ር. ሊ. ጳ.፦ መንፈስ ቅዱስ 'ብተስፋ ንኽንመልእ' ይሕግዘና
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ብተኸታታሊ ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህቶ ትምህርተ ክርስቶስ ከም ሓላልፍዎ ዝጸሑ "እቲ መንፈስን እታ መርዓትን፣ መንፈስ ቅዱስ ንህዝቢ ኣምላኽ ናብ ተስፋና ኢየሱስ ይመርሖም " ዝብል ኣርእስቲ መዛዘሙ ገበሩሉ።
ቅዱስ ኣቦና ኣብ ኣስተምህሮኦም ነቲ “እቲ መንፈስን እታ መርዓትን” ንዝተንስአ ክርስቶስ “ንዓ” ክብሉ ዝጸውዕዎ ናይቲ መወዳእታ ዘመን ልመና ዝሓዘ መጽሓፍ ራእይ ዮሓንስ ተቒሶም ኣስተምሃሩ። ዳግማይ ምጽኣይት ኢየሱስ ወትሩ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ኢዩ ዝርከብ ውን በሉ።
እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ ቤተ-ክርስትያን "ኣብዚ ሕጂ ዘሎ ንግደትና ዝካየድ ዘሎ ዅነታት" ቀጻሊ ምጽኣት ክርስቶስ ትጽቢት ዝገብር ኢዩ።
ናብ ክርስቶስን ናብቲ መንፈስን እተላእከ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ቤተ ክርስትያን ብዛዕባ እቲ "ንዓ" ዚብል ልመና ዘለዋ ምርዳእ ከም ዝማዕበለ ውን ገለጹ፣ እዚ ኸኣ ሓደ እዋን ንክርስቶስ ጥራይ እትጽውዓሉ ዝነበረት ቦታ ሕጂ ቤተ-ክርስትያን ንመንፈስ ቅዱስ ውን ንምልማን ትጥቀመሉ ኣላ። “ንዓ ኦ ፈጣሪ ዝኾንካ መንፈስ ቅዱስ!” ብምባል ውን ትጽውዖ ኢያ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም "ድሕሪ ትንሳኤ መንፈስ ቅዱስ ሓቀይና ተወካሊ ክርስቶስ ስለ ዝዀነ፣ ኣብ ክንዳኡ ኮይኑ፣ ኣብ ቤተ ክርስትያን ከም ዚቐርብን ከም ዚዓዪን ዚገብሮ ስለ ዝዀነ ከምኡ ኪኸውን ሓቂ እዩ " በሉ ። ቀጺሎም ውን "ስለዚ ክርስቶስን መንፈስ ቅዱስን ኣብ ታሪኽ ድሕነት እውን ኣይፈላለዩን እዮም" በሉ።
ምንጪ ክርስትያናዊ ተስፋ
ኣብ ርእሲ እዚውን መንፈስ ቅዱስ "ወትሩ ምንጪ ተስፋ ክርስትና" ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ኣስተንተኑ፣ ንቤተ-ክርስትያን ኣብ ባሕሪ ታሪኽ ከም እትጓዓዝ ዝገበረ "መርከብ" ምዃኑ ውን ገለጹ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ተስፋ "ባዶ ቓል ወይ ዘይንጹር ትምኒት" ዘይኰነስ ኣብ ተኣማንነት ኣምላኽን ኣብ ሥነ-መለኮታዊ ሓይልን እተመርኰሰ ምዃኑ ኣትሪሮም ገለጹ።
ይኹን እምበር ኣስዕብ ኣቢሎ ውን "ክርስትያን ምእመናን ብተስፋ ኺጸግቡ ኣይክእሉን እዮም" የግዳስ "ተስፋ የንጸባርቑ" በሉ። ተስፋ እቲ "ቤተ-ክርስትያን ንዅሎም ደቅሰብ ክትህቦም እትኽእል ዝበለጸ ውህበት ኢዩ" ውን በሉ።
ምኽንያት ተስፋኹም ንምግላጽ ድልዋት ኩኑ
ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ንተስፋኦም ምኽንያት ንምሃብ ወትሩ ድሉዋት ክዀኑ ዘተባብዕ ዝነበረ ቅዱስ ጴጥሮስ እተዛረቦ ቓላት ዘከሩ፣ ኣስዕብ ኣቢሎም ድማ "ብለውሃትን ብኣኽብሮትን" ክገብርዎ ከም ዘለዎም ገለጹ።
ከምዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ሰባት ብብርታዐ ቘየቛ ዘይኰነስ በቲ ዚገብርዎ ፍቕሪ ስለ ዚኣምኑ ምዃኑ ገለጹ። "እዚ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ውጽኢታዊ ዝዀነ ዓይነት ተለኾ ወንጌል እዩ" ውን በሉ፣ እዚ ሜላ እዚ ኸኣ "ንዅሉ ኽፉት" እዩ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ መንፈስ ቅዱስ ወትሩ "ብተስፋ ዝመልኡ" ንኽንከውን ክሕግዘና ብምጽላዩ ኣስተምህሮኦም ዛዘሙ።