ር. ሊ. ጳ.፦ ስብከት ቃል ኣማልኽ ኣብ ሓደ ነጢቢ ኼተዀረን ካብ 10 ደቒቕ ንላዕሊ ዘይነው ይኹን
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ብዛዕባ መንፈስ ቅዱስ ቤተክርስቲያንን ዝገልጽ ተኸታታሊ ትምህርተ ክርስቶስ ብምቕጻል ኣብ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣገልገልቲ ቤተ-ክርስትያን ኣብ ኣገልግሎት ስብከተ ወንጌል ሓገዝ መፈስ ቅዱስ ከም ዘድልዮም ኣስተምሃሩ።
ቅዱስ ኣቦና ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝተረኽቡ ምእናንን መንፈሳውያን በጻሕትን ኣብ ዝለገሱሎም ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህረተ ክርስቶስ ኣብ ቀዳመይቲ መልእኽቲ ጴጥሮስ ምርኩስ ብምግባር ኣስተንተኑ፣ ቅዱስነቶም ኣብ ኣስተምህሮኦም እቲ ቐዳማይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝኾነ ሓዋርያት ብዛዕባ ሓዋርያት "እቶም ብመንፈስ ቅዱስ ኣቢሎም ወንጌል ዝሰበኹልኩም" ክብል ይጠቕሶም ብምባል ኣስተምህሮኦም ጀመሩ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ከም ዝገለጽዎ እዚ ኣብሃህላ እዚ ነቲ ቐንዲ ኽፋል ክርስትያናዊ ስብከት ዝኾነ ማለት ነቲ "ትሕዝቶኡ ከም ወንጌል ከምኹኑን፣ ምንጩ ድማ መንፈስ ቅዱስ " ኮይኑ ከም እንረኽቢ ገለጹ።
ትሕዝቶ ስብከትና
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ፈለማ ከም ትሕዝቶ ስብከት እታ "ወንጌል" እትብል ቃል ኣብ ሓድሽ ኪዳን ከም እትገልጾ ዘከሩ።
ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም እዛ ቃል እዚኣ ክልተ ቐንዲ ትርጕሙ ኸም ዘለዋ ገለጹ ። እዛ ወንጌል እትብል ቃል ንነፍስወከፍ እተን ኣርባዕተ ቀኖናውያን ወንጌላት (ማቴዎስ ማርቆስ ሉቃስ ዮሓንስ) እተመልክት ኮይና፣ እዛ ቃል እዚኣ "እቲ ጐይታናን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ምድራዊ ህይወቱ ዝሰበኮ ወንጌል" እያ እተመልክት።
ይኹን እምበር ድሕሪ እታ ቀዳመትይቲ መዓልቲ ትንሳኤ እዛ "ወንጌል" እትብል ቃል ሓድሽ ትርጕም ብምሓዝ "ብዛዕባ ብስራት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ማለት ብዛዕባ ፋሲካዊ ምስጢር ሞትን ትንሳኤን ክርስቶስ" ከም እትገልጽ ኮነት።
ሓዋርያ ጴጥሮስ "ብወንጌል ኣይሓፍርን፣ ንዚኣምን ዘበለ ንምድሓን ሓይሊ ኣምላኽ እዩ" ቢሉ እንክጽሕፍ “ወንጌል” ማለት እዚ ኢዩ ዝነበረ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣስዕብ ኣቢሎም ስብከት ኢየሱስ ጸኒሑ ኸኣ ስብከት ሓዋርያት ካብቲ ዓሰርተ ትእዛዛት ኣትሒዙ ኽሳዕ እቲ "ሓድሽ" ትእዛዝ ፍቕሪ "ካብ ወንጌል ዝመንጨወ ዅሉ ስነ-ምግባራዊ ግዴታታት" ከም ዝሓዘ ኣስተንተኑ።
እንተዀነ ግን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከምዚ ብምባል ኣስተንትኖኦም ቀጸሉ - "ናብቲ ሓዋርያ ጳውሎስ ዝኾነኖ ስሕተት ማለት ንሕጊ ካብ ጸጋ ንተግባራትድማ ካብ እምነት ዘቀድም ከይንወድቕ እንተድኣ ዘይደሊና ካብቲ ክርስቶስ ዝገበረልና ዘበሰረና ወትሩ ከም ብሓድሽ ክንጅምር ኣሎና" ኣሎና በሉ።
በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኢዮም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዕብ ኣቢሎም ኣብቲ ናይ ወንጌል ሓሴት ዝጸሓፍዎ ሓዋርያውዊ ምዕዳን "ካብዘን ክልተ ነገራት እታ ቐዳመይቲ ማለት ኵሉ ስነ-ምግባራዊ ሥርዓታት ዝምርኰሰሉ ብስራት ወይ 'ኣዋጅ' " ኣስፊሖም ገለጹ።
ናይ ስብከትና ምንጪ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ኣስተንትኖኦም ናብቲ ኻልኣይ ክፋል ክርስትያናዊ ስብከት ብምልስ ብምባል "ነቲ ምንጪ" ኬሪግማ እንከስተንትኑ "እቲ ስብከትና ዚእወጀሉ መገዲ ኽንዝክር ኣሎና" በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቀጺሎም ወንጌል "ብመንፈስ ቅዱስ" ኪስበኽ ከም ዘለዎ ገለጹ። "ብቅብኣት መንፈስ ቅዱስ ምስባኽ ኪበሃል ከሎ ምስቲ ሓሳባትን ሰረተ-እምነትን ህይወትን ዓሚቝ ምርዳእን" ከምኡውን "ብዜእምን (ቃላት) ጥበብ ዘይኰነስ ብመርኣያ መንፈስን ሓይልን" ምስባኽ ማለት እዩ።
ቅዱስነቶም ኣስዒቦም ነቶም ሰበኽቲ ኣብ ውሽጢ 10 ደቒቕ "ሓደ ሓሳብ ሓደ ርድኢት ከምኡውን ሓደ ጻውዒት" ኬመሓላልፉ ተማሕጸንዎም።
"ካብ 8 ደቒቕ ዝነውሕ ስብከት ኩሉ ግዜ ፋሕ ኢዩ ዝብል፣ ዋላ ሓደ ኸኣ ኣይርድኦን እዩ" በሉ። "ካብ 10 ደቒቕ ንላዕሊ ኣይትሕለፉ! እዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ" ክብሉ ድማ ተላበዉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ዘቕረብዎ ሓሳባት ኣብ ምዝዛም ገለ ገለ ብቐሊሉ ክዝረብ ዝኽእል እኳ እንተዀነ ካባና ዘይኰነስ ኣብ ውህበት መንፈስ ቅዱስ እንተድኣ ተመርኲሱ ብኸመይ ኣብ ግብሪ ክውዕል ከም ዝኽእል ብምግላጽ ኣስተምሃሩ ።
ሰበኽቲ ንክርስቶስ ብስብከቶም ምእንቲ ኺእውጁ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ኪወሃቦም ኪጽልዩ ኸም ዘለዎም ውን ኣመልከቱ ።
ካልኣይ ሰበኽቲ ንኢየሱስ ጐይታ ደኣ እምበር ንርእሶም ኪሰብኩ የብሎምን በሉ።
"ገዛእ ርእስኻ ኽትሰብኽ ዘይምድላይ ኪበሃል ከሎ ወትሩ ነቲ ብኣና እተተባብዑን ምስ ስምና እተተሓሓዘን ናይ ጕስነት ተበግሶታት ቀዳምነት ምሃብ ዘይኰነስ፣ እንተ ኣስተውዒልና ኣብ ናይ ማሕበረሰብ ተበግሶታት ወይ ብተኣዛዝነት ብፍታው ምትሕብባር ማለት እዩ" በሉ።
ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ መንፈስ ቅዱስ ንቤተ-ክርስትያን ሎሚ ንዘለዉ ሰብኡትን ኣንስትን ኣገልገልቲ ብኸመይ ብውጽኢታዊ መገዲ ወንጌል ክሰብኩ ከም ዝለዎም ክምህሮም ጸለዩ።