ር. ሊ. ጳ. ፍራንቸስኮ ምእንቲ ሰላም ዓለም ምሕጽንታ ኣቕረቡ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ትማሊ ሰንበት ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ቀቅድሚ ምድጋሞም "ካብዛ ደሴት ማእከላይ ባሕሪ እዚኣ ንዅለን ኣብ ባሕሪ ዘለዋ ሃገራት ብፍላይ ከኣ ነታ ቅድስቲ ማርያም ንኢየሱስ ዝወለደትላ ቅድስቲ ሃገር ሰላም ንኽሰፍን ጻውዒት ነቕርብ ኣሎና" በሉ።
"ሰላም ኣብታ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ንኢየሱስ ዝወለደትላ ቅድስቲ ምድሪ።"
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ኣብታ ኣብ ፈረንሳ እትርከብ ደሴት ኮርሲካ ምስ ዝነብሩ ጳጳሳትን ካህናትን ሰብ ውፉይ ሕይወትን ንምርኻብን መሥዋዕተ ቅዳሴ ንምዕራግን ከምኡውን ምስ ምእመናን ንምርኻብ ኣብታ ደሴት ውዒሎም ከም ዘለዉ ብምግላጽ ነተን ብውግእ ዝዓነዋ ሃገራት ዓለም ህጹጽን ደኺመ ኸይበሉን ምሕጽንታኦም ኣመሓላለፉ።
"ሰላም ንፍልስጥኤም ንእስራኤል ንሊባኖስ ንሶርያ ንብምሉኡ ማእከላይ ምብራቕ! ሰላም ነታ እትሳቐ ዘላ ሚያንማር" ክብሉ ውን ጸለዩ።
ዩክረይንን ሩስያን
"እቲ ንነዊሕ እዋን ትጽቢት ዝግበረሉ ዘሎ ሰላም ህዝቢ ዩክረይንን ህዝቢ ሩስያንን" ንምርካብ ናብታ "ቅድስቲ ኣደ ኣምላኽ" ብምጽላይ ኸኣ ከምዚ በሉ - "ኣሕዋት ቀረባ ኣዝማድ ኢዮም። ናብ ምርድዳእ ክበጽሑ ኣለዎም! ውግእ ወትሩ ስዕረት እዩ ። ኣብ መላእ ዓለም ሰላም ይንገስ!"
ምእንቲ ግዳያት ህቦብላ ቺዶ ዝዀኑ ሰባት ዝዓረገ ጸሎት
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምእንቲ እቶም ኣብ ዝሓለፈ ሰዓታት ኣብ እኩባት ደሴታት ማዮተ ብዘጋጠመ ህቦብላ ግዳያት ዝኾኑ ሰባት ጸሎት ክግበረሎም ተማሕጸኑ ።
"ምስቶም በዚ ዘሕዝን ፍጻመ እዚ እተተንከፉ ብመንፈሳዊ መዳይ ምስኣቶም ደውን ንብል ኣሎና" ውን በሉ።
ኣብ ውሽጢ ሓደ ዘመን ኣብተን ብሸነኽ ሰሜን ማዳጋስካር ዚርከባ እኩባት ደሴታት ህንዳዊ ውቅያኖስ ፈረንሳ ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ምስ ምኽሳቱ እንተ ወሓደ 11 ሰባት ብሓንቲ ለይቲ ሞይቶም ኣለዉ።
እዚ ቺዶ ዚበሃል ህቦብላ ንፋስ ልዕሊ 200 ኪ. ኣብ ሰዓት ዝህበብን መንበሪ ገዛውትን መንግስታውያን ኣባይቲ ጽሕፈትን ቤተሕክምናታትን ኣዕንዩ ይርከብ ኣሎ።