ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ስነ - ጥበባውያን ብስነ ጥበብ ኣቢሎም ሰላምን ተስፋን ክሃንጹ የተባብዑ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ዕለት 14 ታሕሳስ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝካየድ መበል 32 ናይ ልደት ውሁድ ጥዑም ሚዚቃ ምርኢት ዘቕርቡ ስነጥበባውያን ዕለት 14 ታሕሳስ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ተቐቢሎም ቃለ ምዕዳን ከም ዝለገሱን እዚ መደብ ካብ 1993 ዓ.ም. ጀሚሩ በብዓመቱ ንዕላማ ግብረ ሰናይ ዝዳሎ ኮይኑ፡ ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ዓለምለኻዊ ፍሉጣት ስነ ጥበባውያን ኣብ ሓደ መድርኽ ዘራኽብ እውን ምዃኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ስነ ጥበባዊ ምርኢት ብጳጳሳዊ ማሕበር ስነ መዕበያ ዝተዳለወ ናይ ሎሚ ዓመት ውድድር መዛሙር ልደት ንኸቕርቡ ዝተሓረዩ መንእሰያት ስነጥበባውያን ኣብቲ ናይ ልደት ስነ ጥበባዊ ምርኢት ከቕርብ ከም እተዓደሙ ኣፍሊጡ።
ሙዚቃ ሓድነት ናይ ምፍጣር ፍሉይ ክእለት ኣለዎ
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ስነ-ጥበባውያንን ኣዳለውቲ እቲ መደብን ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ምስጋናኦም ኣቕሪቦም፥ ብዛዕባ ሰላምን ተስፋን፡ ዝብሉ ኣርእስታት ናይቲ ምርኢት መሰረት ገይሮም፡ ስነ - ጥበባውያን ብመሃዝነቶምን ስነ - ጥበባቶምን ኣቢሎም “ብዙሕ ከቕርቡ ኣለዎም . . . ኣብታ ጽምዋ ዝወሓጣ ለይቲ ዛዕባ ምውላድ ኢየሱስ ዘበሰሩ መላእኽቲ ኣብነት ገይሮም፡ ሙዚቃን ስነ ጥበብን ከም ኵላዊ ቋንቋታት ልቢ ደቂ ሰባት ክትንክፉ፡ ሓድነት ክፈጥርን ሕብረት ከዕብይን ዝኽእል ዘለዎ ዓሚቝ ተራ ኣጉሊሖም። “ሙዚቃ ብቐጥታ ንልቢ ወዲ ሰብ ብፍሉይ መንገዲ ይዛረብ . . . ቢሎም
“ሙዚቃ ሓድነት ናይ ምፍጣርን ሕብረት ናይ ምዕባይን ፍሉይ ክእለት ይውንን”
“መላእኽቲ ሰላም” ኩኑ
ስለዚ ስነ-ጥበባውያን ከም “መላእኽቲ ሰላም” ኮይኖም ክዋስኡ ኣተባቢዖም፣ ክእለቶምን ስነ -ጥ በቦምን ኣብ ናይ ሎሚ ዓለም ዝያዳ ናይ ሕውነትን ዕርቅን ባህሊ ምድንፋዕ የድልይ . . . ኣብ ተስፋ ኣተኩይሮም፡ እዚ ድማ ምስቲ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ኢዮቤል መርሕ ዝገበሮ ኣርእስቲ ናይቲ ላይ ለምዘበን ናይ ልደት ውሁድ ጥዕሙ ሙዚቃ ምርእቲ ሕመረት ክኸውን ስለ እተሓረየ ብሓቂ ዘሐጉስ ምዃኑ ኣመላኺቶም፥
ተስፋ ህያብ ኣምላኽ እዩ
ተስፋ “ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን ካብ ኣምላኽ ዝመጽእ ህያብ ምዃኑ” ኣዘኻኺሮም ኣብ እምነት ዝተሰረተን ብተግባራት ግብረ ሰናይ ዝድገፍን እዩ። ተስፋ በቲ ምስ ጐይታ ዝህልው ሕብረት ክዓቢ ዘለዎ እኳ እንተኾነ “በዚ ኸምዚ ንህሉው ብትርጉም ብምምላእን ናብ መጻኢ ሓድሽ ኣድማስ ዝኸፍትን” ዝጭበጥ መግለጺ ፍቕሪ እውን የድሊ . . .
ምስ መንእሰያት ንዝሓሸ ዓለም ተስፋ ምህናጽ
ፍራንቸስኮ ነዞም ክልተ ሰላምን ተስፋን ዝብሉ ኣርእስታት ኣብ ሓደ ብምምጻእ ኣብ መላእ ዓለም ክስማዑ ዝገብር ዘቕርብዎ ውሁድ ጥዑም ሙዚቃ ”መጻኢ ወለዶ ዝሓሸን ሰላማዊትን ዓለም ምእንቲ ክወርስ” ዝሕግዝ እዩ እንክብሉ ገሊጾም። ምስዚ ተኣሳሲሩ፡ ኣብ መድረኽ ዝተመርጹ ሙዚቃዊ ስርሖም ንኽቕርቡ ዝተሓርዩ ተሳተፍቲ ውድድር ምርኢት ልደት “ምሉነትን ሰናይን ቃል ኪዳን ኣብ መንጎ ወለዶታት ምዃኑ” ኣመልኪቶም
ቤተ ክርስቲያንን ዓለምን ተውህቦ ስነ-ጥበባውያን ክእለቶምን ናይ ምምሃዝ ብቕዓቶምን ልግሲ ከምኡውን "ንፍትሕን ሕውነትን ዘለዎም ፍቕሪ" ከም ዘድልየን ብምዝኽኻር ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።