ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንጉጅለ 20 ሃገራት፥ ጥምየት ዓለም ንምጥፋእ ቅልጡፍን ወሳንን ስጉምቲ የድሊ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ሎሚ ኣብ ዓለም ብዕጥቃዊ ግጭታት እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ጥሜት ዓለም ከምኡውን ነቶም ኣብ ዓለም ብጥሜት ወይ ብስእነት እኹል መግቢ ንዝሳቐዩ ሰለስተ ቢልዮን ዝግመቱ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ንምምጋብ ኣብ ክንዲ ዝውዕል ኣብ ኣጽዋርን ዝስላዕ ማእለያ ዘይብሉ ሃብቲ ገንዘብ ኣቃልቦ ክግበረሉ ኣብቲ ብናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ኣብቲ ዋዕላ ኣብ ዝተነበ መልእኽቶም ከም እተላበዉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን፥ እቲ ዕለት 18 ሕዳር ኣብ ሪዮ ዲ ጃኔሮ ዝተኸፍተ 19 መራሕቲ ኣባል ሃገራትን ወኪል ሕብረት ኣፍሪቃን ሕብረት ኤውሮጳን ኣሳቲፉ ዝካየድ ዘሎ ናይ ክልተ መዓልቲ ዋዕላ ምዃኑ የመላኽት።
ንዝሓሸት ዓለም ኣበርክቶ ምግባር
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንርእሰ ብሔር ኢግናዚዮ ሉላ ዳ ሲልቫ ነቲ ኸም ተረይና ኣቦ መንበር ናይ ጉጅለ 20 ሃገራት መጠን ዘለዎም ግደ ረዚን ምዃኑ ብምዝኽካር፡ ምእንቲ እዚ እንቋዕ ሓጐሰኩም ቢሎም፥ እቲ ዝካየድ ዘተን ሸቶታቱን ዝሓሸት ዓለምን ንዝመጽእ ወለዶታት ምዕቡል መጻእን ኣብ ምፍጣር ብሓቂ ኣበርክቶ ከም ዝገብር ዘለዎም እምንቶ ኣረጋጊጾም፡ ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም ንተጋባእያን ሰላምታኦም ከም ዘመሓላለፉን፥
ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ጥሜት መወዳእታ ምግባሩ
ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ብጥሜት ይሳቐዩን ይሞቱን ስለ ዘለዉ ነዚ መሰረት ብምግባር ኣብ ዓለም ናበይ ገጽ ይኸየድ ከም ዘሎ ኣጕሊሖም፡ “መግቢ ምርካብ ክገሃስ ዘይብሉ መሰል ህላዌ እዩ" እንክብሉ ብኣጽንዖት ከም ዘዘኻኸሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ፥ ውግኣት ደው ምባል፡ ነባሪ ሰላም ምህናጽ ቀዳምነት ክወሃቦ ዘለዎ ዕማም ክነሱ ማእለያ ዘይብሉ መግቢ ኣብ ዝባኽነሉ ዘሎ ዓለም ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ብጥምየት ይሳቐዩን ብስነት መግቢ ክሞቱ ምርኣይ ዘሕዝን ጥራይ ዘይኮነስ ጭካነ ዝመልኦ ተግባር እዩ ቢሎም፥ ኵላትና ኣሕዋት ዘእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም ጠቒሶም፥ ጥምየት ዝዓበየ ውርደት እዩ . . . ጥምየት ገበን እዩ። ምኽንያቱ ነቲ ክገሃስ ዘይብሉ መግቢ ናይ ምርካብ መሰል ሰብ ዝግህስ ብምዃኑ” እንክብሉ ኣስተብሂሎም፥
ውግእ ደው ብምባል ነባሪ ሰላም ምህናጽ
ነቲ ብሰንኪ ውግእ ግጭት ከምኡውን ምጕዳል ፍትሒ ዝመጽእ ጸገማት ኣፍልጦ ብምሃብ፥ "ኣብ ኵሉ እቲ ግጭት ኣብ ዘለሉ ከባቢ ናይ ዝሳቐዩ ክብረቶም ንምምላስ ርጉእን ነባርን ሰላም" ንምርግጋጽ ሓድሽ መገድታት ምርካብ ኣድላዪ ምዃኑ ኣጒሊሖም፥ ብሰንኪ እዚ ውግኣት እዚ ዝመጽእ ሞትን ዕንወትን ነቲ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ጥሜትን ድኽነትን ኣበርክቶ ከም ዝገብር ኣተሓሳሲቦም፥ እዚ ኸኣ ሰንሰለት ቀረብ መግቢ ከም ዘተዓናቕፍን ማእለያ ዘይብሉ ሃብቲ ገንዘብ ነጽዋር ውግእ ዝውዕል ብምዃኑ እውን ነቲ ካብቲ ግጭት ዝካየደሉ ቦታታት ዝረሓቐ ከባቢ እውን ዝጸልዎ ምዃኑ ከም ዘዘኻኸሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
መዓት ጥምየት ምእላይ
ሎሚ እቲ ኣዚዩ ዘተሓሳስብ፡ ዓለም ክሳብ ሕጂ ነቲ ናይ ጥምየት መዓት ክትገጥሞ እትኽእለሉ መንገዲ ክትረኽብ ዘይምኽኣላን ዝሰፍሕ ዘሎ ብሕብረተሰብ "ከም ንቡር ናይ ምቕባል ዝንባለ" "ዘሕፍር በደልን ከቢድ ገበንን" ምዃኑ ቅዱስነቶም ኣነጺሮም፥ እዚ ብፍላይ እቶም ብሓረጣ ወይ ብስስዐ ኣቢሎም ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ጥሜት ዘስዕቡ ዘለዉ "ቅትለት" እዮም ዝፍጽሙ፥ ስለዚ "ሰባት ካብ ድኽነትን ጥሜትን ንምውጻእ ዝግበር ጻዕሪ ቀዳምነት ክወሃቦ ዝግብኦ ጒዳይ እዩ” እንክብሉ ኣስሚሮም፥
ድኽነት ኣብ ቅልውላው ጥሜት ኣበርክቶ ዝገብር
ማሕበራውን ቁጠባውን በደላት ነቲ ክውንነት ጥሜት የጋድዶ ከም ዘሎ ድማ ኣብሪሆም፥ እዚ ድኽነት እዚ ድማ፥ "ኣብ ዓለምለኻዊ ሕብረተሰብና ሰፊሑ ዘሎ ቍጠባውን ማሕበራውን ዘይምዕሩይነት" ከም ዝቕጽል ዝገብር ምዃኑ ገሊጾም፥
“በዚ ድማ መዓት ጥምየትን ድኽነትን ንምጥፋእ ቅልጡፍን ወሳንን ስጉምቲ ክውሰድ ከምዘለዎ ርዱእ እዩ። ከምዚ ዓይነት ስጉምቲ ብናይ ሓባርን ምትሕብባርን ኣገባብ፣ ብተሳትፎ መላእ ማሕበረሰብ ዓለም ክውሰድ ኣለዎ።”
ውጽኢታዊ ስጕምቲ ንምውሳድ "ናይ መንግስታት ኣህጉራውያን ማሕበራት ከምኡውን ማሕበረሰብ ብሓፈሻ ቁም ነገር ዘለዎ ጭቡጥ ቓል ኪዳን" ከም ዝሓትት ገሊጾም፥ እዚ ኸኣ መሰረታዊ ነገራት ምርካብን ነቲ "ሰብኣዊ ኽብረት ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍ ውልቀ - ሰብ ዝሃቦ ውህበት" ዘኽብር ኣድላዪ ሃብቲ ብግቡእ ምዝርጋሕን ዘጠቓልል እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ምምካት ብኽነት መግቢ
ነቲ ወርደት ዝኾነ ብኽነት መግቢ ንምፍታሕ እውን ሓባራዊ ስጉምቲ ከምዘድሊ ሓቢሮም፥ ሎሚ እውን እንተኾነ ንኹሉ ዝምግብ እኹል መግቢ ኣሎ፣ እንተኾነ ግን ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ብዘይማዕርነት ይዕደል። ነዚ ብድሆታት ንምፍታሕ ዝግበር ጻዕሪ "ናይ ነዊሕ እዋን ራእይን ሜላን . . . ንሕጽረት መግቢ ብኣድማዒ መንገዲ ንምምካት ዝሕግዝ ባይታ እዩ" ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ነዚ ንምትግባር ድማ ዓለማዊ ምሕዝነት ኣንጻር ጥምየትን ድኽነትን ኣብ ምፍታሕ ጥሜትን ድኽነትን ኣገዳሲ ተራ ክጻወት ከምዝኽእል ኣመላኺቶም፥ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ናይ ቅድስቲ መንበር፥ "ኣብዚ ሕጂ እዋን ናብ ኣጽዋርን ካልእ ወተሃደራዊ ሓይልታትን ዝስላዕ ሃብቲ ገንዘብ ኣንፈቱ ቐይሩ፥ ናብ ጥምየት ንምፍታሕን ኣብተን ኣዝየን ድኻታት ሃገራት ልምዓት ንምድንፋዕን ዘውዕል ዓለም ሓቆፍ መዋሊ ትካል ምቛም ዝብል ዘቕረበቶ እማመ ኣዘኻኺሮም፥
ካብ ‘ስነሓሳባዊ መግዛእቲ’ ምውጋድ
ወሲኾም ካብ ደገ በስገዳድ ዘይቐርቡ ግን ከኣ "ንጠለባት ህዝብን ማሕበረሰን መልሲ ንምሃብን ዝትግበሩን" ውጥናት ከምዘድሊ ኣጒሊሖም፥ ኣብ መደምደምታ ቅድስቲ መንበር ክብረት ሰብ ንምድንፋዕን ብደረጃ ዓለም ዝርከባ ካቶሊካውያን ትካላት ኣቢላ "ኣብ ዓለምና ዝኾነ ብኣምላኽ ዝተፈትወ ነፍሲ ወከፍ ሰብ መዓልታዊ እንጌራ ከይሕረሞ "ናይ ገዛእ ርእሳ ኣበርክቶ ከም እትቕጽል ኣረጋጊጾም፥
“እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ንሓቀይና ምዕባለ መላእ ሰብኣዊ ስድራ ቤት ንእትገብርዎ ስራሕኩምን ጻዕርኹምን ብብዝሒ ይባርኽ”
ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።