ር.ሊ.ጳ. ዕለት 15 ታሕሳስ ኣብ ደሴት ኮርሲካ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከካይዱ እዮም
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ሕዝባዊ መንፍሳውነት እምነት ተራ ሰባት፡ ብንግደት ዝግለጽ፡ ኣብ መካነ ንድግደታት ብጭቡጥ ዝንበር ውፉይነት፡ ብባህላዊ መዝሙርን ጸሎትን ዝግለጸሉን በቲ ካልእ ድማ ማእከላይ ባሕሪ ምስ ብድሆታቱ፡ መቓልሕ ኲናትን ባሕሪ መዲትራኒያን ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ዝገልጽዎ ናብ ‘ክፉት መካነ መቓብር’ ዝቐየሮ መዓት ስደተይናታትን፡ ነዚ ኹሉ ድሕረ ባይታ ገይሩ ዝዝትይ ዓውደ ጉባኤ ክሓብሩን መደረ ከስምዑን ዕለት 15 ታሕሳስ ናብታ ናፖልዮን ዝተወልደላ ደሴት ኮርሲካ ክበጽሑን እዮም።
ንቅዱስነቶም እቲ ኣብ ኮርሲካ ዘካይድዎ ምብጻሕ መበል 47 ሓዋርያዊ ጉዕዞ ክኾውን እዩ። ኣብዚ ምብጻሕ እዚ ምስ ርእሰ ብሔር ፈረንሳ ማኑኤል ማክሮን ንኣስታት ኣርብዓ ደቓይቕ ‘ገጽ ንገጽ’ ኣብታ ደሴት ክራኸቡ ከም ዝኾኑ ናይ ቅድስድቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን የመላኽት።
ር.ሊ.ጳ. ‘ፍራንቸስኩ’፡ ኣብ ኣጃቺዮ ምብጻሕ ዘካይዱ ቀዳማይ ር.ሊ.ጳጳሳት
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኣጃቺዮ ምብጻሕ ዘካይዱ ቀዳማይ ር.ሊ.ጳ. ብናይታ ከተማ ሊቀ ጳጳሳት ካርዲናል ፍራንስዋ ኻቪየር ቡስቲዮ ኣብ ዝተዳለወ ንኽልተ መዓልታት ዝጸንሕ ጉባኤ ዛዕባ ህዝባዊ መንፈሳውነት ዞባ ሜድትራኒያን ናይ መዕጸዉ መደረ ከስምዑ እዮም።
ዋዕላ ህዝባዊ መንፈሳውነት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ኣብ ኮርሲካ ዘካይድዎ ምብጻሕ ሰለስተ ቀንዲ ዝክረ ነገራት ክህልዉ እዮም፣ ንሳቶም ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ሮማ ፊዩሚቺኖ ሰንበት ሰዓት 07፡45 ደቓይቕ ነቒሎም ኣብ ኣጃቺዮ ኣብ ዝርከብ ናፖሊዮን መዓርፎ ነፈርቲ ክበጽሑን ኣብኡ ድማ ብናይ ፈረንሳ ሚኒስትራት ውሽጣዊ ጉዳያትን ንናይ ኤውሮጳን ወጻኢ ጉዳያትን ኣቀባብላ ክግበረሎምን፡ ብኣርባዕተ መንእሰያት ቁንን ዕምባባ ምስ ቀረበሎም ድሕሪ ናይ ሃገረ ቫቲካንን ፈረንሳን ሰንደቕ መዛሙር ምስ ተሰምዐ ክቡር ዘበዓይና ንኽብሮም ወተሃደራዊ ሰላምታ ኣቕሪቡ ናይ ምልላይ ስነ ስርዓት ምስ ተኻየደ ኣብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ምስቶም ዝተቐበልዎም ሚኒስትራት ፈረንሳ ብግሊ ክሌኣዊ ርክብ ኣካይዶም ብማኪና ናብ ናይ ጉባኤ ሕንጻ ኣጃቺዮ ክጓዕዙ ኣብ ዓውደ ጉባኤ ሕዝባዊ መንፈሳውነት መዲትራኒያን ናይ መዕጸዊ መደረ ከስምዑ እዮም።
ርክብ ምስ ውሉደ ክህነትን ጳጳሳትን ገዳማውያንን ገዳማውያትን
ቀጺሎም ር.ሊ.ጳ. ብማኪና ናብቲ ምስ ኣባላት ውሉደ ክህነት ገዳማውያንን ገዳማውያትን ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ናብ ዝራኸብሉ ካቴድራል ደብረ ፍልሰታ ለማርያም ክኸዱን ኣብቲ ስነ ሰርዓት ብሕጻናት ዝቐርብ መንፈሳዊ መዝሙርን ንባብ ቃል ኣምላኽን ምስ ተሰምዐ ቃለ ምዕዳን ክልግሱ እዮም፡ ገጸ በረኸት ናይ ምልውዋጥ ስነ ስርዓት ምስ ተኻየደ ካብኡ ተሰናቢቶም ኣብ መንበረ ሊቀ ጳጳሳት ኣጃጂዮ ክኸዱን ኣቡኡ ድማ ክሳብ ሰዓት 14፡45 ደቓይቕ ክጸንሑን ኣብ ኣውስተርሊትዝ ናይ ኣታኽልቲ ስፍራ ልዕሊ 7 ሺሕ ምመናን ዘሳተፈ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ እዮም ከባቢ ሰዓት 17.30 ድሕሪ ቀትሪ ብግሊ ምስ ርእሰ ብሔር ፈረንሳ ማኑኤል ማክሮን ክራኸቡ ከም ዝኾኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ ዕለት 12 ታሕሳስ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ የመላኽቱ።
ጋዜጣዊ መግለጺ
ቅዱስነቶም ነዚ ምብጻሕ እዚ ዛዚሞም ድሕሪ 50 ደቓይቕ ዝወስድ ናይ ነፋሪት ጉዕዞ ሰዓት 19፡05 ሮማ ኣብ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ፊውሚቺኖ ክበጽሕ ትጽቢት ይግበር። ኣብዚ ጉዕዞ እዚ ምስቶም ሰማንያ ዝኾኑ ዘሰንይዎም ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ማዕከናት ዜና ልኡካን ጋዜጠይናታት ቃለ መሕትት ከካይዱ መደብ ከም ዘለዎም ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ብተወሳኺውን ኣብዚ ሓዋርያዊ ጉዕዞ እዚ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ማእከል ግብረ ሰናይን በቲ ማእከል ግብረ ሰናይ ምስ ዝእለዩ ካራኸቡ ከም ዝኾኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።