ድለ

2024.11.24 Angelus 2024.11.24 Angelus   (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር. ሊ. ጳ. ንመንእሰያት ፦ ብዛዕባ ተስፋ ንምምስካር ትብዓት ይሃሉኹም!

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ካብ ፖርቱጋልን ደቡብ ኮርያን ዝመጹ ተወከልቲ ትማሊ ሰንበት ኣብ በዓለ ክርስቶስ ንጉሥ ንመበል 39 ቅነ መንእሰያት ዝኸውን ከም ምልክት ናይ ዓለማዊ ቅነ መንእሰያት መስቀልን ከምኡውን ኣይቆና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ድሕነት ሮማውያን ካብ ተወከልቲ መንእሰያት ፖርቱጋል ናብቶን ንዝቕጽል ዓለም ለኻዊ ቅነ መንእሰያት 2027 ዝእንግዱ ተወከልቲ መንእሰያት ኮርያ ኣሰጋጊሮም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ መደምደምታ ናይቲ ኣብ ብዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ እተኻይደ መሥዋዕተ ቅዳሴ በዓለ ክርስቶስ ንጉሥ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ካብ እተፈላለየ ዅርናዓት ዓለም ዝመጹ መንእሰያት ብፍላይ ከኣ ነቶም ዝሓልፈ ብ2023 ዝተኻይደ ዓለም ለኻዊ ቅነ መንእሰያት ንዝኣንገዱ ካብ ፖርቱጋል ዝመጹ ተወከልቲ ከምኡውን ነቶም ኣብ ሶል ኮርያ ንዝቕጽል ናይ 2027 ዓለም ለኻዊ ቅነ መእሰያት ዝእንግዱ ተወከልቲ ደቡብ ኮርያ ተቐቢሎም ሰላምታኦም ኣመሓላለፉሎም።

መስቀል ዓለም ለኻዊ ቅነ መንእሰያት እተሰከሙ መንእሰያት
መስቀል ዓለም ለኻዊ ቅነ መንእሰያት እተሰከሙ መንእሰያት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ምልክት ዓለም ለኻዊ ቅነ መንእሰያት ዝኾነ መስቀልን ከምኡውን ኣይቆና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ድሕነት ሮማውያንን ዘኪሮም ቃለ ምዕዳን ኣመሓላለፉሎም ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ኮርያውያን መንእሰያት መስቀል ተሰኪሞም ኣብ እስያ ፍቕሪ ክርስቶስ ከም ዚእውጁ ውን ኣዘኻኸርዎም ።

"ትብዓት ይኹነኩም! ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ብዛዕባ እቲ ዜድልየና ዘሎ ተስፋ ንኽትምስክር ትብዓት ይሃሉኹም ። ኣብቲ እዚ ምልክታት እዚ ዚሓፈሉ ቦታታት፣ እቲ ኣምላኽ ኣብ መንጎ ህዝብታት ዘለዎ ዘይስዓር ፍቕርን ሓድነትን ብርግጽ ዘዕቢ ይኹን። ንዅሎም እቶም ግዳያት ግጭትን ውግእን ዝዀኑ መንእሰያት መስቀል ጐይታን ስእሊ እኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያምን ን ንምጽንናዕ ይኹን።"

ኣብቲ ደድሕሪ መሥዋዕተ ቅዳሰ ዘካይድዎ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ልክዕ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ጐኒ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ኣብ 2027 ኣብ ሃገረ ኮርያ ዝካየድ ዓለም ለኻዊ ቅነ መንእሰያት ንምድላው ነዚ መስቀል ናብ ኮርያ ዝወስድዎ ኽልተ ኮርያውያን መንእሰያት ነበሩ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንዅሎም እቶም ንጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ እተረኽቡ ነጋድያንን በጻሕንትን ንዓታቶምን ንወከልቶምን ከምኡውን ነቶም ብ2023 ኣብ ሊዝበን ኣብ እተገብረ ናይ ዓለም ለኻዊ ቅነ መነሰያት መስቀል ዘመሓላለፉ ፖርቱጋላውያን መንእሰያትን ወከልቶምን ድሙቕ ጣቕዒት ከቕርቡሎም ሓተትዎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብዛ ሰንበት እዚኣ በዓለ ክርስቶስ ንጉሥ መበል 39 መዓልቲ መንእሰያት ኣብቶም ኣከባቢያውያን ኣብያተ-ክርስትያን ተዘኪሩ ይውል ከም ዘሎ ገለጹ፣ ፍረ ነገር ናይዚ ዓመት እዚ ኸኣ "እቶም ብጐይታ ተስፋ ዝገብሩ ይጐዩ ኣይክደኽሙን ኢዮም" (cf. Is 40 31) ዝብል ኢዩ።

ኣብዚ ቐረባ እዋን ብዕለት 27 ሚያዝያ 2025 ኣብ ዓመተ ኢዮቤል ኣብ ኢዮቤል ቈልዑን ህጻናን፣ ናይ ብፁዕ ካርሎ ኣኩቲስ ቅድስና ክእወጅ ምኹኑ ውን ኣበሰርዎም። ብተወሳኺውን እቲ ብዛዕባ ጉዳያት ኣዋጅ ቅድስና ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ብፁዕ ፒየር ጆርጅዮ ፍራሳቲ ክግበር ዝጸንሐ መስርሕ ኣዋጅ ቅድስትና ኣወንታዊ መደምደምታ ከም ዝረኸበን ምስ ካርዲናላት ድሕሪ ምምይያጥ ብዕለት 3 ነሓሰ 2025 ኣብ ዓመተ ኢዮቤል ኣብ ኢዮቤል መንእሰያት ቅድስናኡ ክእወጅ ከም ዝወሰኑ ገለጹ ። ንዅሎም እቶም ሓደስቲ ቅዱሳን ብጣዒት ኣድናቖቶምን ሞሳኦምን ክገልጹሎም ሓተትዎም።

25 November 2024, 17:12