2024.11.07 Ufficiali e Militari del Comando Trasporti e Materiali 2024.11.07 Ufficiali e Militari del Comando Trasporti e Materiali  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር. ሊ. ጳ. ንኢጣልያውያን ወተሃደራት ኣብ ህጹጽ ኵነታት ስለ ዘርኣይዎ ሰብኣውነት ኣመስገንዎም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ካብ ኣባላት ሰራዊት ኢጣልያ ዝኾኑ 400 ዝዀኑ ወተሃደራት ተቐቢሎም ኣብ ዝለገሱሎም ቃለ ማዕዳን ነቲ ኣብ ህጹጽ ኵነታት ህይወቶም ብምውፋይ ዘርኣይዎ ሰብኣዊ ተበግሶ ኣጕልሑ፣ እዚ ድማ ነቲ ክርስቶስ ንስኡናት ናይ ምግልጋል ተልእኾን ነቲ ጠበቓኦም ዝኾነ ቅዱስ ክሪስቶፈር ዘርኣዮ ትብዓትን ዘንጸባርቕ ኢዩ ክብሉ ኣመልከቱሎም ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ትማሊ ሓሙስ ዕለት 07 ሕዳር ኣብቲ ብ1954 ንቅዱስ ክሪስቶፈር ከም  ጠበቓኦም መጠን ዝተዋህቦም ዕለት መበል 70 ዓመት ብምዝካር ምስቶም ካብ ኣባላት ሰራዊት ኢጣልያ ዝመጹ መኰንንትን ወተሃደራትን ተራኸቡ ።

ትብዓትን ኣገልግሎትን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ኣባ ሓዋርያዊ ህንጻ ቅድስቲ መንበር ዝርከብ ኣዳራሽ ቅሌምንጦስ ተቐቢሎም ንወተሃደራት ኢጣልያ ኣብ ዝለገስዎ ቃለማዕዳን እዚ ትብዓትን ኣገልግሎትን ዘንጸባርቕ ሰማእትን ቅዱስን ዝኾነ ጠበቓኦም ብምራጾም ኣሞገስዎም፣ ብፍላይ ኣገልግሎቶም መብዛሕትኡ ግዜ ህይወት ምድሓንን ንምድጋፍን ዘጠቓልል ብምዃኑ፣ ጸዋዕታኦም ኣብ ድልዱል ስነ-ምግባራውን መንፈሳውን ክብርታት ሱር ክሰድድ ኣድላዪ ምዃኑ ገለጹሎም።

"ሓደ ሞያ ህይወት ናይ ምድሓን ወይ ናይ ምስኣን ደገፍን ሓገዝን ዕቝባን ናይ ምሃብ ኣጋጣሚታቱ ዝያዳ ብዝማዕበለ መጠን ብልዑል ስነ-ምግባራዊ ስርዓት ክድግፍን ካብ ላዕለዋይ መንፈስ ዝመጽእ ኣስተንፍሶን ዝያዳ የድልዮ ኢዩ።"

ቅዱስ ክሪስቶፈር ጠበቓኦም ከም ምዃኑ ኣብቲ ብዙሕ ሓላፍነታቶም መምርሕን ጸጋን ኣምላኽ ከም ዘድሊ ዘዘኻኽር ከምኡውን ኣብ ሰብኣዊ ኽብረት ብምትኳር ንመሳኪን ብምዕቋብ ከምኡውን ኣብ እዋን ሰላም ኣብ ባህርያዊ ሓደጋታትን ወይ ኣብ እዋን ቅልውላው ጥዕና ንዓይ ይጥዓመኒ ዘይብሉ ስጕምቲ ብምውሳድ ንኸገልግሉ ቈራጽነት ንኽገብሩ ከም ዝሕግዞም ኣጕልሑ።

"ንሓላውኻ ቅዱስ ምኽባር ኪበሃል ከሎ ኵሉ ዚኽእል ከም ዘየለ ኵሉ ነገር ኣብ ኢድና ኸም ዘይኰነ ከምኡውን በረኸት ኣምላኽ ከም ዜድልየና ኣፍልጦ ምሃብ ማለት እዩ።"

ኣብ ተልእኾ ዓቃብ ሰላምን፣ ባህርያዊ ሓደጋታን፣ ጥዕናዊ ቅልውላዋትን ምግልጋል

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንወተሃደራት ኢጣልያ ኣብ ከም ምንቅጥቃጥ ምድሪ ምዕልቕላቕ ማይ ከምኡውን ለበዳዊ ሕማም COVID-19 ዝኣመሰለ ህጹጽ ኵነታት ህይወቶም ብምውፋዮም ነኣድዎም፣ ገለ ኻብዚ ድማ ኣድላዪ መሰረት ምቛም ስነ-መጐታዊ ደገፍ ምሃብ ከምኡውን ከም ክትክን ዝኣመሰለ ኣድላዪ ነገራት ምውሓስን ምስፋሕን ኢዩ።

ነቲ ንወተሃደራውን ሰብኣዊ ናይ ግብረ - ሰናይን ዕላማታት ዝኸውን ናውቲ ዘጓዓዕዙሉ ኣህጉራዊ ናይ ሰላም ጻዕርታት እውን ኣፍልጦ ሂቦምሉ ኢዮም ።

'ምግልጋል ክብሪ ይህበና'

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ኵሉ እዚ ንጥፈታት እዚ ብልክዕን ብግቡእ እተወሃሃደን ዘየቋርጽን ብምዃኑ ፍሉይ ስም ኣለዎ፣ እዚ ኸኣ ኣገልግሎት እዩ" በሉ። ኣስዒቦም ድማ ከምዚ በሉ - "ነቲ መብዛሕትኡ ግዜ ህይወት ሰባት ዘድሕንን ንድሕንነት ገዛዕ ርእስኻ ግን ኣብ ሓደጋ ዘእቱን ሓደጋታት ካብ ምፍጻም ድሕር ምሕር ምባል ዘይኰነስ ንጻዕርን ጕልበትን ኢድካ ምሃብ ዘጠቓልል ኢዩ።"

"ኣገልግሎት ክብሪ ይህበና። ክብርኻ እንታይ እዩ ? ኣነ ኣገልጋሊ እየ፣ እዚ ዓብዪ ኽብሪ እዩ!"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብዚ መዳይ እዚ ንጡፍ ዕዮ ድሕሪ ምዕያይ እውን ከይተረፈ ብዙሓት ንማሕበረሰቦም ከም ወለንተይናታት መጠን ምድጋፍ ከም ዝቐጸሉ ገለጹ፣ እዚ ድማ ንምሉእ ህይወቶም  ዋጋ ብምኽፋል ንኸገልግሉ ዝገበርዎ ቘራጽነት ዘጕልሕ ኢዩ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እቲ ክሪስቶፈር ዝብል ስም "ክርስቶስ ዝጾረ" ዝብል ትርጕም ከም ዘለዎ ብምዝካር ወፈያኦም ነቲ ክርስቶስ ዝሃበና ንእተሸገሩ ናይ ምግልጋልን ናይ ምሕጋዝን ተልእኾ ከም ዘንጸባርቕ ገለጹ። ኣብ መደምደምታ ኸኣ እዚ ጠበቓኦም ዝኾነ ቅዱስ ነቶም ወተሃደራት ኣብቲ ብሉጽ ዕዮኦም ንኪቕጽሉ ኸምኡውን ዕቝባን መምርሕን ኣምላኽ ክኾኖም ብምጽላዮም ሓውርያዊ ቡራኬኦም ኣካፈልዎም ።

08 November 2024, 15:42