ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ንቑሓት ኩኑ ኣዒንቲኹም ድማ ናብ ሰማይ ኣቕንዑ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቀዳመይቲ ሰንበት ዘምጽኣት ዕለት 1 ታሕሳስ ፍርቂ መዓልቲ፡ ኣጠማምታና ናብ ሰማይ ክንመልስን ነቲ ጾርና ዝስከምን ኣብ ጉዕዞና ዝድግፈናን ጎይታ ልብና ክንከፍት የተባብዑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብዛ ቀዳመይቲ ሰንበት ዘምጽኣት ፍርቂ መዓልቲ ዕለት 1 ታሕሳስ ነቲ ልሙድ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር መሪሖም ምስቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተረኽቡ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መእመናን ኣብ ዝተረኽብሉ ብሓባር ቅድሚ ምዕራጎም ብዛዕባ እቲ ኢየሱስ ዛዕባ ቆስማዊ ናዕብን ደቂ ሰባት ዘጋጥሞም ጭንቀትን ፍርሕን ዝዛረበሉ ካብ ሉቃስ ወንጌል ምዕ. 21, 25 – 28, 34 – 36 ዝተወስደ ናይ ዕለቱ ንባብ ወንጌል መሰረት ገይሮም እንከስተንትኑ፥ እቲ ንባብ ጐይታ ከመይ ጌሩ ናይ ተስፋን ምትብባዕን ቃላት ከም ዘቕርብ ይገልጽ። ብዛዕባ ምምጻእ ወዲ ሰብ ክዛረብ እንከሎ ንደቀ መዛሙርቱ ምድሓንኩም ቀሪቡ እዩ ተንስኦም ርእሶም ናብ ሰማይ ከልዕሉ ይነግሮም፡ ጎይታ ደቀ መዛሙርቱ ከመይ ጌሮም ብዘይ ስክፍታ ልቢ ምድራዊ ስክፍታታት "ንምጽኣት ወዲ ሰብ ብንቕሓት ክጽበዩ" ይምዕዶም፥

ናብ ጎይታ ብተኣማንነት ጠምት

መስጐጕትን ውግእን ባህርያዊ ዕንወትን ነቶም ብግዜ ኢየሱስ ዝነበሩ ብዙሓት ሰባት ዕንወት ከም ዜምጽኣሎም ኣጕልሖም፡ ብዛዕባ መጻእን መወዳእታ ዓለምን ድማ ብዙሕ ጭንቀት ነይሩ። ጎይታ ልቦም ብፍርሂ ኸም ዝኸበደ ይፈልጥ እዩ ፣ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ድማ ካብ ዓለማዊ ጭንቀትን ናይ ሓሶት ድሕነትን ሓራ ንኪዀኑ ይሕግዞም፡ ከመይ ገይሮም ብኣእምሮኦምን ልቦምን ንቑሓት ኪዀኑ ኸም ዚኽእሉ የርእዮም፡ ኣብቲ ኣብ ታሪኽ ተራእዩ ዘይፈልጥ ኣዝዩ ዜደንቕ ፍጻመታት እውን ከይተረፈ ነቲ ኣምላኽ ዘውጸኦ መደብ ድሕነት ክዝክሩ ይምዕዶም። ናብ ሰማይ ብምጥማት ናብ ጐይታ ኽንጐዓዝ ከለና ነቲ ኣብ ህይወትና ዜጋጥመና ብድሆታት ብዝሓሸ መገዲ ኽንርድኦ ኸም እንኽእል ገሊጹልና እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣእምሮን ተስፋ ዘለዎምን ኣልባባት

ኢየሱስ ዘቕረቦ ጻውዒት ንቕሓትን ትግሃትን ንዅላትና ዝምልከት እውን ምዃኑ ገሊጾም፥ በቲ ኣብ ህይወትናን ኵነታት ዓለምን ዘሎ ጭንቀትን ፍርሕን ተስፋ ንኽንቈርጽ ወይ ንኸንጽቀጥ ወይ ርእስና ኣልዒልና ነቲ ሓገዝናን ድሕነትናን ዝዀነ ጐይታ ንኽንርእዮ እምነትን ትብዓትን እዩ ዘሎና፥ እንክብሎ ኣብ ናይ ገዛእ ርእስና ህይወትን ኣረኣእያን ከነስተንትን ሓቲቶም፥

“ጭንቀት ንልብና ሓዊጹ ኣብ ገዛእ ርእስና ክንዓጽው እንተደኣ ዝገብረና ኮይኑ፡ ኢየሱስ ብኣንጻሩ ርእስና ኣልዒልና፡ ኣብታ እተድሕነና ኣብ ኩሉ ኩነታት እትቐርበና ፍቕሩ ክንውከል ይዕድመና፡ ከም ብሓድሽ ተስፋ ምእንቲ ክንረክብ፡ ንዕኡ ቦታ ክንህቦ ይሓተና”

ምስ በሉ እዚ ናይ ምጽኣት ወቕቲ "ናብቲ ንልብና ዘሀድን ኣብ መንገድና ዝድግፈናን ኣጠማምታና ንምልዓል ክቡር ዕድል ምእንቲ ክኸውን" ብዘዕረገዎ ጸሎት ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

02 December 2024, 16:46