ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንናይ ማሕበር ገፈፍቲ ዓሳን ሰራሕተኛታት ክንክን ጥዕናን፡ 'ከም ጋንታ ስራሕ'
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣስታት 5,200 ወከልቲ ገፈፍቲ ዓሳ ኢጣልያን ተሳተፍቲ ኣብ ሮማ ብዛዕባ ስርዓታት ህዝባዊ ጥዕና ኤውሮጳ ኣብ ዝተኻየደ ኣህጉራዊ ጉባኤን ዕለት 23 ሕዳር ኣብ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ምስ ቅዱስ ኣቦና ከም እተራኸቡን ነቶም ብናይ ኢጣሊያ ቤት ምኽሪ ጳጳሳት ብሃብቲ ማያት ባሕሪ ናይ ዝመሓደሩ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ሓላፊ ንዝተሰነዩ ናይ ኢጣሊያ ማሕበር ገፈፍቲ ዓሳ ዘስምዕዎ ቀዳማይ ክፋል መደረ ብዛዕባ “ዋጋ” ጸዋዕታ ገፈፍቲ ዓሳ ዘተኮረ ከም ዝነበረን መበገሲ ጸዋዕታኦም ክሳብ ክንደይ ንድሕሪት ዝዝርጋሕ ምዃኑ ብምዝኽኻር፥ እዚ ድማ ምስቲ ብኢየሱስ ንሓደ ገፋፊ ዓሳ ዝኾነ ጴጥሮስ ዝሃቦ ናይ መጀመርታ ቤተ ክርስቲያናዊ ሓላፍነትን ጸዋዕታ ክንሓስብ ዝገብር እዩ . . . ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኣበርቲዕካን ብሓባር ኣብ ምዕያይ ዘይምሕላል
ኣብ ኣርባዕተ ወንጌላት ብዛዕባ እቶም ብሃብቲ ማያት ባሕሪ ዝመሓደሩ ሰባት - ገፈፍቲ ዓሳ ዝሕብር ምንባብ "ብትግሃት ምዕያይ" ከምኡውን ንፍሽለት ምቍጽጻር ዝኣመሰለ "ኣገዳሲ ኣረኣእያ" ዜንጸባርቕ ምዃኑ ኣጒሊሖም፥ እዚ ኻብዞም ሎሚ ዘለዉ ገፈፍቲ ዓሳ እውን ዘድሊ ባህርይ ምዃኑ ኣብሪሆም፡ ገፈፍቲ ዓሳ ከም ምውሳኽ ዋጋታትን ካብ ተግባራውነት ብዝርሓቐ ኣገባብ ምሕደራ ብዝኣመሰሉ ኪደታትን ከምኡ እውን ዘይፍትሓዊ ውድድር ብዝኣመሰለ ኣብ ንግዲ ሃብቲ ዓሳ ዝረአ ኣገባብ "ንሓድሽ ህጹጽ ጸገማት" ተቓሊዖም ከም ዘለዉ ኣስሚሮም፥ ኣብ ቅድሚ እዚ ጸገማት’ዚ ነቶም ብሃብቲ ማያት ባሕሪ ዚመሓደሩ ዘራኽብ ናይ ማሕበረሰብ ስምዒት ኣጉሊሖም፣ “ዕዉት ስራሕ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ ኣበርክቶ ኩሉ ዝምርኮስ እዩ። "ምግፋፍ ዓሳ እምበኣር፡ "ኢየሱስ ንጸዋዕታ ሃዋርያት ንምግላጽ ከም ምልክት ክሳብ ዝተጠቀመሉ ብማያት ባሕሪ ዝመሓደሩ ካብ ገፈፍቲ ዓሳ ካብ ምዃን ናብ "ገፈፍቲ ሰብ" ዘሰጋግር "ቤት ትምህርቲ ህይወት ክኸውን ከም ዝኽል ኣቢርሆም፥
ነቶም ክንክን ዝገብሩ ምሕብሓብ
ኣስዒቦም ብድሆታት እናጋጠሞም ክነሱ ኣብ ሓንቲ ጕጅለ ናይ ምዕያይ ክእለት ዘለዎም ሰራሕተይናታት ክንክን ጥዕና ምዃኖም ነቶም ኣብቲ ርክብ ንዝተሳተፉ ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣብቲ ኣብ ሮማ ዝርከብ ጳጳሳዊ ላተራነንሰ መንበረ ጥበብ ብዛዕባ ቀዋሚ ኣገባብ ጥዕና ህዝቢ ኣውሮጳ ኣብ ዝምልከት ዓውደ ጉባኤ ተግባእያን ኣብ ዘስምዖ መደረ ኣስተብሂሎም፥
ሰራሕተይናታት ክንክን ጥዕና ንነብሶም ሸለል ከይብሉን “ኣብ ክንድኡ ንሓድሕዶም ክተሓሳሰቡን” ጻውዒት ኣቕሪቦም። "ዕዮ ኣብ ጉዳይ ጥዕና ኣድካሚ ምዃኑን ካብኡ ንላዕሊ ድማ ኣብ ልብኻ እትስከሞ ስክፍታታትን ካብ ሕሙማት እትእክቦ ቃንዛን ምጽንናዕን ፈውሲ ይሓትት . . .
ርህራሄ ንዝተነጸሉ
“ዝኾነ ሰብ ክንክን ክረክብ ክሳብ ዘይምኽኣል ክግለል የብሉን” እንክብሉ ኣመልኪቶም፣ ስርዓታት ክንክን ጥዕና "ኣብ ልዕሊ ተኣፋፍያንን ዝተነጸሉን" ፍሉይ ተሃዋስነት ዘማዕብል ጸዋዕታ ምዃኑ ኣመልኪቶም፡ ንሰራሕተይናታት ክንክን ጥዕና ካብ ከም በዓል ቅዱስ ዮሓንስ ዘእግዚኣብሔር፣ ቅዱስ ጁሰፐ ሞስካቲ፣ ቅድስቲ ተረዛ ዘካልኩታ ዝኣመሰሉ ቅዱሳን ምትብባዕ ክረኽቡ ዓዲሞም፣ በይኑ ዝሳቐ ሰብ ከምዘየለ ኣረጋጊጾም።
“ምጽንናዕ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ ብሕታውነት ምርኻብ ማለት እዩ፡ በዚ ድማ ብሕትውና ይወግድ፡
ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ስድራቤታዊ ዝምድናታት
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መወዳእታ ኣባይቲ ስድራ ኣብ ክልቲኡ ሞያታት ማለት ምግፋፍ ዓሳን ክንክን ጥዕናን ዝጻወትዎ ወሳኒ ተራ ኣስሚሮም፡ ኣባይቲ ስድራ መብዛሕትኡ ግዜ "ኣብ መንጎ ጸገማት" ወሳኒ ደገፍ ከም ዝህቡ ኣስተብሂሎም፡ ስለዚ እቶም ተሳተፍቲ “ንጥዑያትን ንሕሙማትን ‘ፈውሲ ንምዃን’ ስድራቤታዊ ዝምድናኦም ክሕልዉ ከም ዝግባእ ኣተሓሳሲቦም፥
“ተነጽሎን ውልቃውነትን ንተስፋ ምቑራጽ ኣፍደገ ይኸፍት፣ እዚ ድማ ነፍስን መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ንኣካልን እውን የሕምም”
እንክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።