ናይ ር.ሊ.ጳ. ናይ ወርሒ ሕዳር ናይ ጸሎት ሓሳብ፥ ምእንቲ ደቆም ዝሰኣኑ ወለዲ!
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ንሓደ ውላዱ ዝሰኣነ ወላዲ ከጸናንዕ ዝኽእል “ቃል የሎን” እንክብሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ናይ ወርሒ ሕዳር ብምስማዐ ርእየት ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ጸሎት ሓሳብ መልእኽቲ ገሊጾም፥ ዋላ’ኳ ነቶም መጻምድቶም ወይ ወለዶም ዝሰኣኑ ከጸናኖ ዝኽል ቃላት እንተሃለወና፡ ነቶም ደቆም ዝሰኣኑ ግን ከጸናንዕ ዝኽእል ቃል የሎን . . . ዋላ እኳ ንኸነጸናንዕ እንተፈተንና መጻናንዒ ቃላት እተኣቕረብናን፡ ምጽንናዕ ምፍታን መጸናንዒ ቃላት ምቕራብ፡ ንቡር ወይ ስምዒታዊ ክመስል ይኽእል እዩ፤ ዋላ ብጽቡቕ ዕላማ እተተባህለ፡ "ነቲ ቁስሊ ከጋድድዎ" ይኽእል፡ ኣብ ክንድኡስ “ነዞም ውላዶም ዝሰኣኑ ወለዲ ከነጸናንዖምን፡ ክንሰምዖም፡ ብፍቕሪ ክንቀርቦም፡ ነቲ ዝስምዖም ቃንዛ ብሓላፍነት ክንከናኸኖ የድሊ፡ ኢየሱስ ክርስቶስ ነቶም ኣብ ስቓይ ዝነበሩ ከመይ ጌሩ ከም ዘጸናንዖም ምምሳል” ከም ዝበሉን፥ ብእምነት ዝድገፉ ወለዲ እውን ንሓዘኖም ምስቶም ተመሳሳሊ ሓዘን ዘጋጠሞም፡ ከምኡ’ውን “ብተስፋ ዳግማይ ዝተወልዱ” ሰባት ብምክፋል ምጽንናዕ ክረኽቡ ከም ዝኽእሉ የስተብህሉ።
እምበኣር ኣብ ወርሒ ሕዳር ናይ ጸሎት ሓሳብ “ኩሎም ወዶም ወይ ጓሎም ብምስኣኖም ኣብ መሪር ሓዘን ዝርከቡ ወለዲ ኣብ ማሕበረሰቦም ደገፍ ክረኽቡ፣ ካብ መጸናንዒ መንፈስ ቅዱስ ድማ ናይ ልቢ ሰላም ክረኽቡ” ዝብል ምዃኑ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልኽቲ ይሕብሩ።