ቸሌስተ ሳውሎ (WMO) - "ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ለውጢ ኵነታት ኣየር ዘለዎም ሻቕሎት ንካፈሎ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 22 ሕዳር ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተወት ዋና ጸሓፊት ዓለም ሓቆፍ ውድብ ስነ ሃዋሁው ቸለስተ ሳውሎ ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡን እዚ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ ሃዋሁውን ምስኡ ዚተሓሓዝን ንጥፈታትን ጉዳያት ናይ ምክትታል ሓላፍነት ዘለዎ ኮይኑ፥ ኣብቲ ዝተኻየደ ክሌኣዊ ምይይጥ ብዛዕባ ለውጢ ኵነታት ኣየር ዘለዎም ሓባራዊ ሻቕሎትን ንምዝባዕ ከባቢያዊ ኣየር ንምፍታሕን ህጹጽ ስጕምቲ ክውሰድ ከም ዘለዎ ሓባራዊ ጽኑዕ ኣመለኻኽታ ከም ዝተሰመረሉ ክፍለጥ እንከሎ ሳውል ደድሕሪ እቲ ምስ ቅዱሰንቶም ዘካየደቶ ርክብ ኣብ ዜና ቫቲካን ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፥ ኣብዚ ወሳኒ ጕዳይ እዚ ማለት ንምድርን ንደቅሰብን ዓብዪ ብድሆ ዝኾነ ጉዳይ ምስ ቅድስቲ መንበርን ካልኦት ሃይማኖታትን ጥብቂ ምትሕብባር ክገብር ብሃንቀውታ ኸም እትጽበ ተመላኽት።
ለውጢ ከባቢያዊ ኣየርን ንር.ሊ.ጳ
ሳኦሎ ኣስዒባ ኣብ ዘካየደቶ ቃለ መሕትት፥ "ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ እቲ ኣብ ልዕሊ ከባቢያዊ ኩነታት ኣየር ዘጋጥም ዘሎ ምዝባዕ ኣዚዩ ዘተሓሳስቦ ከም ዝኾነን ዓለም ሓቆፍ ውድብ ስነ ሃዋሁው ናይ ሓባር ቤትና ንምክልኻል ምስ ቫቲካን ብምትሕብባር ክገብሮ ዝኽእል ብዙሕ ነገራት ኣሎ፡” . . . ኵሉ እቲ ዓለም ለኻዊ ውድብ ብዘካይዶ መጽናዕታዊ ምርምር ዛዕባ ምውሳኽ ሙቐት ዓለም ምውሳኽ ጽፍሒ ባሕሪ ወይ ምምካኽ በረድ እናገደደ ይኸይድ ከም ዘሎ ዘረጋግጽ ሓበሬታ ከም ዘቕርብን እዚ ኸኣ "ናብ ግጉይ ኣንፈት ንጐዓዝ ከም ዘሎና ዝሕብር እዩ፥ ኣብ ስደት ኣብ ቈልዑ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ደቀባት ኣብቶም ኣዝዮም ተቓላዕቲ ሰባት ዝኾኑ ዓብዪ ጽልዋ ዘለዎ ጉዳይ እውን ምዃኑ የብርህ።
ምዝባዕ ከባቢያዊ ኩነታት ኣየር ነቶም ኣዝዮም ተቓላዕቲ ብብርቱዕ ይጸሉ
እተን ኣዝየን ዝተሃስያ ዞባታት፡ ኣፍሪቃ፡ ደቡባዊ ምብራቕ እስያ፡ ላቲን ኣመሪካን ካሪብያንን ምስተን ኣብተን ዝማዕበላ ቅድመ ግንባር ምውሳኽ ጽፍሒ ባሕሪ ዝርከባ ንኣሽቱ ደሴታት ምዃነን ገሊጻ፥ "ምዝባዕ ከባቢያዊ ኩነታት ኣየር ካብ ዘስዕቦ ቅልውላው ንኽድሕኑ ክንሕግዞም ኣለና" ትብል።
ሃይማኖታት ኣብ ስጉምቲ ምዝባዕ ከባቢያዊ ኵነታት ኣየር ዘለወን ኣበርክቶ
ብመሰረት ቸለስተ ሳውሎ፡ ሃይማኖታት ኣብ ከባቢያዊ ኵነታት ኣየር ዘጋጥም ምዝባዕ ንምድራትን ስጉምቲ ንምውሳድን ተስፋ ንምህናጽን ኣገዳሲ ኣበርክቶ ክገብራ ይኽእላ እየን፡ "ተግባር ብስነ ፍልጠት ክሕበር ኣለዎ፡ ግን ከኣ ብእምነት ክተባባዕ እውን ኣለዎ" ቢላ፥ ኣብ መጻኢ ምስ ቅድስቲ መንበር ዝያዳ ጥቡቕ ምትሕብባር ክህሉ ምዃኑ ዘለዋ ተስፋ ገሊጻ፡ “ናይ ሓባር ዝክረ ነገር ስለዘለና፡ ህይወትን መነባብሮን ሰባት ንምሕላው ሓቢርና ክንሰርሕ ንኽእል ኢና” ከም ዝበለት ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።