2024.11.30 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ‘ክርስትያናዊ ሕውነታዊ ዘተ ንናይ ሎሚ ዓለም ኣብነት ክኸውን ይኽእል እዩ! 2024.11.30 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ‘ክርስትያናዊ ሕውነታዊ ዘተ ንናይ ሎሚ ዓለም ኣብነት ክኸውን ይኽእል እዩ! 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ‘ክርስትያናዊ ሕውነታዊ ዘተ ንናይ ሎሚ ዓለም ኣብነት ክኸውን ይኽእል እዩ!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያት ክብረ ቅዱስ እንድርያስ ንናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትርያርክ በርጠሎሜዎስ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ሰላምታ፥ ኣብ መንጎ ክርስቲያን “ውህበት ሓድነት” ቀጻሊ ጻዕርን ጸሎትን ክግበር ጻውዒት ኣቕሪቦም፣ ኣብዛ "ብኲናትን ዓመጽን ዝተሃስየት" ዓለም ሕውነቶምን ምስክርነቶምን ኣርኣያ ኮይኑ ከገልግል ከምዝኽእል ይገልጹ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ትውፊት ብምስዓብ፡ ብምኽንያት ዕለት 30 ሕዳር ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅዱስ እንድርያስ ሓዋርያ ቅዱስ ሓላዊ መንበር ቁስጥንጥንያ፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ “ሕውነታዊ ፍቕሮም” ንናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ፓትርያርክ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ንምብጻሕ ናብ ኢስጣምቡል ልኡኾም ናብቲ ክብረ በዓል ከም ዝሰደዱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

እዚ ዑደት’ዚ ኣካል ናይቲ ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን መንበረ ፓትርያርክ ቍስጥንጥንያ በብዓመቱ ኣብ ዕለት 29 ሰነ በዓለ ቅዱስ ጴጥሮስን ጳውሎስን፡ ከምኡ’ውን ዕለት 30 ሕዳር ኣብ ኢስታንቡል ቱርኪ በዓለ ቅዱስ እንድርያስ በቢ ወገኖም ዘካይድዎ ልኡኻት ናይ ምልውዋጥ መደብ ኮይኑ፥

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ኣብ መልእኽቶም ብዘይ ምኹናን ምስማዕ ኣብ መንጎ ካቶሊካውያንን ኦርቶዶክሳውያን ክርስትያን ናብ ሓድነት ዝወስድ ቀንዲ መንገዲ ምዃኑ ብምጉላሕ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ዝካየድ መበል 1700 ዓመት ዝኽሪ ቀዳማይ ኵላዊ ጉባኤ ኒቅያ ነቲ ዘለዎም ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ዓሰርተታት ዓመታት ዝማዕበለ ሕውነታዊ ዝምድና ንምድልዳል ዕድል ክፈጥር ከምዝኽእል ተስፋኦም ገሊጾም።

ናይ 60 ዓመት ፍረ ዘለዎ ዘተ

ነቲ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ወግዓዊ ምእታው ሓባራዊ ዘተ ዜመልክት ኣብ 1964 ዓ.ም. ዝወጸ ‘Unitatis Redintegratio - ሕብረት ክርስቲያን" ዚብል ኣዋጅ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ካብ ዚጅመር ኣትሒዙ እተገብረ ምይይጥ ካቶሊክን ኦርቶዶክስን ኣቢያተ ክርስቲያን ዜደንቕ ዘተ ዘርኣዮ ምዕባለ ብምጕላሕ፥ ኣብዚ ናይ ሓባር ዘተ ካብ ዝተረኽበ ቀዳሞት ፍረታት፡ ዝተሓደሰ ሕውነት” ምዃኑ የስተብህሉ።

ናይ መወዳእታ ዕላማ ምሉእ ሓድነት እዩ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ብናይ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ሰነድ ዝተሓሰበ ምሉእ ሓድነት ገና ከምዘይተበጽሐ እኳ እንተኣመኑ፣ “ንሓደ ሽሕ ዓመት ዝጸንሐ ምፍልላይ፣ ኣብ ውሽጢ ሒደት ዓሰርተታት ዓመታት ክፍታሕ ዝከኣል ኣይኮነን ይኹን እምበር፡ ነቲ ናይ መወዳእታ ዕላማ ክሰሓት” ከምዘይብሉ ኣጒሊሖም፥ ከምኡ’ውን “እዚ ሓድነት’ዚ ኣብ መስርሕ ታሪኽን ኣብ ውሽጢ ርትዓዊ ግዜን ክረጋገጽ ከም ዝኽእል ተስፋ ክሰኣን የብሉን፥

"ካቶሊካውያንን ኦርቶዶክሳውያንን ነቲ መለኮታዊ ውህበት ሓድነት ንምቕባል ምጽላይን ብሓባር ምዕያይን ከቋርጹ የብሎምን"

ሲኖዳላዊ ኣገባብ ንኩሜናዊ ዘተ

ዝበሉ ቅዱስነቶም ኣስዒቦም፥ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን “ንመንገዲ ዘተ ንድሕሪት ዘይመልስ ተወፋይነት” ብዝያዳ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ሲኖዶስ ብዛዕባ ሲኖዳውነት ዝተረጋገጸ ኮይኑ፡ ካብ ዝተፈላለየ ድሕረ ባይታ ዝመጹ ተሳተፍቲ “ከይፈረዱን ከይወገዙን ንሓድሕዶም ክሰምዑ” ዝተራአየሉ ኩነት ዘረጋገጾ ምዃኑ ኣብሪሆን፡

እዚ ኣገባብ እዚ “ካቶሊካውያንን ኦርቶዶክሳውያንን ናብ ሓድነት ዝወስድ ጉዕዞኦም ዝቕጽሉሉ ኣገባብ እውን ክኸውን ይግባእ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ክርስትያናዊ ዘተ ከም ኣብነት ነታ ዝተገማመዐት ናይ ሎሚ ዓለም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ መልእኽቶም ኣብ ምዝዛም፥ ኣብ 2025 ዓ.ም. ዝካየድ ዝኽሪ መበል 1700 ዓመት ቀዳማይ ኵላዊ ጉባኤ ኒቅያ “ዝጸንሐ ምትእስሳር ዘደልድልን ኩለን ኣብያተ ክርስቲያን ኣብ ናይ ሎሚ ዓለም ዝተሓደሰ ምስክርነት ከቕርባ ዘተባብዕን እዩ - ቢሎም - ንክርስትያን "ዝነበር ሕውነትን ዝተዋህበ ምስክርነትን" ነታ "ብኲናትን ዓመጽን ዝተሃስየት ዓለም" እውን ከም ኣብነት ኮይኑ ከገልግል ምዃኑ ኣስተብሂሎም፥ በዚ መንፈስ እዚ ነቲ ብተደጋጋሚ "እናተፈናጀረ ዝካየድ ሳልሳይ ኲናት ዓለም" እንክብሉ ዝገልጽዎ ዘኪሮም ኣብ ዩክሬን፣ ፍልስጤም፣ እስራኤል ሊባኖስን ኩለን ዞባታት መላእ ዓለምን ሰላም ክህሉ ዘለዎም ተስፋ ደጊሞም ከም ዘረጋገጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ልኡኽ ቫቲካን

ልኡኽ ሃገረ ቫቲካን ናይ ክርስቲያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ኩርት ኮኽ ዝተመርሐ ኮይኑ ዕለት 30 ሕዳር ኣብ ፋናር ኣብ ዝርከብ ፓትርያርካዊ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ጊዮርጊስ ኣብ ዝተኻየደ ብምኽናይት ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅዱስ እንድርያስ ሓዋርያ ኣብ ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ ነቲ ቅዱስነቶም ዘመሓላለፍዎ ምልእኽቲ ንፓትሪያርክ ብጽዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ከም ዘረከቡን እቲ ልኡኽ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይቲ ብካርዲናል ኩርት ኮኽ ዝምራሕ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ የኔታ ፍላቪዮ ፔስ ምኽትል ዋና ጽሓፊ የኔታ ኣንድረያ ፓልሚየሪን ኣብ ቱርክ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ማረክ ሶልችዝንይስኪ ዝሓቖፈ ምንባሩ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

02 December 2024, 16:49