ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ‘ሲኖዳውነት ካብ ኤቁምናውነት ዘይፍለ እዩ’ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ‘ሲኖዳውነት ካብ ኤቁምናውነት ዘይፍለ እዩ’  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ‘ሲኖዳውነት ካብ ኤቁምናውነት ዘይፍለ እዩ’

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንማላንካራ ማር ቶማ ሶርያዊት ቤተ ክርስቲያን ሲኖዶስ ዕለት 11 ሕዳር ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ኣብ መንጎ ክልቲአን ኣብያተ ክርስቲያን ዝካየድ ዘሎ ምዕባለ ኵላዊ ዘተ ንኢዶም ንዝሓየለ ክርስትያናዊ ምስክርነት ሲኖዶዳውነትን ኤቁመናውነትን ኣገዳሲ ምዃኑ ደጊሞም ይገልጹ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ቅዱስ ሲኖዶስ ማላንካራ ማር ቶማ ሶርያዊት ቤተ ክርስቲያን ብምርኻብ ነቲ ታሪኻዊ ናይ መጀመርታ ምብጻሕ ናብ ሮማ፥ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ምስ እዛ መበገሲኣ ካብ ተልእኾ ሃዋርያ ቅዱስ ቶማስ ኣብ ህንዲ ኣብ ቀዳማይ ክፍለ ዘመን ዝጅምር ጥንታዊት ምብራቓዊት ህንዳዊት ቤተ ክርስቲያን ዘለዋ ሰናይ ዝምድና ዘረጋግጽ ምዃኑ ኣመላኺቶም፥ ቤተ ክርስቲያን ማር ቶማ ምስ ቤተ ክርስቲያን ቶዚዮር (ኣንግሊካን) ሓድነት ዘለዋ ኮይና፡ ምስ ጥንታዊ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ሕብረት ኡትረክት ከምኡ ውን ምስ ቤተ ክርስቲያን ደቡብ ህንዲ (CSI) ዓቕለስያዊ ዝምድና እትሕሉን ምስ ዝተፈላለያ ኣብያተ ክርስቲያናት፣ እንኮላይ ምስ ናይ ሶርያ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያንን ካልኦት ፕሮቴስታንት ኣብያተ ክርስቲያናትን እውን ኣብ ኵላዊ ዘተ ዘላን፥ ብተወሳኺ ቤተ ክርስቲያን ማር ቶማ ኣብ ዓለም ሓቆፍ ቤት ምኽሪ ኣብያተ ክርስቲያናት (WCC)፡ ክርስትያናዊ ጉባኤ ኤስያ (CCA)፡ ኣብ ተራዳኢት ቤተክርስትያን ንማሕበራዊ ተግባር (CASA) ሓዊሱ ኣብ ፍሉጣት ኤቁመናውያን ኣካላት ብንጥፈት ትሳተፍ ከም ዝኾነት ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥  እታ ቤተ ክርስቲያን ሎሚ ኣብ መላእ ዓለም ኣስታት 2.5 ሚልዮን ኣባላት ዝሓቖፈት ኮይና መብዛሕትኦም ኣብቲ መበቆላ ኣብ ዝኾነት ሃገረ ህንዲ ግዝኣት ኬራላ ዝነብሩ ምዃኖም የመላኽት።

ኣብ መንጎ ምብራቕን ምዕራብን “ድልድል ቤተ ክርስትያን”

ቅዱስነቶም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ንቅዱስ ሲኖዶስ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ቢሎም፥ ንሜጥሮጶሊታ ቴዎዶስዮስ ማር ቶማን ምእመናን ማላንካራን ሰላምታ ኣቕሪቦም፣ ንምብራቓውን ምዕራባውን ክርስትና ዘራኽብ ድልድል ብምዃን ኣብ ኤቁመናዊ ጉዕዞ ንዘለዋ ተራ ምስጋናኦም ከም ዝገልጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

“ቤተክርስትያንኩም ኣብ መንጎ ምብራቕን ምዕራብን “ድልድላዊት ቤተ ክርስቲያን” ዝብል መግለጺኣ ብሓቂ ዝውክላ እዩ . . . ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት ዝምድና ክልቲአን ኣብያተ ክርስቲያን ዘሳለጦ ገስጋስ ብምስትንታን፡ ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ማር ቶማ ቤተ ክርስቲያን ዝተወከለትሉ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ኬራላ ኣብ 2022 ዓ.ም. ዝጀመረን ዝቕጽል ዘሎን ወግዓዊ ሓባራዊ ዘተን ከም ኣብነት ጠቒሶም። እዚ “ደረጃ ብደረጃ ዝፍጸም ምቅርራብ” ሓደ መዓልቲ ብሓድነት ኣብ ቅዱስ ቁርባን ናብ ምክፋል ክመርሕ ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም፥

“ኣብ መጀመርታ ናይዚ ንመንፈስ ቅዱስ ኣሕሊፈ ዝህቦን ነቲ ሓደ ቅዱስ ቁርባን ክንካፈል እንኽእለሉ መዓልቲ ከቀላጥፎ ተስፋ እገብር፣ “ካብ ምብራቕን . . . ምዕራብ ከምጹን ኣብ ሓደ መኣዲ ክቕመጡን” (ማቴ 8፡11)” ትምቢት ጐይታ ኣብ ምፍጻም

ኤቁመናውነትን ሲኖዳውነትን

ከም ዝበሉን ቅዱስነቶም ቀጺሎም ክልተ ወሰንቲ መዳያት ምትሕብባር ክልቲአን ኣብያተ ክርስቲያን ማለት ኣብ ሲኖዳውነትን ተልእኾን ኣጉሊሖም፥  

ሲኖዶውነት ኣብ ማር ቶማ ቤተ ክርስቲያን ባህርያዊ ከም ዝኾነን ምስቲ ኣብ ቀረባ እዋን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዘካየደቶ ሲኖዶስ ብዛዕባ ሲኖዳውነት ዝሰማማዕ ምዃኑን ኣመልኪቶም፡ ሓደ ካብቲ ኣብቲ ሲኖዶስ እተገልጸን ኣብቲ ናይ መወዳእታ ሰነድ ተደጋጊሙ እተጠቕሰን እምንቶታት "ክልቲኡ ኣብቲ እተቐበልናዮ ጥምቀትን ኣብቲ ኵሎም ክርስትያን ብሓደ ጥምቀት ዚሳተፉሉ ትርጉም እምነትን እተመስረተ ስለ ዝዀነ ሲኖዳውነት ካብ ኤቁመናውነት ዘይፍለ እዩ" እንክብሉ ገሊጾም፥

ነፍስሄር ሜጥሮጶሊታ ዘፐርጋሞን ኢዮኣኒስ ዚዚዮላስ ጠቒሶም፥ ነፍሰሄር ዚዚዮላስ ሓደ ካብቶም ኣብ መበል 20ን 21ን ክፍለ ዘመን ዝነበሩ ኣዝዮም ጸለውቲ ኦርቶዶክሳውያን ሊቃውንቲ ቲዮሎጊያ፡ ክርስትያናዊ ሓድነት ኣብ መጻኢ ምሉእ ብምሉእ ክፍጸም ዝኽእል እኳ እንተዀነ ኣብዚ እዋን እዚ "ምጉዓዝን ምጽላይ ከምኡውን ብሓባር ምዕያይን" ይጠልብ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኤቁመናውነትን ተልእኾን

ቅዱስነቶም ኣብ ኣርእስቲ ተልእኾ ንዝሓየለ ክርስትያናዊ ምስክርነት ሲኖዳውነትን ኤቁመናውነትን ኣገዳሲ ምዃኑ ብኣጽንዖት ገሊጾም፥ “ተልእኾ ዕላማ ናይቲ ኤቁመኣንዊ ጉዕዞ ጥራይ ኣይኮነን፤ ኤቁመናዊ ንገዛእ ርእሱ መጋበርያ ተልእኾ እዩ" ብምባል ኣስሚሮም፡ ከምቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተኻየደ ሲኖዶስ ዝሓበሮ "ሓደ መዓልቲ ንወንጌል ዝምልከት ኤቁመናዊ ሲኖዶስ ከነብዕል እንኽለሉ ባይታ ክህሉ ከም ዝኽል" ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም፥

"ነቲ ዝተንስኤ ክርስቶስ ንምምስካር ብሓባር ምዕያይ ናብኡ ንምቕራብ እቲ ዝበለጸ መገዲ እዩ"

ቢሎም ማር ቶማ ቤተ ክርስቲያን ኣብዚ ራእይ እዚ ኣበርክቶ ክህልዋ ዝገብር እትነብሮ ናይ ተልእኾ መንፈስ ብምንኣድ ንኹሎም ኣብቲ ርክብ ንዝሓበሩ ብሓባር ኣቡነ ዘበሰማያት ንኽደግሙ ዓዲሞም ዘስምዎ. መደረ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

12 November 2024, 16:03