ር. ሊ. ጳ. ንሕግታት ትራፊክ ምኽባር ኪበሃል ከሎ ንህይወት ምኽሳብ ማለት ምዃኑ ገለጹ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንተወከልቲ ፈደረሽን ሞተር ሳይክል ኢጣልያ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኢጣልያ ዘሎ ናይ ጽርግያ ድሕንነት ዝያዳ ፍልጠት ከም ዝህልዎም ንምግባር ኣብ ዝገብርዎ ጻዕሪ ኣባታዊ ለበዋ ብምቕራብ ተማሕጸንዎም። ህይወት ብዙሓት መንእሰያት ኣብ ሓደጋ ኸም ዘሎ ውን ገለጹ፣ እዞም መንእሰያት እዚኣቶም ነቶም ሞተር ሳይክል ምዝዋር ዘድንቑ ግን ከኣ "መብዛሕትኡ ግዜ ብዛዕባ እቲ ሓደጋታት ዘይፈልጡ" ምዃኖም ገለጹ።
ብዛዕባ ሕግታት ጽርግያ ዘሎና ግንዛበ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ እዚ ፈደረሽን ዚዓዮ ዘሎ ኽልተ ዕማታት እንኬጕልሑ ንዓለም ሞተር ሳይክል ኣብ ምምራሕን ንተራ ውዳቤ ኣብ ኣህጉራዊ ደረጃ ቅድድም ሞተር ሳይክል ኣብ ዘለዎም ግደን ከም ዜተኵሩ ገለጹ። ኣገዳስነት ትምህርትን መምርሒታትን ከምኡውን እቲ ማሕበር ዘውጽኦ ሕግታት መምርሒታን ትራፊክ ዝያዳ ፍልጠት ከም ዘሕድር ንምግባር "ኣብ ኣብያተ - ትምህርቲ ዝግበር ስልጠናታት" ብኸመይ ከም ዘሰናድዎም ገለጹ ።
ህይወት ንምኽሳብ ምስራሕ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ እቲ ንመንእሰያት ኣብ መገዲ ዘጋጥም ብዙሕ ሓደጋታት ብምጥቃስ ንዕዮ እዚ ማሕበር እዚ ዝያዳ ወሳኒ ይገብሮ ኣሎ - "መብዛሕትኡ ግዜ ጉድለት ፍልጠት ወይ ንድሕንነት ዝምልከት ሕግታት ዘይምትግባር ንድሕንነት መራሕቲ ማካይን ጥራይ ዘይኰነስ ንድሕንነት ካልኦት እውን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ኢዩ።" ብዛዕባ ድሕንነት ጽርግያ መጠንቀቕታ ንምሃብን ብዛዕባ ጕዳያት ትራፊክ ዘለዎም ፍልጠት ንምምሕያሽን ኣብ ዝገብርዎ ጻዕሪ "ኣብ ህይወት ዝግበር ወፍሪ" ከም ምዃኑ ገለጹ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መደምደምታ ቃለ ምዕዳኖም ምእንቲ ቅዱስነቶም ኺጽልዩሎም ብምምሕጻን ድማ ልባዊ ምንዮቶምን ሓውርያዊ ቡራኬኦምን ኣካፈልዎም፣ ጸሎቶም ከም ዜድልዮም ብምግላጽ ድማ "ስራሐይ ኣዝያ ብፍጥነት ኢዩ ዝግበር፣ እታ 'ብሽክለታይ' ከኣ ኣሪጋ እያ ጽቡቕ ትሰርሕ ውን የላን" ክብሉ ቃለ ምዕዳኖም ዛምዘሙ።