ር. ሊ. ጳ. ኣብ ዘመነ በዓለ ልደት ኣብ ኵሉ ግንባራት ውግእ ተዅሲ ደው ኬብሉ ተማሕጸኑ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝሓለፈ ሰንበት ንፖለቲካውያን መራሕትን ኣህጉራዊ ማሕበረሰብን ኣብ ዘመነ በዓለ ልደት እተን ብውግእ እተበታተና ሃገራት ነቲ ውግእ ደው ንምባል ክሰማምዐ ከም ዝኽእላ ብቐጥታ ምሕጽንታ ኣቕረቡሎም።
ኣብ እዋን ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ኣብ ዝጸለዮ ጸሎት ከምዚ በሉ - "ኣብ እዋን በዓለ ልደት ኣብ ኵሉ ግንባር ውግእ ነቲ ውግእ ደው ከብልዎ ንመንግስትታትን ኣህጉራውያን ማሕበረሰብን እልምኖማ ኣሎኹ” በልዎም።
"ኣብ ዘመነ በዓለ ልደት ኣብ ኵሉ ግንባር ውግእ ተዅሲ ደው ኬብልዎ ንመንግስትታትን ንኣህጉራዊ ማሕበረሰብን እልምነሎም ኣለኹ።"
ኵሎም ሰናይ ፍቓድ ዘለዎም ሰብኡትን ኣንስትን ኣብተን ብውግእ ዝዓንዋ ዘለዋ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ሃገራት ሰላም ንኽወሃቦም ክጽልዩ ውን ተማሕጸኑ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከምዚ ብምባል ለመኑ - "ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ፍልስጥኤም እስራኤል ሊባኖስ ከምኡ ውን ኣብ ምያንማርን ሱዳንን ከምኡውን ሰባት ብውግእን ብዓመጽን ኣብ ዝሳቐዩሉ ዘበለ ኩሉ ሰላም ንኽሰፍን ብቐጻሊ ንጸሊ ።
ኣብ ውግእ ዘለዋ ሃገራት
ጉጅለ ሃማስ ብዕለት 7 ጥቅምቲ 2023 ኣብ እስራኤል ካብ ዝፈነውዎ መጥቃዕቲ ኣትሒዙ ልዕሊ 40,300 ሰባት እተቐትሉላ ቃዛ ከምኡውን ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ መጥቃዕቲ እስራኤል እናገደደ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ ጐረባብሪ ሃገራት ሊባኖስ ዓመጽ እናገደደ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እቲ ዘቕረቦ ምሕጽንታ ብተደጋጋሚ ኢዩ መጺኡ፣ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ዩክረይን ካብቲ ሩስያ ነታ ሃገር ካብ እተወራ 1,000 መዓልቲ ዝወሰደ ዘሕዝን ፍጻመ ይቕጽል ኣሎ፣ ኣብ ምያንማር ብ2021 ወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ ኻብ ዝኽሰት ኣትሒዙ ውግእ ሓድሕድ ይቕጽል ዘሎ፣ ኣብ ሱዳን ኣብታ ኣብ መንጎ ሰራዊትን ወተሃደራዊ ተቐናቓንን ዝቕጽል ዘሎ ውግእ ካብ ወርሒ ሚያዝያ 2023 ኣትሒዙ ልዕሊ 60,000 ሰባት ተቐቲሎም ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ድማ ካብ መረበሮም ተመዛቢሎም እዮም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ እቲ ኣብ ሶርያ ን14 ዓመታት ዝቐጸለ ውግእ፣ ምስቶም ነታ ርእሲ ኸተማ ዝዀነት ደማስቆ ኸም ዝሓዝዋ ዝንገረሎም ዘሎ ተቐናቐንቲ እተላዕለ ህውከት ዝመልኦ ዅነታት እውን ጠቒሶሞ ይርከቡ።