2024.11.16 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ንተመሃሮ ዘርኣ ክህነት: ናብ ኣባይቲ ማሕቡስ ህላወኣዊ ስቓይ ቀረባ ምዃን 2024.11.16 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ንተመሃሮ ዘርኣ ክህነት: ናብ ኣባይቲ ማሕቡስ ህላወኣዊ ስቓይ ቀረባ ምዃን  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ንተመሃሮ ዘርኣ ክህነት: ናብ ኣባይቲ ማሕቡስ ህላወኣዊ ስቓይ ቀረባ ምዃን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንግሆ ዕለት 16 ሕዳር ካብ ስጳይና ንዝመጹ ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፡ ካብ ንዋታዊ ሓይሊ ወይ ካብ ናእዳን - ከንቱ ውዳሴን" ተቖጢቦም ምሕረት እግዚኣብሔር ናብ ህዝቢ ኣብ ምቕራብ" ተባዓትን ዘይሻራውያንን ዘይሕለሉን" ክኾኑ የተሓሳስቡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ኩለን “እተን ኣብ ሕብረተሰብና ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ብዝተፈላለየ ምኽንያት ኣብ ቤት ማሕቡስ ዝተዓጽዉን ከምኡ እውን ምዝመዛን ተስፋ ምቑራጽን ድንቁርናን ምርሳዕ ኣምላኽን ናይ ዝፈጥሩ ስነ - ሓሳባትን፡ ስነ-ምግባራውን ቅዩዳት ንዝኾኑ ቅብኣ ምጽንናዕን  ወይኒ ተድላን ዘቕርቡ ክኾኑ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ኣብ ስጳይና ካብ ሃገረ ስብከታት ፓምፕሎና ዪ ቱደላን ሳን ሰባስቲያንን እመ መድሃኔ ዓለምን ዝመጹ ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ተላብዮም፥ ነቶም ናይ መጻኢ ካህናት፥ ኣብ ኣባይቲ ዘርኣ ክህነት ዝነብርዎ እዋን ኣገዳስነት ምድሓንን ህያው ምስሊ ኢየሱስ መድሕን ኣብ ምዃን ዝህነጽሉ ክኸውን ከም ዘተሓሳሰቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።  

ኣብያተ ማሕቡስ ምብጻሕ ቀዳምነት ምሃብ

ቅዱስነቶም ነቶም ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ኣብ ቤት ማሕቡስ ንዝርከቡ ክበጽሑን ኣብ ምግልጋሎም ክሳተፉን ከም ዘተባብዑን ባዕሎም ር.ሊ.ጳ. ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም ካብ ዝሕረዩ ኣትሒዞም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ኣብ እዋን ዓቢይ ጾም ሰሙነ ሕማማት ጸሎተ ሓሙስ ኣብ ቤት ማሕቡስ ብምኻድ ስነ ስርዓት ሕጽበተ እግሪ ከም ዝፍጽሙ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ኣብ ቤተ ማሕቡስ ደቂ ኣንስትዮ ነዚ ስነ ስርዓት እናፈጸሙ እንከለዉ እግሪ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ሓጺቦም ናብታ ጥቓኣ ናብ ዝነበረት ተመሳሳሊ ስነ ስርዓት ንኽፍጽሙ ቅድሚ ምስጋሮም ቅርብ ቢላ ውላዳ ከም ዝቐተለትን በዚ ገበን እዚ ኣብ ቤት ማሕቡስ ከም እትርከብ ናይ ውሽጣ ስቓይ ዘካፈለቶም ዘኪሮም፡ እዚ ድማ ኣብ ቤት ማሕቡስ ዝርከቡ ዝነብርዎ ሕልና ዝጸሉ ውሽጣዊ መዓት ዝሕብር ምዃኑ ኣብሪሆም፥ "ካህናት ምስ ኮንኩም ናብ ኣብያተ ማሕቡስ ኪዱ ቀዳምነት ክወሃቦ ዝግብኦ ስፍራ እዩ . . . ስለምንታይ ንሶም ጥራይ ኣነኸ” ዝብል ሕቶ ንገዛእ ርእስና ከነቕርብ ስለ ዝድርክ . . .

ካህናት ይብሉ ቅዱሰንቶም፥ ብዛዕባ ኣካላዊ ጥራይ ዘይኰነስ ልዕሊ ዅሉ ነቲ ሓደ ሰብ ገዛእ ርእሱ ክቕየደሉ ዝኽእል ኣእምሮኣዊ ጽልዋ ዘለዎን መንፈሳዊ ኣባይቲ ማሕቡስ ከምዘሎ ጠቒሶም፥ "ብልክዕ ነቶም ብብዙሕ ነገራት ከይፈለጦም ማለት ብባህሊ ብማሕበረሰብ ብእከይ ብስዉር ሓጢኣት ምቑሓት ዝኾኑ ሓራ ንምውጻእ እውን ነዞም ኣሕዋትናን ኣሓትናን ቀረባ ብምዃን ቅብኣ ምጽንናዕን  ወይኒ ተድላን ከቕርቡ ከም ዘለዎም ብኣጽንዖት ከም ዝሓበሩ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ንመንፈስ ተኣዛዚ ምዃን

ቀጺሎም፥ ነቲ ኣብ ወንጌል ሉቃስ እነንብቦ “ንዋታዊ ሓይሊ ወይ ከንቱ ውዳሴን” ንምርካብ ኣብ ማእከል ስፍራ ንምዃን ኣብ ዝድርኽ ናብ ፈተና ምግልጋል ጣዖት ከይወድቁ ነቶም ናይ መጻኢ ካህናት ምዒዶም፥  ኣብ ክንድኡ ነቲ "ንመንፈስ ቅዱስ ምእዙዛት ክንከውን ንዝጽውዓና" ኣምላኽ ክንራኸብ ብበረኻ ክንሓልፍ . . . ገዛእ ርእስና ካብ ብዙሕ ነገራት ባዶ ክንገብር ይግብእ . . . ሕጂ'ውን ከምቲ ኢየሱስ ናብ ናዝሬት ክኸይድ እንከሎ "ብዓይኒ ዓለም ወዲ ዮሴፍ ካብ ምዃኑ ከም ዘይሓልፍ ፈሊጡ፡ ሓደ ከማና ከም ዝኾነ ወትሩ ከይርስዑ ተማሕጺኖም . . . ኣብ ሓዋርያዊ ኣገልግሎትና ኣብ መንጎ ሰባት ምርጫዊ ፍልልይ ክንገብር ኣይግባእን፡ ጓኖትን ጸላእትናን እውን እንተኾኑ ብዓይኒ እግዚኣብሔር ኩላትና ውሉድ ስለ ዝኾንና ንኹሉ ብማዕረ ምግልጋል . . .  ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ከም ሓውናን ሓብትናን ክንርኢ እንኮለና ነቲ ጐይታ ዘቕርቦ ጸጋ ናይ ምቕባል ዝንባለ ክህልውና እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ዘይሕለል ተሸከምቲ ምሕረት

ጐይታ ንብዙሕ ዓመታት ብእኩይ መንፈስ ተቐይዳ ዝነበረት ሰበይቲ ሓራ ንምውጻእ ዝገበሮ ምሕጽንታ ዘይርድኡ ብዘመኑ ዝነበሩ ሰባት ብትሪ ልቢ ዝሓዘነሉ ዝነገር ካልእ ክፍሊ ወንጌል ብምዝካር፡ “ንስኻትኩም” - ነቶም ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት፥ “ኩሉ ግዜ ንኽትባርኹ ስንድዋት ኩኑ . . . ሓራ ንምውጻእ ድልዋት ኩኑ" ከምኡ'ውን "ተባዕ፡ ግን ከኣ ብዘይ ትምክሕቲ ምሕረት ኣምላኽ ኣብ ምቕራብ ከይሕለሉ” ተላብዮም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

18 November 2024, 15:55