INDONESIA-VOLCANO INDONESIA-VOLCANO  (AFP or licensors)

ር. ሊ. ጳ. ንግዳያት እሳተ-ጎመራ ኢንዶነዥያ ዝዀኑ ሰባት ዘኪሮም ምእንቲ ዓለምለኻዊ ሰላላም ጸልዮም

ድሕሪ ናይ ዕለተ ሰንበት ጸሎት መልኣከ እግዚአብሒር ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ኣብ ሃገረ ኢንዶነዥያ ግዳያት ባሕርያዊ ሓደጋ ነትጒ እሳተ-ጎመራ ዝኾኑ ሰባትን፣ ምእንቲ እቶም ኣብ ቫለንሽያ ስጳኛ ግዳያት ምዕልቕላቕ ማይ ዝዀኑ ሰባትን ጸልዮም ዝተሰምእኦም ድንጋጸን ሓዘንን ውን ገሊጾም። ብዛዕባ እቲ ኣብ ሞዛምቢክ ዘሎ ዘይምርግጋእ ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ኣብ ዩክረይን ፍልስጥኤም እስራኤል ምያንማር ከምኡውን ሱዳን ዝቕጽል ዘሎ ምፍሳስ ደም ዘተ ክካየድ ዳግም ጻውዒት ኣቕሪቦም ።

ኣባ ተውልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ መደምደምታ ናይ ዕለተ ሰንበት ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ኣብ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዝለገስዎ ቃል ሰላምታን ምሕጽንታን በቲ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ዝተባርዐ እሳተ-ጎመራ እተጐድኡ ሰባትን ከምኡ ውን ሰበ-ስልጣን ናይቲ ዓዲ ነቲ ህጹጽ ኩነታት ናይቲ ዞባ ንምውሓስን ነቶም ሕዝቢ ካብቲ ቦታ ምውጻእን ስለ ዝገብርዎ ዘለዉ ጻዕርታትን ምስቶም ኣብ ደሴት ፍሎረስ ኢንዶነዥያ ዝነብሩ ኣመልኪቶም ዝለዎም ጥቡቕ ቅርበት ገለጹ።

ምእንቲ ግዳያት እሳተ-ጎመራ ኢንዶነዥያ ዝዓረገ ጸሎት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምእንቲ እቶም ግዳያትን፣ ምእንቲ እቶም ካብ መረበቶም እተመዛበሉን ከምኡውን ምእንቲ ስድራቤቶምን ጸልዮም ። ዓሰርተ ሰባት ከም ዝሞቱ ብዙሓት ድማ ካብቲ እተጐድአ ኸባቢ ንምርሓቕ ኣብ ቅልውላው ይርከቡ ከም ዝለዉን ግዳም ሓደር ከም ዝዀኑን ተረጋጊጹ ኣሎ። ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ወርሒ ጥሪ ናይቲ ኣብ ሉዎቶቢ ላኪ-ላኪ እሳተ-ጎመራ ብምንታጕ 6,500 ዝዀኑ ተቐማጦ እቲ ከባቢ ኻብቲ ኣዝዩ ሓደገኛ ዝዀነ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝበዝሖ ዞባታት እታ ሃገር ከም ዝወጹ ገይርዎም ኢዩ።

ዝኽሪ ቫለንሽያ ስጳኛ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም ኣብ ቫለንሽያን ስጳኛን ኣብዚ ቐረባ ሰሙናት ብርቱዕ ምዕልቕላቕ ማይ ከም ዘጋጠሞ ብምዝካር ምእመናን ምእንቲ እቶም ህዝቢ ኺጽልዩን ኣብ ዕዮ ድሕነትን ረድኤትን ምእንቲ ኺሕግዝዎም ጻውዒት ኣቕሪቦም። ኣብ መወዳእታ ውርሒ ጥቅምቲ ብሰንኪ ብርቱዕ ዝናም ኣብ ደቡባውን ምብራቓውን ስጳኛ ብርቱዕ ምዕልቕላቕ ማይ ከም ዘጣጠመ ዝዝከር ኢዩ። ልዕሊ 200 ሰባት ከም ዝሞቱ ህጹጽ ኣገልግሎት ከኣ ብኣማእታት ዝቝጸሩ ሰባት ንምርካብ ይገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ይቕጽል ምሕላዉ ዝፍለጥ ኢዩ ። እዚ ባህርያዊ ዕንወት ኣብ ታሪኽ ስጳኛ እቲ ዝኸፍአ ምኹኑ ኢዩ ዝንገረሉ ዘሎ።

ኣብ ሞዛምቢክ ዘተ ንምክያድ ዝቐረበ ጻውዒት

ኣስዒቦም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሓሳባቶም ድሕሪ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ እተገብረ ምርጫታት ዘጋጠመ ዘይምርግጋእ ደቡባዊ ምብራቕ ኣፍሪቃ ሃገራውያንን ከምኡውን ኣህጉራውያን ጕጅለታት ተጣበቕቲ መሰላት ብዙሓት ከም እተቐትሉሉ ኩነታት ኣምልኪቶም ቃል ምሕጽንታ ኣመሓላለፉ።

ቅዱስነቶም ብዛዕባ እቲ ኻብ ሞዛምቢክ ዚመጽእ ዘሕዝን ዜና ዘለዎ ሻቕሎት ብምግላጽ ንዅሉ ሰብ ኣብ ዘተን ውዕላትን ኪሳተፍ ነቲ ብድሆታት መፍትሔ ንምርካብ ከኣ ዋላ ሓንቲ ሓይሊ ከይጥቀሙ ተማሕጸኑ። ኵሉ ሰብ ምእንቲ ሕዝቢ እታ ሃገር ክጽሊ እዚ ሕጂ ዘሎ ዅነታት ከኣ ኣብ መገዲ ዲሞክራስን ፍትሕን ሰላምን ዘለዎም እምነት ከም ዘየጥፍኡ ክገብሮም ተማሕጸኑ።

ጸሎት ምእንቲ ሰላም ዓለም

ብድሕርዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ዓለምለኻዊ ሰላም ንኽህሉ ዘቕረብዎ ጻውዒት ዳግም ኣሐደስዎ፣ ብፍላይ ከኣ ኣባይቲ ሕክምናን ካልእ ሲቪላዊ ህንጻታትን ዝጥቅዓላ ዘሎ ዩክረይን ትሳቐ ኸም ዘላ ኣዘኻኸሩ ። ኣብ መላእ ዓለም ምእንቲ ፍልስጥኤም እስራኤል ሊባኖስ ምያንማር ሱዳን ከምኡውን ኣብ መላዕ ዓለም ዘሎ ኩነታት ሰላም ምእማናን ጸሎት ከዕርጉ ብሓድሽ ጻውዒት ኣቕሪቦም ።

ዝኽሪ ሳልሳይ ዓመት መድረኽ “ስቡህ ኣንተ”

ብዛዕባ እቲ ኻብ ዝምስረት ሳልሳይ ዓመቱ ኣቝጺሩ ዝለኦ መድረኽ ስቡህ ኣንተ ኣምልኪቶም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘለዎም ተዘክሮታት ውን ገለጹ፣ ንዅሎም እቶም ነዚ ኣገዳሲ ተበግሶ እዚ ዘተባብዑ ድማ ኣመስገንዎም ። ኮፕ 29 ኣብ ዝገበሮ ጉባኤታት ለውጢ ዅነታት ኣየር ከምኡ ውን ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣብ ባኩ ኣዘርባጃን እተገብረ ዓለምለኻዊ ዋዕላ ነታ ሓባራዊ ቤትና ንምዕቋብ ዚግበር ዘሎ ዕዮ እዩ ክብሉ መስክሩ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እዚ ዋዕላ እዚ ንዕቝባ ሓባራዊት ቤትና ውጽኢታዊ ኣበርክቶ ኽገብር ተስፋ ኸም ዝገበሩ ውን ኣመልከቱ ።

11 November 2024, 17:07