ማዮተ ፦ ብህቦብላ ንፋስ ቺዶ ዓነወት
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ህቦብላ ቺዶ ኣብ ማዮተ ብዘስዓቦ ዕንወት ስልጣን እቲ ከባቢ ከም ዝገልጽዎ ሞት እቶም ግዳያት እና ወሰኸ ይኸይድ ብምህላዉ "ኣማኢት " ወይ ውን ኣሽሓት ክኸውን ከም ዝኽእል ኣጠንቀቑ ። እቲ ልዕሊ 220 ኪሎ ሜተር ኣብ ሰዓት ዝሕንበብ ህቦብላ ንፋስ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ነታ ኣብ ግዝኣት ህንዳዊ ውቅያኖስ እትርከብ ፈረንዊት ደሴት ስለ ዝወቕዓ፣ ካብ 1930ታት ኣትሒዙ ካብ ዘጋጠመ ባህርያዊ ሓደጋታት ህቦብላ ንፋስ እቲ ዝኸፍአ እዩ ዝነበረ።
ካብ ሕዝቢ ፈረንሳ እተረኽበ ረድኤት
ሚኒስተር ውሽጣዊ ጕዳያት ማዮተ ኣብ መግለጺኡ "ድሕንነት ደቂ ሰብ ንምርግጋጽ ብዙሕ መዓልትታ ኪወስድ እዩ " ክብል ኣጠንቂቑ ኣሎ ። ሰበ-ስልጣን ፈረንሳ ነቶም ብህይወት ዝተረፉ ንምሕጋዝ ልዕሊ 1,600 ኣባላት ኣኽበርቲ ጽጥታ ዕጡቓት ሰዲዶም ይርከቡ ኣለዉ። ብተወሳኺውን 250 ሓካይምን ክኢላታት ሕጹጽ ኩነታትን ካብቲ ቀንዲ መሬት ፈረንሳን ካብቲ ኣብ ጥቓኦም ዝርከብ ሪዩኒዮን ልኢኾም ይርከቡ ኣለዉ።
እታ 300,000 ተቐማጦ ዘለውዋ ማዮተ ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ እታ ዝደኸየት ሃገር እያ ። ሲሶ ህዝቢ እታ ሃገር ኣብ ግዜያዊ ድኽነት እዮም ዚነብሩ ፣ መብዛሕትኦም ከኣ ዓንዩም ኢዮም ። እቶም ተቐማጦ ከም ዝገለጽዎ ንብምሉኡ እቲ ዞባ ከም ዘእለቕለቖን ኣእዋም ከም ዝመንቈሰን ከምኡውን ጃላቡ ኸም ዝጠሓላን ኣመልከቱ ። ከም ቀንዲ መዓርፎ ነፈርትን ቤተሕክምናታትን ጸዓት ኤለክትሪክን ቀረብ ማይን ማይን ዝኣመሰለ መሰረት ትሕተ ቕርሲን ህንጻታትን ከቢድ ጕድኣት ወሪድዎ ኣሎ። ኣብዚ እዋን እዚ ወተሃደራዊ ነፈርቲ ጥራይ ክዓልቡ ስለ እትኽእሉ ረድኤት ንምሃብ ዚግበር ጻዕርታት በዳሂ ኩነታት ኮይኑ ኣሎ ።
ፍራንስዋ-ዛቪየር ባየቪል ዝተሰምየ ኣመሓዳሪ ከም ዝገለጾ ውን ብዘይ ሰነድ እተመዛበሉ ስደተናታትን እቲ ናይ ማዮትን ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓት ንምዉታቶም ናይ ምቕባር ልምዶምን ንቍጽሪ እቶም ምውታት ንምርግጋስ ኣጸጋሚ ኮይኑ ኣሎ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝሓለፈ ሰንበት ናብ ኮርሲካ ኣብ ዝገበርዎ ሓውርያዊ ምብጻሕ ምእንቲ እቶም ግዳያት ጸልዮም፣ ኣህጉራዊ ደገፍ ኪግበረሎም ድማ ተማሕጸኑ ። "ምስቶም በዚ ዘሕዝን ፍጻመ እዚ እተጐድኡ ሰባት ብመንፈሳዊ መዳይ ምስኣቶም ደው ከም ዝብሉ" ውን ኣረጋገጹ።
ዕንወት ቺዶ
እቲ ህቦብላ ንፋስ ናብ ሞዛምቢክ ቅድሚ ምብጽሑ እውን ኣብ ደሴታት ኮሞሮስን ማዳጋስካርን ውን ወቒዑዎም ኣሎ፣ እዚ ድማ ኣብ ዞባታት ካቦ ደልጋዶ ኸቢድ ጕድኣት ኣስዒቡ ኣሎ ። እቲ ሓልዮ ህጻናት ዝኾነ ትካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዩኒሴፍ ብዛዕባ እቲ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ዕንወት ጸብጻብ ሂቡ ይርከብ፣ እዚ ድማ ንኽልተ ሚልዮን ሰባት ህጹጽ ሰብኣዊ ናይ ግበረ ሰናይ ረድኤት ከም ዘድልዮም ገይርዎም ኣሎ ።
እዚ ቺዶ ዝበሃል ህቦብላ ንፋስ እናደኸመ እኳ እንተ ኸደ ኣብ ማላዊ ኸምኡውን ዚምባብወ ምዕልቕላቕ ማይን ካብቲ ቦታታት ምምዝንባላትን ኣስዒቡ ኣሎ ።
ማዮተ ነቶም ብህይወት ዝተረፉ ንምሕጋዝን ስፍሓት እቲ ዕንወት ንምግምጋምን ኣብ እትጽዕረሉ ዘላ ሰፊሕ ሓገዝ የድልያ ኣሎ ።