ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ‘ኣብ ዓለም ውግእን ዓመጽን የብቅዕ!’

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብዚ ዓመት’ዚ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ዝርከብ ለገስቲ ትርኢት ልደትን ጽሕድን ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ኣብ ቅድስቲ መሬትን ኣብ መላእ ዓለምን ውግን ዓመጽን ኣብ ዝሰፍሓሉ ዘሎ እዋን ደጋጊሞም ዘቕረብዎ ጻውዒት ሰላም ከም ዘሕደሱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ውግኣት ይኣክል! ዓመጽ ይኣክል!”: እዚ ልቢ ዝትንክፍ ቃላት እዚ ዕለት 7 ታሕሳስ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ነቶም ናይ ለምዘበን እቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ዝቐውም መግለጺ ትርኢት ልደትን ጽሕድን ዝለገሱ ናይ ሰሜናዊ ኢጣሊያ ዞባ ፍሪዩሊ ቨነዚያ ጁልያ ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ገሊጾም፥ ኣብቲ መድረኽ ዝተረኽቡ ኣብ ቅድስቲ መንበር ወከልቲ ልኡከ መንግስቲ ፍልስጤም ነቶም ምርኢት መብልዒ ማል ንዝለገሱ ፍልስጥኤማውያን ወኪሎም ከም ዝሓበሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

እቲ ገረብ፡ ምሳሌ ቤተ ክርስቲያን እያ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ዝተለገሰ ጽሕዲ ኦም ንምህዳር ብዝኽብር ኣገባብ ዝወጸ ናብ ቦታኡ ተመሊሱ ክትከል ምዃኑ ብምዝኽካር፥ ዕምቆት ዘለዎ ኦም ልደት ከስተንትኑ እንከለዉ፡ ዘከዊ ዓብይ መንፈሳዊ ትርጉሙ ኣጉሊሖም። እቲ ዝተሓዋወሰ ኣረጊትን ንእሽቶን ጨናፍር መግለጺ ቤተ ክርስቲያን ክኸውን እንከሎ እንኮ ምንጪ ድማ ኢየሱስ ምዃኑ ዘረጋግጽ እዩ . . .  

ልደት ናይ ትሕትናን ሕብረትን መልእኽቲ እዩ

መግለጺ ትርኢት ልደት፡ ብዛዕባ በዓል ልደት ከም ዝዛረባና ኣስተብሂሎም፡ “. . . እግዚኣብሄር ኣብ ድኽነትና ምሉእ ብምሉእ ክካፈል ሰብ ኮይኑ፡ ኣብ ምድሪ መንግስቱ ብሓያል መገዲ ዘይኮነስ ሰብኣውነት ብዝሓንጽን ብዝሕድስን ዘደልድልን መገዲ ትሕትና ኣቢሉ ከም ዝመጸ መረጋገጺ እዩ . . .  

ቤተ ክርስቲያን ንኹሉ ዝኸውን ቦታ ኣለዋ

. . . ቤተክርስትያን ከም መርከብ ንሰባት ናብ ክርስቶስ እትመርሕ . . . እዛ መርከብ ድማ ንየሱስ ኣብታ ጴጥሮስ ዝመርሓ ንእሽቶ ግን ከኣ ዓባይ መርከብ ኣብታ ወትሩ ንዅሉ ሰብ ቦታ ዘለዋ፡ ናብ ክርስቶስ እተብጽሕ እያ . . .

“ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኩሉ ግዜ ንኹሉ ዝኸውን ቦታ ኣሎ። . . . ኢየሱስ ምእንቲ ቅዱሳን ዘይኮነስ ንኹላትና ስለ ዝመጸ”

ድሕሪ ደጊም ውግእ ኣይሃ!

ቢሎም ኣብ መወዳእታ ናብቲ ኣብ ቤተልሔም ዝተሰርሐ መግለጺ ልደት ዘእግዚእነ ሓሳቦም ገይሮም ነቶም ኣብ ቅድስቲ መሬትን ካልእ ክፋላት ዓለምን ብዘጋጠሞም መዓት ኲናት ዝሳቐዩ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዘዘኻኽረና ምዃኑን . . . ሕጂ’ውን ንሰላም ዝጸውዑ ምዃኑ ኣስተብሂሎም . . . “ውግእ ይኣክል፡ ዓመጽ ይኣክል!”፡ ብምባል ነቲ ብኲናትን ሞትን ዝስስን ኢንዱስትሪ ኣጽዋር ደጊሞም ብኣጽንዖት ከም ዝኾነኑን፥

“ሓደ ካብቲ ኣዝዩ መኽሰብ ዘለዎ ወፍሪ ኣብ ኢንዱስትሪ ኣጽዋር ምዃኑ ትፈልጡ ዶ? ንኽቐትሉ ገንዘብ ይረኽቡ። ስለምንታይ ግን? ድሕሪ ደጊም ውግእ ኣይህሉን!”

ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ምረቓ ኦም ልደትን በዓቲ ልደትን ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ

ምረቓ ጽሕዲ ልደትን በዓቲ ልደትን ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዕለት 7 ታሕሳስ ሰዓት 18፡30 ድሕሪ ቀትሪ ምሕደራ ቫቲካን ኣቦ መንበር ካርዲናል ፈርናንዶ ቨርገዝ ኣልዛጋ ብዝመርሕዎ ስነ ስርዓት ጸሎት ከም እተመረቐ ኣብቲ ስነ ስርዓት ጽምብል ዋና ጸሓፊ ቤት ምሕደራ እናቴ ራፋኤላ ፔትሪኒን፥ ናይ ሰበኻ ጎርዚያ ካርሎ ሮበርቶ ናይ ትረንቶ ጳጳስ ላውሮ ቲሲን ናይ ፍሪዩሊ ቨነዚያ ጁሊያ ዞባታት ኣመሓደርትን ከንቲባታትን ከም ዝተረኽ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

09 December 2024, 15:14