ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፦ ኣብ ጃፓን ዝርከቡ ህቡኣን ክርስትያናዊ ቦታታት ምስክር እምነትን ጽንዓትን እዮ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 30 ሕዳር ንኣባላት “ማሕበር ምርምር ሕቡኣን ክርስትያን” ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ኣብ ጃፓን ዝርከቡ ክርስትያናዊ ታሪኻዊ ቦታታት ምስክርነት ነባሪ እምነት ማሕበረሰብ ክርስትያን ጃፓን ኮይኖም ንኽቕጽሉ ዝገበርዎ ተወፋይነት ንኢዶም።
እዚ ናብ ሃገረ ቫቲካን ዝገበረዎ ምብጻሕ ነቲ ኣብ 2018 ዓ.ም. ኣብ ዞባ ናጋሳኪ ዝርከቡ ሕቡኣት ክርስትያናዊ ቦታታት ኣብ ዝርዝር ቅርስታት ዓለም ትምህርትን ስነ ፍልጠትን ባህልን ጉዳይ ዝከታተል ትካል ዝተመዝገበሉ ዕለት ዝዝክር ኮይኑ፥
"ህዝቢ ጃፓን ውርዙይ ህዝቢ እዩ" ብምባል ነዚ ምዕራፍ ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ዘለዎ ዓሚቝ ባህላውን መንፈሳውን ትርጉም ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
እቲ ማሕበር
ብዛዕባ ዘስደምም ታሪኽ "ሕቡኣት ክርስትያናት" ንምስናድ፡ ንምዕቃብን ንኻልኦት ንምምሃርን ኣሚቱ ዝተመስረተ ማሕበር ምርምር ሕቡኣት ክርስትያን፡ ነዚ ቅርሲ ኣብ ምሕላው ዓቢ ተራ ኣለዎ። እዞም ክርስትያን እዚኣቶም፡ ኣብ መበል 17 ክፍለ ዘመን ሾጉናት ቶኩጋዋ ንክርስትና ድሕሪ ምእጋዱ፡ ንኣስታት 250 ዓመታት ኣብ ዝነበረ መስጐጕቲ፡ እምነቶም ብሕቡእ ተግባራዊ ገይሮም ዝነበሩ እዮም። እቲ ማሕበር፡ ከቢድ መቕጻዕቲ ከስግኦም ከሎ እምነቶም ንወለዶታት ከመሓላልፉ ዘኽኣሎም ተጻዋርነቶምን መንፈሳዊ ብልሓቶምን ዝኽሪ ህያው ንምግባር ዘገልግል እዩ።
ህያው ምስክር ተኣማንነት
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነዚ ቦታታት እዚ ከም ታሪኻዊ መዝገብን ምንጪ ምትብባዕን ምዕቃብ ዘለዎ ኣገዳስነት ኣጉሊሖም። “እዚ ንኣገዳስነት ናይዞም ቦታታት ኣፍልጦ ምሃብ ግቡእ ዕቃበኦም ከረጋግጽ ጥራይ ዘይኮነስ ንተኣማንነት ብዙሓት ጃፓናውያን ክርስትያን ህያው ምስክር ኮይኑ ከገልግል ተስፋይ እዩ - ቢሎም - ነቲ ዕለት 7 ታሕሳስ ዝጸውዕዎ ጉባኤ ካርዲናላት ኣስተብሂሎም፣ ኣብዚ እዋን እዚ ሓድሽ ጃፓናዊ ካርዲናል ክሽየሙ እዮም፣ እዚ ድማ ቀጻሊ ኣገዳስነት ማሕበረሰብ ካቶሊካዊ ጃፓን ኣብ ሕይወት ኣድማሳዊ ቤተ ክርስቲያን ብዝያዳ ዘጒልሕ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኣብ ስብከት ወንጌል ዝተሰረተ ሕድሪ
እዚ ርክብ እዚ ኣብ ዋዜማ ዝኽሪ ናይቲ ኣብ መበል 16 ክፍለ ዘመን ወንጌል ናብ ጃፓን ካብ ዘብጽሑ ቀዳሞት ልኡካነ ወንጌል ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዛቪየር ዝተኻየደ ኮይኑ፥ ቅዱስነቶም ነቲ ቅዱስ ናይ ተልእኾ ወንጌል ቅንኣት ምስ ተልእኾ ማሕበር ምርምር ሕቡኣት ክርስትያናት ኣተሓሒዞም “ከም ወረስቲ ናይቲ ሕልሚ መጠን፡ ናይ ትምህርትን ዕቃበን ስራሕኩም ነዚ ፍሉጥ ምዕራፍ ታሪኽ ስብከተ ወንጌል ብዝበለጸ ክፍለጥን ዝድነቕን ይግበሮ” ቢሎም፥ ኣብ 2019 ዓ.ም. ኣብ ጃፓን ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ዑደት ብምዝካር፡ እዞም ታሪኻዊ ቦታታት ከም “ህያው ዝኽሪ፡ ንኣገልግሎት ሓዋርያውነትን ንሓድሽ ስብከተ ወንጌል መነቓቕሒ” ኮይኖም ከገልግሉ ዘለዎም ተስፋ ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ቅርበትን ደገፍን ነቶም ሎሚ ዝሳደዱ ዘለዉ ክርስቲያን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ጉጅለ ሎሚ ስደት ዘጋጥሞም ዘሎ ክርስትያን ዘዘኻኸሩን ናይ ዘመና ሰማእታትን ብሰንኪ ውግእን ዓመጽን ጸቕጥን ዝሳቐዩ ዘለዉን ጸሎት ክግበረሎም ሓቲቶም።
“ብዛዕባ ጅግንነት ናይቶም ቀዳሞት ልኡካነ ወንጌል፡ ትብዓት ሰማእታት ጃፓን፡ ከምኡ’ውን ጽንዓት ናይቲ ንእሽቶ ግን ከኣ እሙን ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ ሃገርኩም ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት ክንሓስብ ከለና፡ ከመይ ጌርና ኢና ብዛዕባ እቶም ኣብዚ ዘመንና ሞት እውን ከይተረፈ ምእንቲ ስም ኢየሱስ ዝወርዶም ስደት ዝጻወሩ ዘለዉ ብጾትና ዘይንሓስብ፡?” ቢሎም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም መደረኦም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።