ድለ

2024.11.28 ር.ሊ.ጳ. መርበባዊ ማሕበር ዘራእቲ ወንጌል፥ ምኣስፍሆተ ወንጌልን ሓገዝ ዝስደተይናታት ዝገብሮ ጻዕሪ ይንእዱ 2024.11.28 ር.ሊ.ጳ. መርበባዊ ማሕበር ዘራእቲ ወንጌል፥ ምኣስፍሆተ ወንጌልን ሓገዝ ዝስደተይናታት ዝገብሮ ጻዕሪ ይንእዱ  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር.ሊ.ጳ. መርበባዊ ማሕበር ዘራእቲ ወንጌል፥ ምኣስፍሆተ ወንጌልን ሓገዝ ዝስደተይናታት ዝገብሮ ጻዕሪ ይንእዱ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ ብቋንቋ ስጳይና ዘገልግል ካቶሊካዊ መርበብ ሓበሬታ ኣባላት ዕለት 28 ሕዳር ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ምዕዳን እቲ ማሕበር ወንጌል ኣብ ምስፋሕን ንስደተይናታት ኣብ ምድጋፍ ዝህቦ ኣገልግሎት ይንእዱ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 28 ሕዳር ኣብ ኣሜሪካ ዝመደበሩ ብቋንቋ ስጳይና ዝመሓላለፍ ካቶሊካዊ መደብር ተለቪዥን ESNE - መርበባዊ ማሕበር ዘራእቲ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ብዝብል መጸውዕ ዝፍለጥ ወኪሎም ሃገረ ቫቲካን ንዝተዉ ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡን፥ ኣብቲ ርክብ ነቶም ናይቲ መራኸቢ ብዙሓን ኣባላት መሪሖም ንዝመጹ ናይቲ ትካል ተለቪዥን መስራቲ ኖኤል ዲያስ ኣመስጊኖም፥ በቲ ዲያስ ንሓልዮት እግዚኣብሔር ብዝነበሮ እምነትን ተወፋይነትን ብሓቂ ከም እተተንከፉን ሓቢሮም፥ እቲ ንሱ ዘበገሶ ወንጌላዊ ኣገልግሎት ዝቕጽሉ ንዘለዉ ካልኦት ብዙሓት ተሓባበርቲ ድማ ከም ዘመስገኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ውጥን ስብከተ ወንጌል

ቅዱስነቶም ናይቲ መደብር ተለቪዥን ውጥናት ኢየሱስ ማእከል ዝገበረ ወንጌላዊ ሓሴትን ምሕረት ኣማልኽን ዘመሓላልፍ ኮይኑ ወንጌላዊ ማሕበረሰብ ዝሓንጽ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፥ “ኢየሱስ ክርስቶስ ንደቀ መዛሙርቲ ብሓላፍነት ዝሃቦም ተልእኾ ንቕድሚት ከሰጉሙ፡ ዋላ ብመገዲ ርክብ እውን እንተኾነ ወንጌል ክሰብኩ ዝተጸዋዕዅም ኢኹም” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን፥ ወሲኾም እቲ ኣገዳሲ ድጋፍ ሰብ ሞያ መራኸቢ ብዙሓን፡ ዝነብርዎ ርክብ ቅድስቲ ስላሴኣዊ ርክብ እንክብሉ ገሊጾም፥ ኣብ ኣሜሪካን ኣብ መላእ ተዛረብቲ ቋንቋ ስጳይና ሃገራት ንዝርከቡ ብዙሓት ሰባት ድምጽን መልእኽትን ር.ሊ.ጳ. ኣብ ምብጻሕ ስለ ዝህብዎ ኣገልግሎት ከም ዘመስገኑ ኣፍሊጡ።

"ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ክጽልዩ፡ ብኣካል ክሳተፉ እንተዘይክኢሎም ካብ ገዝኦም ኮይኖም ቅዳሴ ክከታተሉ፡ ክርስትያናዊ ሕንጸት ክቕበሉ፡ ብዛዕባ ዜና ቤተ ክርስቲያን ሓበሬታ ክረኽቡ ስለ እትሕግዙዎም አመስግነኩም . . .

ንስደተኛታት ቀረባ ምዃን

ቀጺሎም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ እቲ መራኸቢ ብዙሓን ምስ ብዙሓት ካብ ሃገራት ላቲን ኣመሪካ ዝመጹ ስደተይናታት ቅርበት ዘለዎ ኮይኑ ንስደተይናታት ዝህቦ ሓገዝ ብሓቂ ዝነኣድ እዩ ቢሎም፥ ዝሰርሖ ስራሕ

"ብቋንቋ ዓዶም መወከስን ምጽንናዕን ክረኽቡ ብሓቂ ኣድላዪ እዩ! ቢሎም እቲ መርበባዊ ማሕበር ዘራእቲ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ጉዳይ ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ንዓመታት ዘካየድ ዘሎ ምታሕብባር ጠቒሶም፥ "ናብ መንግስተ ሰማይን ናብቶም ኣዝዮም ኣብ ሕሰምን መከራን ዝርከቡ ኣሕዋትኩምን ካብ ምጥማት ከይትቦኽሩ ንቕድሚት ሰጒሙ" ከምኡ'ውን ወትሩ "ብለጋስን መሃዝን መንፈስ፡ ኩሉ ግዜ መልሕቕክም ኣብ ከውሒ ጴጥሮስ ግበሩ ወትሩ ንትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ምዕዙዛት ኩኑ” እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

29 November 2024, 17:23