን ጋዙሊ ዝተባህለ ካህን ሰበኻ ውን ጠቐሱ። ብድሕርዚ ቅዱስነቶም ሓሳባቶም ናብ ክቡር ኣባ ማክስ ጀፍ መትስገር ብልስ ብምባል ትማሊ ሰንበት ኣብ ፍራይቡርግ ጀርመ ኣዋጅ ብፅዕናኡ ከም እተኻየደን ንጭቈና ሥርዓት ናዚ ብምጽራር ህይወቱ ንሰላም በጃ ብምግባር ከም ዝመስከረን ኣመልከቱ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንዅሎም ኣብ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር እተረኽቡ ነዞም ሰማእታት እዚኣቶም ምንጪ ቅንዑ መንፈሳውነት ከም ዝዀኑ ገይሮም ክርእይዎም ጻውዒት ኣቕረበሎም፣ ብፍላይ ከኣ ነቶም ክሳዕ ሕጂ ብምኽንያት እምነቶም ስደትን ኣድልዎን ዘጋጥሞም ዘሎ ክርስትያን ድማ ኢዩ በሉ። "ኣብነት እዞም ሰማእታት እዚኣቶም ንብዙሓት ክርስትያን የጸናንዖም" ኢዩ ውን በሉ።

ጸሎት ምእንቲ ግዳያት ዓመጽ

ሎሚ ሰኑይ ዕለት 18 ሕዳር ዝዝከር ዓለም ለኻዊ መዓልቲ ምክልኻልን ምፍዋስን ቈልዑን ህጻናትን ካብ ጾታዊ ዓምጽ ብምዝካር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነታ መዓልቲ እቲኣ ምስ ቤተ-ክርስትያን ሓቢሮም ክዝክርዋ ከም ዝደልዩ ገለጹ። ንነፍሲ ወከፍ ዓመጻ ዝወረዶ ሰብ "ጥልመት እምነት" ከምኡውን "ጥልመት ህይወት" ኢዩ ክብሉ ጸውዕዎ፣ ናብ ዝነበሮ ንምምላስ ድማ ጸሎት ኣድላዪ ምዃኑ ኣጕልሑ።

ብዛዕባ ገፈፍቲ ዓሳ ምሕሳብ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነታ ዝመጸ ዘሎ ሓሙስ ተዘኪራ እትውዕል ዓለምለኻዊት መዓልቲ ምገፈቲ ዓሳ ብምሕሳብ እውን ንገፈፍቲ ዓሳን ንስድራቤቶምን ኪዓይዩ ኸለዉ ምእንቲ ኸተዕቍቦም ናብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኾኾብ ባሕሪ ጸልዮም ።

ምእንቲ ግዳያት ሓደጋ መኪና

ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ግዳያት ሓደጋ መኪና ዝዀኑ እውን ዘከረዎም ። ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዜሕዝን ፍጻመታት ንምምላጥ ዚከኣሎም ኪገብሩ ቕድሚ ምትብባዕ ምእንቲ እቶም ዝሞቱ ሰባትን ምእንቲ እቶም ዝሓዘኑ ስድራ ቤቶምን ውን ጸልዮም ።

18 November 2024, 17:09