ድለ

2024.12.12 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንተማሃሮ ዘርኣ ክህነት ብትሕትና ዝህንጹ: ለውሃት ዘቕርቡ! 2024.12.12 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንተማሃሮ ዘርኣ ክህነት ብትሕትና ዝህንጹ: ለውሃት ዘቕርቡ!   (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንተማሃሮ ዘርኣ ክህነት ብትሕትና ዝህንጹ: ለውሃት ዘቕርቡ!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ስጳይና ናይተን ናይ ሳንቲያጎ ደ ካምፖስተላን ቱይ ቪጎን ሞንዶነይዶ ፈሮን ናይ ሓባር ዓቢ ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት ማሕበርሰብ ኣባላት ኣብ ሃገር ቫቲካን ተቐቢሎም፥ ኣብ ህይወትኩም ዝሳቐዩ ሰባት ክትረኽቡ ኢኻትኩም ህይወትኩም ንኣኣቶም መጸናንዒ ይኹን” ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ቃለ ምዕዳን ከም ዝለገሱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካብ መገዲ ኮምፖስተላ ኽሳዕ ኣሰር እቶም ሓዋርያት ኣብ ሮማ ነጋድያ ናይቲ ናይ ሳንቲያጎ ደ ካምፖስተላን ቱይ ቪጎን ሞንዶኘዶ ፈሮን ናይ ሓባር ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት ተመሃሮ ናይቲ ናይ ካፖልስተላ ደ ሳንቲያጎ መካነ ንድግደት ዘለዎ ትርጉም ዘንጸባርቕ ዝነብርዎ ህንጸት ነጋዲያን ከም ዝኾንኩም ኣፍልጦ ንኽህልወኩም ዝገብር እዩ እንክብሉ ኣስተብሂሎም፡ እቶም ጓሶት ንኽኾኑ ዝሰናደዉ ዘለዉን ሓነጽቶምን ከም ልቢ ክርስቶስ ትሑታትን መሓርን” ክኾኑ ከምን እተማሕጸኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

በይንኹም ኣይኮንኩምን

ምስሊ ናይ ንግደትን ነጋድን "ነቲ እተካይድዎ ዘለኹም ጉዕዞ ህንጸት ንምምልካት እኹል እዩ" እንክብሉ ኣስተብሂሎም፥ "ጸዋዕታ ካብ ገዛእ ርእስና ክንወጽእ ዝደፍኣና ዘገርም ዳህሳ ሸቶ ማዕርገ ክህነት እዩ፡ ስለዚ ነዚ ሽቶ እዚ ብንቕሓት ክብጻሕ ኣገዳሲ እዩ . . . ቢሎም፥

ኣብቲ ጉዕዞ በይንኹም ከምዘይኮንኩም ኣይትረስዑ፣ እዚ መሰረታዊ እዩ: ህይወትኩም ብጎይታ ክቐርጽ መታን ንጐይታ ልብኹም ክትከፍቱን ገዛእ ርእሱኹም ብኣኡ ክትስነዩን ኣይትፍራሑ!

ዝበሉ ቅዱስነቶም ኣስዒቦም፥ ፍራንቸስኮ ኣብ ጉዕዞ ህይወት "ምስ ብዙሓት ዝተፈላለዩ ሰባት ክትራኸቡ ኢኹም፡ ገሊኦም ምናልባት ከቢድ ኩነት ዘሕልፉ ዘለዉ ኣብ ጉዱኣትን ስቓይን ዝርከቡ ወይ ንኣምላኽ ምስ ዘይፈልጡ" እንክብሉ ኣስተብሂሎም፥

ጐይታ ነቲ ስቓይ ዝመልኦ መገዲ ምእንቲ ኼሕውይ ብለውሃትን ምጽንናዕን እናኣቕርብኩም ብዛዕባ ሓጐስ ወንጌል ንዅሉ መስክሩ። . . . ቅዱስ ዓመት ኢዮቤል 2025 ዓ.ም. ኣብ ዝቐርበሉ ዘሎ እዋን እዛ ዓመተ ኢዮቤል እተዋህበትና ጸጋ ድማ ከም ነጋድያን ተስፋ ሓቢርና ምእንቲ ክንጐዓዝ እዩ!

እንክብሉ ዘስምዕዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

12 December 2024, 15:20