ር.ሊ.ጳ. ኣብ 2025 ዓ.ም. ኣብ ቫቲካን ብዛዕባ መሰላት ቈልዑ ዝዝትይ ፍሉይ ዓውደ ጒባኤ ይጸውዑ ር.ሊ.ጳ. ኣብ 2025 ዓ.ም. ኣብ ቫቲካን ብዛዕባ መሰላት ቈልዑ ዝዝትይ ፍሉይ ዓውደ ጒባኤ ይጸውዑ  (ANSA)

ር.ሊ.ጳ. ኣብ 2025 ዓ.ም. ኣብ ቫቲካን ብዛዕባ መሰላት ቈልዑ ዝዝትይ ፍሉይ ዓውደ ጒባኤ ይጸውዑ

ፍራንቸስኮ ኣብ ቫቲካን ዕለት 3 ለካቲት 2025 ዓ.ም. "ኣፍቅሮምን ሓልዎምን" ብዝብል ኣርእስቲ ዝተመርሐ ዓለም ለኻዊ ጉባኤ ዛዕባ መሰል ህጻናት ክእንገድ ምዃኑ ዕለት 20 ሕዳር በውግዒ ኣፍሊጦም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 20 ሕዳር ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ድሕሪ ዝለገስዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ድሕነት ህጻናት ንምምሕያሽ ዝዓለመ ኣህጉራዊ መዓልቲ መሰል ህጻናትን መንእሰያትን ምስ ዝተዘከረሉ ዕለት ዝተተሓሓዘ እውን ከም ዝነበረን፥ ዕለት 3 ለካቲት 2025 ዓ.ም. "ኣፍቅሮምን ሓልዎምን" ብዝብል ኣርእስቲ ዝተመርሐ ዓለም ለኻዊ ጉባኤ ዛዕባ መሰል ህጻናት ክእንገድ ከም ዝኾነ ብወግዒ ኣፍሊጦም፥

ኣብቲ ቅዱስነቶም ዘቕረብዎ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ንዝሓበሩ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተረኽቡ ካብ ማሕበረሰብ ቅዱስ ኤጂዲዮ ዝመጹ ኣስታት 100 ህጻናት ዝሓቖፈ ጉጅለ ሰላምታ ኣቕሪቦም፣ እቶም ሕጻናት ድማ ድሕሪ ምእዋጅ እቲ ጉባኤ ሰላምታ ንኸቕርብሎም ናብኦም ክጐዩ ዝረኣዩ ቅዱሰንቶም ድማ፥ “ቆልዑ ከምኡ እዮም - ሓደ ይጅምር፡ ሽዑ ኩሎም ይስዕቡ!” ከም ዝበሉን፥ መርሕ ቃል ናይቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝእንገድ ዓለም ለኻዊ ጉባኤ ዛዕባ መሰል ህጻናት፥ "ኣፍቅሮምን ተኸላኸለሎምን" ዝብል ኮይኑ፡ ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ክኢላታትን ኣጋይሽን ዘራኽብ ኮይኑ፥ ተልእኾኣ ድማ ነቶም “ክሳብ ሕጂ መሰል ዘይብሎም፡ ኣብ ዘይተረጋገጸ ኩነታት ዝነብሩ፡ ዝተመዝመዙን ዝግፍዑን፡ ብመዓታዊ ሳዕቤን ኲናት ዝሳቐዩን ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ህጻናት” ንምሕጋዝን ንምሕላውን ሓድሽ ኣገባብ ምዝታይ እዩ እንክብሉ ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ክልተ ሓደስቲ ቅዱሳን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስቲ ኣብ 2025 ዓ.ም. ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ፥ ንህጻናትን መንእሰያትን ዝተወፈየሉ ዕለት ብምስምማዕ፡ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ክልተ ብጹኣን ደቂ ቤተ ክርስቲያን ቅድስና ክትውጀሎም ምዃና ገሊጾም፥ ንሳቶም ካብ ኣሲዚ ዝመጸ ብጹዕ መንእሰይ ካርሎ ኣኩቲስ፡ ኣብ እዋን ኢዮቤል ብጹዕ ፒየር ጆርጅዮ ፍራሳቲ ከም ዝኾኑ ኣፍሊጦም።

21 November 2024, 16:42