ር.ሊ.ጳ. ፋራንቸስኮ ኣደነት የብዕሉ፦ ንኣምላኽ ስለቲ ተኣምር ህይወት ንወድሶ

በዓል ልደት ኣብ ዝቐርበሉ ዘሎ እዋን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 22 ታሕሳስ ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ምመናን ኣብ ዝተረኽብሉ ካብ ሃገረ ቫቲካን መንበሪኦም ቅድስቲ ማርታ ህንጻ ካብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ብቐጥታ ብኽሱት ናይ ምስማዐ ርእየት ኣገባብ ኣቢሎም ቅድሚ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ምድጋሞም፥ ህያብ ኣደነትን “ተኣምር ሕይወትን” ዘማእከለ ኣስተንትኖ ከም ዝለገሱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅድሚ ልደት ሒደት መዓልታት ኣብ ራብዓይ ሰንበት ዘምጽኣት፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ምእመናን ህላወ እግዚኣብሔርን ፍቕሪ ኣምላኽን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብፍላይ ድማ “ኣብ ህያብ ነፍሲ ወከፍ ሕይወት፡ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ማህጸን ኣዲኡ ዘሎ ውላድ” ከለልዩ ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚብሔር ተላብዮም፥ ኣብቲ ኣብ መንጎ ድንግል ማርያምን ጓል ሓውቦኣ ኤልሳቤጥ ኣደ ዮሓንስ መጥምቕን ዘጋጠመ ርክብ ዝዛረብ ናይ ሰንበት ዕለት 22 ታሓሳስ ምንባብ ወንጌል ኣማእኪሎም፥ – “ርክብ ኣብ መንጎ እተን ክልተ ደቂ ኣንስትዮ በቲ ዘይተለምደ ህያብ ኣደነት ዝሕጐሳ” ዝነብርኦ ሃዋህው ኣስተብሂሎም፥

ኣዴታት ምባርኽ፡ ንኣምላኽ ህይወት ነመስግን

ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ እውን፡ ነፍሰጾር ኣዴታትን ኣዴታት ምስ ደቀንን ከምዘለዋ ኣስተብሂሎም "በጃኹም፡ ንህላወኦን ዘይግደሱ ኣይንኹን . . . ብኣደኣዊ ጽባቔአን ንገረም፡ ከም ኤልሳቤጥን ማርያምን ድማ ኣዴታት ንባርኽ፡ ስለ ተኣምር ህይወት ድማ ንኣምላኽ ንወድስ” . . . ኣብ ማእከል እቲ ሓጎስ ዝመልኦ ጽምብል በዓል ልደት፥ “ኣብ ሕቑፋ ወይ ኣብ ማህጸና ቆልዓ ሒዛ እትኸይድ ኣደ ኣብ እንራኸበሉ እዋን ኩሉ ግዜ ናይ ሓጎስ ስምዒት ክንገልጽ ከም ዘድልየና ኣይንረስዕ . . . ነፍሲ ወከፍ ኣደነት ምእንቲ ክባረኽ፡ ከምኡ’ውን እቲ . . . ስም እግዚኣብሔር ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ዓለም ዝረካብ ኣዴታት ክምስገንን ልዕል ክብልን . . .”

ነቲ ቅዱስ ዋጋ ህይወት እድግፎ ድየ

ቅድሚ እቲ ኣብ መላእ ኢጣልያን ኣብ መላእ ዓለምን ኣብ ትርኢታት ልደት ዝቕመጥ ባህላዊ በረኸት “ምስሊ ሕጻነ ኢየሱስ” – ምእመናን “ንጐይታ ካብ ሓጢኣት ወጻኢ ኣብ ኩሉ ህላወና ክክፋል ምእንታና ገዛእ ርእሱ ሰብ ስለ ዝገበረ አመስግኖ ድየ? ንኣሽቱ ኣብ ማህጸን ኣደ ካብ ዝጸንሱ ኣትሒዘ ነቲ ቅዱስ ዋጋ ህይወት እድግፍን ኣከላኸልን ድየ? እንክብሉ ሕቶ ኣቕሪቦም፥ ከምኡ’ውን “ኣብ መንጎ ደቂ ኣንስትዮ ዝተባረኸት ማርያም ኣብ ቅድሚ ምስጢር ህጻን ህይወት ዝግረሙን ዘመስግኑን ክንከውን ትደግፈና” ብዝብል ጸሎት ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

23 December 2024, 16:35