ድለ

2024.10.27 Santa Messa per la conclusione dellâ  Assemblea generale ordinaria del Sinodo dei Vescovi 2024.10.27 Santa Messa per la conclusione dell’Assemblea generale ordinaria del Sinodo dei Vescovi  (Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ.፦ 'ናይ ፍጻሜ ሰነድ ሲኖዶስ ክፍሊ ጳጳሳዊ ሥልጠነ ኣስተምህሮት እዩ'

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ምስቲ ናይ መወዳእታ ሰነድ ሲኖዶስ ጳጳሳት ብዛዕባ ሲኖዳውነት ዘሰኒ መዛኻኸሪ ሰነድ ኣሓቲሞም ኣለዉ። ኣብቲ ዘሕተምዎ ሰነድ ኸኣ ነቲ ሰነድ ቤተ-ክርስትያን ብሕድሪ ኣወፍዮም፣ ንምእመናን ድማ መሃዝነት ትግባሬኡን ከምኡውን ንተሳትፎ ኣብ ተልእኾን ከም ብሓድሽ ቈራጽነት ክግበሪ ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ናይ መዛዘሚ ሰነድ ናይቲ ተራ መበል 16 ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ጳጳሳት ዘሰኒ መዘኻኸሪ ሰነድ ኣሕቲሞም። እዚ ጽሑፍ እዚ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2021 ዝጸውዕዎን ኣብ ውርሒ ጥቅምቲ 2024 እተዘዘመ ንኽልተ ዓመት ኣብ ኪደት ዝጸንሐ ሲኖዶስ ጳጳሳት ብዛዕባ ሲኖዳውነት ዘቕረብዎ ጻውዒት ዝገልጽ ኢዩ።

ብመንፈስ ዝተመርሐ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብዚ ነዚ ሰነድ እዚ ዘሰኒ ተሓቲሙ ዘሎ ጽሑፍ ከም ዘምከትዎ፣ እዚ ጕዕዞ ሲኖዳውነት ካብ ምብጋሱ ኣትሒዙ ንድምጺ መንፈስ ቅዱስ ክፉት ብምዃኑ ከም ዝልለ ጸሓፉ ። እዚ መንፈስ እዚ ንቤተ-ክርስትያን ኣብ ኣህጉራትን ቋንቋታትን ባህልታትን መሪሕዋ እዩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ከም ዝገለጽዎ "እዚ ጕዕዞ እዚ ነታ ቤተ-ክርስትያን ናይ ገዛእ ርእሳ ተመክሮታት ከተንብብን ንማሕበረሰባ ህያው ንምግባርን ተሳትፎ ንምምዕባልን ከምኡውን ነቲ ክርስቶስ ዝሃባ ተልእኾ ንምድንፋዕ ስጕምትታት ክትወስድ ኣኽኢልዋ ኢዩ" ክብሉ ጸሓፉ።

እዚ ናይ ሲኖዳዊ ጕዕዞ እዚ ኣብተን ኣከባቢያውያን ኣብያተ ክርስቲያን ብኸመይ ከም ዝጀመረን ቀጺሉ ድማ ኣብ ሃገራውን ኣህጉራውን ደረጃታት ብኸመይ ከም ዝተበገሰ ገለጹ። እዚ ጉባኤ ሲኖዶስ ኣብ ዝተዛዘመሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ናይ መዛዘሙ ሰነድን ትሕዝቶ ናብተን ኣከባቢያውያን ኣብያተ-ክርስትያን ብሕድሪ ኣውፈይዎ።

ሲኖዳውነት ግስጋሰ ንቕድሚት

ብድሕርዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ሰነድ ክፍሊ ናይቲ "መደበይና ሥልጣነ ኣስተምህሮት ናይ ተኸታሊ ጴጥሮስ" ብምባል ገለጽዎ እቲ ሰነድ ዘለዎ ባህርይ ስልጣነ ኣስተምህሮት በዚ ኸምዚ ክኽበር ከም ዘለዎ ጸውዑ ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ዘሕተምዎ ሰነድ "ነቲ ሥንልጣነ ኣስተምህሮት ዝተኸተለ መደበይና ትምህርቲ ጳጳስ ሮማ ከም ምዃኑ ዜመልክት እዩ" ብምባል ይገልጹ፣ ኣስዕብ ኣቢሎም ድማ "ሓድስቲ ነገራት ዝሓዘ እኳ እንተ ዀነ፣ ምስቲ ብዕለት 17 ጥቅምቲ 2015 ዘነጸርክዎ ዚሰማማዕ እዩ፣ ከመይሲ ሲኖዳውነት ንደረጃታት ስልጣነ መሪሕነት ቤተክርስቲያ ንምርዳእ ግቡእ መሰረትን ትርጕምን ከም ዝዀነ" ከም ዝኾነ ውን ገለጹ።

ይኹን እምበር እዚ ሰነድ እዚ "ምሉእ ብምሉእ ቀኖናዊ ባህሪ ኣይኮነን ዘለዎ" የግዳስ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣከባቢያውያን ኣብያተ ክርስቲያን ብእተፈላለየ መገዲ ምስትንታኑ ከም ዘድሊ ኣነጸሩ።

ብተወሳኺውን "መደምደምታ ናይቲ ተራ መበል 16 ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ብዛዕባ ሲኖዶውነት መስርሕ ሲኖዶስ ከም ዘብቅዐ ዝሕብር ኣይኰነን" በሉ። ኣብ ክንድኡስ እቲ ካልኣይ ደረጃ ትግባረ ከም ዝጀመረ ዝሕብር ኢዩ፣ ከምዚ ድማ በሉ - "ሕጂ ኣብተን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከባ ኣብያተ-ክርስትያንን ጕጅለታተንን ነቲ ኣብዚ ሰነድ ዘሎ ብሕጊ ቐኖና ዀነ በቲ ሰነድ ኣቐዲምካ ብዝርአ ምስትውዓልን ውሳነ ናይ ምግባር መስርሕን ኣቢለን ኣብ እተፈላለየ መዳያት ክተኣታቶ ተጸዊዐን ኣለዋ።"

ተሓታትነትን ደገፍን

ብድሕርዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ሲኖዶስን ንላዕለዎት ኣአይቲ ጽሕፈት ቅድስቲ መንበርን ነዚ ናይ ሲኖዶስ ሓሳባት ብውጽኢታዊ መገዲ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ክዓያ ኸለዋ ምስተን ኣብ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዘለዋ ኣብያተ - ክርስትያን ናይ ምርኻብ ሓላፍነት ሃብዎም ። ጳጳሳት እውን ኣስዕብ ኣቢሎም "ብዛዕባ እቲ ኣብ ናይ መወዳእታ ሰነድ እተረኽበ ምልክታት፣ ብዛዕባ እቲ ዘጋጥሞም ጸገማት ከምኡውን ብዛዕባ እቲ እተረኽበ ፍረታት ዝገልጽ ኣብ ከባቢኦም ዘላ ቤተ-ክርስትያኖም ንእተገብረ ዘተታት ጸብጻብ ክህቡ ኢዮም፣ ኣብ እዋን እቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓሙሽተ ዓመት ዝግበር ምርኻብ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ እቲ ዘካየድዎ ምዕባሌታት ጸብጻብ ክህቡን  ብድሆታትን ፍረ ጻዕርታቶምን ድማ ከካፍሉ ጻውዒት ክግበረሎም ኢዩ" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንጳጳስ ኣብ መላእ ዓለም ነቲ ሓባራዊ ዘተ ዘድልዮ ገሊኡ ጕዳያት ንምፍታሕ ግዜ ኸም ዝወስደሎም ኣፍልጦ ብምሃብ ብትብዓትን ብምህዞን ብትሕትናን ናብዚ ደረጃ እዚ ክቐርቡ የተባብዕዎም።

እተሓደሰት ቤተ- ክርስትያን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ምዝዛም ናይታ ዘሕተምዋ ሰነድ ንምእመናን እዚ ሲኖዶዊ ጕዕዞ "ብግብሪ እተሰነየ ቓላት ከካፍል ከም ዘድልዮ" ዘዘኻኽሮም ኢዩ ክብሉ ኣመልከቱሎም። እዚ ድማ መንፈስ ቅዱስ ከም "ስኒት" ቤተ-ክርስትያን መጠን ብቐጻሊ ከሐድሳን ክመርሓን ኢዩ፣ እዚ ድማ ምስ ክርስቶስ ምሉእ ብምሉእ ከም እትራኸብ ኢዩ ዝገብራ።

26 November 2024, 16:16