ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ገበርቲ ሰላም መንእሰያት ቅድስቲ ምድሪ ‘ተስፋ ህያው ክገብሩ’ ይላበዉ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ዕለት 25 ሕዳር ንግሆ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ካብ ዝተፈላለየ ሃይማኖታውን ባህላውን ድሕረ ባይታ ምስ ዝመጹ ልኡኻት መንእሰያት ኵላዊ ባይቶ ሰላም ኣብ ዘካየድዎ ርክብ፥ “ዓበይቲ ስነ - ጥበባውያን ሰላም” እንክብሉ ገሊጾም፥ ኣብ ሕመረት ተግባሮም ተስፋ፡ ዘተን ዕርቅን ከማእክሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም፥ ነቲ እቶም መንእሰያት ኵላዊ ባይቶ ሰላም ኣብ ቅድስቲ መሬት ሰላም ንኽርከብ ዝገበርዎ ቘራጽነት ንኢዶም፡ እዚ መብጽዓ ሰላም እዚ ኸኣ "እንደገና በቲ ጸልማት ደበና ውግእ ዝተኸወለ" ከም ዝመስል ገሊጾም፥ መንእሰያት ሳላ እቲ ኣብ ክውንነት እተመርኰሰ ኣተሓሳስባኦምን ክእለቶምን ኣብ መስርሕ ሰላም ኣገዳሲ ግደ ኽህልዎም ከም ዝኽእል የጒልሑ።
መንእሰያት ከም ተሰከምቲ ተስፋ
እንተኾነ ግና እቲ ዕማም ቀሊል ከምዘይኮነ ኣብ ሰለስተ ሓጸርቲ ነጥብታት ተመርኩይሶም እንከስተንትኑ፥ ማዕረ ማዕሪኡ “ርእየተ ዓለም (ስነ ሓሳብ) ንመሃዝነትን ሰናይ ናይ ምግባር ድሌትን” ዝዕንቅፍ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ስለዚ ነቶም መንሰያት ካብ ሓደጋ ‘ስነ - ሓሳብ (ህልዮ)’ ክሕለዉ ኣጠንቂቖም . . . “ምስ ሕሉፍ ጉድኣትን ጽልእን ዘይጥዑይ ምጥባቕ ናብ ሓቀይን ነባርን ሰላም ፈጺሙ ክመርሕ ኣይክእልን እዩ” እንክብሉ ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ዘተ እንኮ መገዲ ሰላም
“ዘተ እቲ እንኮ መገዲ ሰላም እዩ” ቢሎም መንእሰያት ምስ ካልኦት ቅርበት ክህልዎምን ምቅርራብ ከነቓቕሑን ሓድሕዳዊ ምርድዳእ ከስፍሑን ጻውዒት ኣቕሪቦም፥ ቀጺሎም ድማ Fratelli tutti: - ኣሓው ኩልነ ዘርስታ ዓውዲት መልእኽቶም ጠቒሶም፥ “ብዘተ ኣቢሎም መንእሰያት ዓበይቲ ስነ - ጥበባውያን ሰላም ክኾኑ ይኽእሉ” እዮም ምስ በሉ፥
ተስፋ ኣይትቝረጹ
ብዛዕባ ኣገዳስነት ተስፋ ብፍላይ ኣብ ቅድሚ ኲናትን ድኽነትን ኣድልዎን እንክብሉ ብምዝኽካር፥ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ጸገማት “ውሑድ ጭቡጥ ውጽኢት ስለዘምጽእ ኣብ ዘተ ምውፋርና ከንቱ እዩ ኢልና ንኽንሓስብ ክድርኸና ይኽእል“ . . . ብኸምዚ ዝበለ ሓሳባት ኣብ እንፍተነሉ ህሞታት “ዝኾነ ክብር ዘበለ ክግበር ዝግበኦ ነገር ንምፍጻም ቀሊል ከምዘይኮነ ምስትውዓል ኣገዳሲ እዩ፥ መስዋእትን መዓልታዊ ተጸምዶን ድልውነትን ይሓትት፣ ብፍላይ ድማ ነገራት ብናትና መንገዲ ዘይከዱ ኣብ ዝመስሉሉ እዋን”
ቢሎም መደረኦም፥ እቶም መንሰያት “ተስፋ ህያው ክገብሩ” ተማሕጺኖም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን የመላኽት።