2024.01.07 Santa Messa nella festa del Battesimo di Gesu', con il Battesimo di alcuni neonati 2024.01.07 Santa Messa nella festa del Battesimo di Gesu', con il Battesimo di alcuni neonati  (Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ.፦ ሓደ እነፍቅሮ ሰብ እምነቱ ምስ ዚሓድግ 'ፈጺምና ተስፋ ኣይትቁረጽ'

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንሓንቲ ኢጣልያዊት እኖሓጐ ሓደ ኻብ ደቂ ደቃ ብዘይምጥማቑ ዝተሰምዓ ጭንቀት ኣመልኪቶም "እታ ሠናይ ዝኾነት ፍቕሪ ኻብ ብዙሕ ቃላት ንላዕሊ ብግብራ እተእምን እያ" ክብሉ መለሱላ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸኮ ንሓቲ ኣብ ኢጣልያዊት ዕኖሓጐ ነታ ሕጂ ጓል ሓሙሽተ ዓመት ዝዀነት ጓል ጓላ ብሰንኪ እቶም እምነቶም ዝሓደጉ  ወለዳ ኸም ዘይተጠምቀት ኣመልኪታ ዝጸሓፈትሎም መልእኽቲ መልሲ ኣመሓላለፉ።

እዛ "ኦሊቫ ካብ በርጋሞ" ዝብል ክታም ዝተነብረላ ሓጻር ደብዳበ፣ ኣብ ናይ መጀመርታ ሕታም ናይታ ፒያዛ ሳን ፒትሮ ('ኣደባባይ ቅዱስ ጴጥሮስ') ዘርእስታ ብባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ እተሓትመት ሓዳስ መጽሔት ኢያ ተሓቲማ።

ኦሊቫ ኣብታ መልእኽታ ጓላን ሰብኣይ ጓላን ንጓሎም ንኸይትጥመቑ ዝገበርዎ ውሳነ ከም "ምኽኒያት ዓብዪ ስቓይ" ከም ዝዀና ገለጸት።

"ኢየሱስ ብዛዕባ እዚ ዅሉ እንታይ ይብል ይኸውን?" ክትብል ውን ሓተተት።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ዝሃብዋ መልሲ ኢየሱስ ክርስቶስ ንስቓይ ኦሊቫ ኸም ዝርድኦን ከም ዝቐርባን ድማ ገለጹላ ።

ጥምቀት "ዓብዪ ውህበት" ምዃኑ ውን ኣስመሩሉ። ቅዱስነትም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኰይኖም ካብ ዚምረጹ ኣትሒዞም ንብዙሓት ቈልዑን ህጻናትን ኸም ዘጠምቑ ብምምዝካር፣ እዚ ድማ ወትሩ "ዓብዪ ሓጐስ" ኰይኑ ኸም ዝረኸብዎ ገለጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዕብ ኣቢሎም ሓደ እተፍቅሮ ሰብ እምነቱ ምስ ዝኽሕድ "ፈጺምና ተስፋ ክንቆርጽ" ከም ዘይብላን ገለጹ፣ ኣብነት ቅድስቲ ሞኒካ ብምስዓብ ከምቲ ንቅዱስ ኦጐስጢኖስ ወዳ ንዓሰርተታት ዓመታት ምእንቲ ክንሳሕ ከም ዝጸለየትሉ ድማ ዘከሩ።

ብዘይካዚ "ጥምቀት ነቶም ንደቆም ከጥመቑ ዘይደልዩ ወለዲ ብምግዳድ ክኸውን የብሉን" በሉ። ስለዚ ንኦሊቫ "ንደቅኺ ከተሰንይዮምን ከተዘራርብዮምን እምበር ከጠምቑ ከይተገድዶም" ተማሕጸንዋ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከምዚ ክብሉ ውን ይጽሓፉ - "ግብሪ ፍቕሪ ኻብ ብዙሕ ቃላት ንላዕሊ ናብ እምነት እትመርሕ ኢያ። "ንኣምላኽ ምፍቃር ዘርኢ ናይ መጻኢ ዕርክነትን ንዕኡ ምድላይ ሃቀናን ትዘርእ" ብምባል ውን መልእኽቶም ዛዘሙ።

27 November 2024, 16:10