ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ኣብ ኒካራጓ ሰላምን ሕውነትን ስኒትን ክህሉ ይጽልዩ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ኣብ ኒካራጓ ሰላምን ሕውነትን ስኒትን ክህሉ ይጽልዩ  (AFP or licensors)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ኣብ ኒካራጓ ሰላምን ሕውነትን ስኒትን ክህሉ ይጽልዩ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ቤተ ክርስቲያንን ህዝብን ኒካራጓ ዘለዎም ቅርበት ብምግላጽ እግዚኣብሔር ናብ ሰላምን ሕውነትን ስኒትን ዝመርሕ ዘተ ዘኽእል ልቢ ኩሉ ክኸፍት በማላድነት ቅድስቲ ንድንግል ማርያም ይጽልዩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኒከራግዋ ሰላምን ሓድነትን ስኒትን ንኽርከብ ጸሎት ኣቕሪቦም፡ ምእመናን ኣብዚ ጸሎት ምስኦም ክሕብሩን ብፍላይ ናይታ ሃገር ሓላዊት ቅድስቲ ንጹሕ ጽንሰታ ለማርያም ዕለት 8 ታሕሳስ ዓመታዊ ክብረ በዓላ እውን ምዃኑ ብምዝኽኻር እግዚኣብሔር እታ ሃገር ናብ ሰላምን ሕውነት ስኒትን ንዝመርሕ ዘተ ልባ ክትከፍት በማላድነታ ክጽልዩ ሓቲቶም።

ቅዱስነቶም ንቤተ ክርስትያንን ህዝቢ ኒከራግዋን ዘለዎም ፍሉይ ቅርበት ገሊጾም፡ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኒካራጉዋ ንበዓለ ንጹሕ ጽንሰታ ለማርያም ጸሎት ታስዕቲ ብጸሎት ክሰናደዉ ድሕሪ ምጽናሕ ዕለት 8 ታሕሳስ ብዓቢ ክብሪ ከም ዘብዓሉን ብፍላይ ድማ ሓላዊት ቅድስቲ ኒካራጉዋ ምዃና እውን ኣዘኻኪሮም በማላድነታ ዕርቅን ሰላምን ካብ እግዚብሔር ክትጽገው ከም ዝጸለዩ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

"ኣብ ኒካራጉዋ ኵሉ ሳዕ ብናይ ምክብባርን ሃናጽን መገዲ ዝምራሕ ዘተ ምእንቲ ክህሉ እታ ሰማያዊት ኣደ ልቢ ዅሎም ትኽፈት"
ቢሎም ንቤተ - ክርስትያንን ንህዝቢ ኒከራግዋን ዘለዎም ሻቕሎት ደድሕሪ እቲ መንግስቲ ኦርቴጋ ኣብ ልዕሊ ብእምነት እተመስረታ ማሕበራት ዘተግብሮ ዘሎ ተኸታታሊ ቀይድታት ከምኡውን ካህናትን ኣቡናትን ምስጓጕን ምእሳርን ዘስዕብ ዘሎን ቅድም ክብል ገሊጾም ከም ዝነበሩን ኣመላኺቱ፥
"ምሳይ ሓቢርኩም ምእንቲ ቤተ-ክርስትያንን ምእንቲ እቶም ንጹሕ ጽንሰታ ለማርያም ከም ኣደን ሓላዊት ቅድስቲ ሃገሮምን ዜብዕሉ ህዝቢ ኒከራግዋን ክትጽልዩ ከምኡውን ንብዓት እምነትን ተስፋን ናብ ኣማላድነታ ክተቕርቡ እዕድመኩም ኣለኹ"

ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

09 December 2024, 15:45