ድለ

2024.12.19 ፍራንቸስኮ፡ ኣብ ሕሰምን ድኽነትን ንዝርከቡ ኣሕዋትን ኣሓትን ብፍሽኽታን ብሓጎስ ልብን ደግፍዎም 2024.12.19 ፍራንቸስኮ፡ ኣብ ሕሰምን ድኽነትን ንዝርከቡ ኣሕዋትን ኣሓትን ብፍሽኽታን ብሓጎስ ልብን ደግፍዎም  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ፍራንቸስኮ፡ ኣብ ሕሰምን ድኽነትን ንዝርከቡ ኣሕዋትን ኣሓትን ብፍሽኽታን ብሓጎስ ልብን ደግፍዎም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 19 ታሓሳስ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝመጹ ቨትናማዊ መበቆል ዘለዎም ገበርቲ ሰናይ ንማሕበር ጳጳሳዊ ተልእኾ ወንጌል ወኪሎም ሮማ ንዝኣተዉ መንፈሳውያን ነጋዶ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ቃለ ምዕዳን ከም ዝለገሱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 19 ታሓሳስ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝመጹ ቨትናማዊ መበቆል ዘለዎም ገበርቲ ሰናይ ንማሕበር ጳጳሳዊ ተልእኾ ወንጌል ወኪሎም ሮማ ንዝተዉ ተቐቢሎም ዘስምዕዎ ቃለ ምዕዳን "ነቶም ኣብ ወሰን - ሕብረተሰብ ዝነብሩ" ምድጋፍ ዝህቦ ሓጎስ ማእከል ዝገበረ ምንባሩ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ንኢየሱስ "ኩሉ ግዜን፡ ኣብ ኩሉን ንኹሉን" ምእዋጅ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ድሕሪ ቁርብ መዓልታት ዝኽፈት ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ዘበስር ስነ ስርዓት ምኽፋት ቅዱስ ማዕጾ ኣስተብሂሎም፥ እዚ ህሞት እዚ "ሓቀይናን ውልቃውን ርክብ ምስ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ" ዝግበረሉ እዋን ክኸውን ድማ ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም፡ ነቲ Spes non confundit - ተስፋ ኣይተሕፍርን እያ ብዝብል ኣርእስቲ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ዝኣወጅሉ ሰነድ ጠቒሶም፥ - "ኩሉ ግዜ፡ ኣብ ኩሉ ቦታን ንኹሉን ንሱ ተስፋና ምዃኑ" ክእወጅ ኣለዎ ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ንናይ ቤተ ክርስቲያን ኣገልግሎት ተልእኮ ወንጌል ዝግበር ደገፍ

እቲ ንጉጅለ ግብረ ሰናይ ንጳጳሳዊ ማሕበር ተልእኾ ወንጌል ወኪሎም ሮማ ንዝኣተዉ ድማ፥ በዚ ኣረኣእያ እዚ እቶም ገበርቲ ሰናይ "ንዕዮ ተልእኾ ወንጌልን ግብረ-ሰናይን ናይ ኵላዊት ቤተ-ክርስትያን ንምድጋፍ" ዝኣተዉዎ መብጽዓ ነቲ "ኣብ እተፈላለየ ክፍልታት ዓለም ንዝርከቡ ብዙሓት ኣሕዋትናን ኣሓትናን" ዝበጽሖም ጭቡጥ መግለጺ ኣስፍሆተ ወንጌል ኢዩ” ከም ዝበሉ የመላኽት።

ሓድሕዳዊን ፍሱሕ ምትሕግጋዝ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቤተ ክርስቲያን ዝወሰደቶ ቀዳሞት ስጉምትታት እንክዝክሩ፥ ሰባት "ንሓድሕዶም" ዝደጋገፉሉ ማሕበረሰብ ምዃኑ ኣስሚሮም፥ ሎሚ እውን እንተኾነ "ንእግዚኣብሄር ኣብ መንጎና ንዝነኣሰ ኣብ ሕሰምን መከራን ንዝርከብ ክንከናኸን ዝሃቦ ትእዛዝ" ክንምልስ ዝተጸዋዕና ኢና ቢሎም፥ እዚ ሓገዝ እዚ ብሓጉስ ልብን፡ ብፍሽኽታ ዝልገስ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

እምነት ናይ ማሕበረሰብ ክርስትና ሓገዝ የነቓቕሕ

"ፍሉይ ምልክት" ናይ ብዙሓት ካብ ቬትናም ናብ ኣሜሪካ ዝተሰደዱ ካቶሊካውያን፡ "ጽንዓት እምነቶም” ምዃኑ ቅዱሰንቶም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ገሊጾም፥ ሎሚ እውን እንተኾነ ካብ ዓዶም ርሒቖም ኣብ ዘለዉሉ እዋን "ኣብ ክርስትያናት ማሕበረሰብ ናይ ምሕጋዝን ቀረባ ምዃንን ባህጊ" ከም ዘሕድሩ ዝገብር ክቡር ምንጪ ኢዩ” ቢሎም፥
ጐይታ ወትሩ እተቕርብዎ ግብረ ሰናይ ብሕጉስ ከተቕርቡ ይደግፍኩም፡ ተወፋይነትኩም ድማ ኣብ ሕይወት ኣሕዋትን ኣሓትን ፍረ የፍሪ፡ በዚ ኸምዚ ድማ ነቲ ምዉቕን ርህሩህን ፍቕሪ ክርስቶስ ከስተማቕሩ ኢኻትኩም”

እንክብሉ ዘስምዕዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

19 December 2024, 16:34