ድለ

2023.12.17 Papa Primo Piano 2023.12.17 Papa Primo Piano  

ር. ሊ. ጳ.፦ እምነት ናይ ህዝቢ መደንዘዚ ዘይኰነስ ምርኻብን ኣገልግሎትን እዩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ መበል 88 ዓመት ዕለተ ልደቶም ንምኽባር ካብቲ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ጥሪ ዝዝርጋሕ "ተስፋ" ዘርእስቱ ባዕሎም ዝጸሓፍዎ ታሪኽ ህይወቶም ዘዘንቱ መጽሓፍ እተወሰነ ሓሳባት ኣካፊሎም፣ እዚ ኸኣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቦነስ ኣይረስ ዘሕለፍዎ ናይ ቝልዕነት ዘዘንቱ ኮይኑ ብዛዕባ እቲ ብ2021 ናብ ዒራቕ ዝገበርዎ ሓውርያዊ ምብጻሕ ውን ዚገልጽ እዩ ዝነበረ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ኣብ ቡኤኖስ ኣይረስ ኣብ ዝርከብ ጻዕቂ ድኻታት ዝርከበሉ ቦታ "ጻዕቂ ደቅሰብ" እተመኮሩሉ ከምኡ ውን እቲ ብ2021 ኣብ ዒራቕ ዝተዓዘብዎ "ናብ ልቢ ዝውርወር ፍላጻታት" ኣብ ታሪኽ ሕይወት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ናይቲ "ተስፋ" ዘርእስቱ ምስ ካርሎ ሙሶ ብምትሕብባር እተጻሕፈ መጽሓፎም ቀንዲ ኣርእስትታት ኢዩ።

እዚ መጽሓፍ እዚ ብሞንዳዶሪ ዝተሰምየ ኢጣልያዊ ቤተሕትመት ተሓቲሙ ብ14 ጥሪ ናብ ልዕሊ 100 ሃገራት ክዝርጋሕ ኢዩ።

ብዕልተ 17 ታሕሳስ ማለት መበል 88 ዓመት ዕለተ ልደት ቅዱስነቶም "ላ ሪፓብሊካ" ኸምኡውን "ኢል ኮሪየ ደላ ሰራ" ዝስምያ ኣብ ኢጣልያ ዚሕተማ ኽልተ ጋዜጣታት ገለ ገለ ሓሳባት ካብዚ መጽሓፍ ኣሕተማ።

ቍልዕነት ኣብ ፍሎረስ ባርዮ

 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ኣብ ቡኤኖስ ኣይረስ ዘሕለፍዎ ግዜ ቍልዕነቶም ኣብቲ "እተሓላለኸ እተፈላለየ ዓሌታትን እተፈላለያ ሃይማኖታትን ከምኡውን እተፈላለየ ባህሊ ዘለዎም ንዕሽቶይ ዓለም" እንክዝክሩ ከምዚ በሉ - "ሓደ ሰብ ትሑት መነባብሮ ዝነበሮ ድኻ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምዃነይ ክነግረኒ ኸሎ ነዚ ብቑዕ ክኸውን ኢየ ዝጽሊ” በሉ። 

"ፍልልያት ንቡር እዩ ነይሩ ንሓድሕድና ድማ ንከባበር ነበርና" ውን ክብሉ ይምስክሩ። ምስ ናይ ካቶሊካውያንን ኣይሁዳውያንን እስላምን ፈተውቶም ዝነበሮ ርክብ ውን የዘንትዉ።

"ናይ ዘመና መግደላውያን"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ግዜ ቝልዕነቶም ኣመንዝራታት ኣብ ጐደናታት ቦነስ ኣይረስ ብምርኣዮም ዘሕለፍዎ ተመክሮታት የዘንትው፣ ነዚ ድማ ምስሊ ናይቲ "ጸልማትን ኣጸጋምን ውገን ህልውና" ክብሉ ይጽውዕዎ።

ጳጳስ ናይ ቦነስ ኣይረስ ከም ምዃኖም መጠን ንገለ ኻብዘን ንህይወተን ዘሐደሳ ደቂ ኣንስዮ መሥዋዕተ ቅዳሴ የእርጉ ነበሩ።

ሓንቲ ፖሮታ ዝስማ ሰበይቲ ከምዚ ዝስዕብ ክትብል ከም ዘዘንተወትሎም ውን ይዝክሩ "ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ እውን ከይተረፈ ኣብ ኵሉ ቦታ ኣመንዝራ ዀይነ ሰሪሐ እየ። ገንዘብ ውን ኣጥርየ ኢየ፣ ድሕርዚ ንሓደ ዝፈትዎ ዝንበርኩ ብዕድመ ዝደፍአ ሰብኣይ ኣፍቀርክዎ ። ምስ ሞተ ህይወተይ ለወጥኩ ። ሕጂ ጡረታ ኣሎኒ፣ ነቶም ጠዋሪ ዘይብሎም ኣረጋውያን ከኣ ክሕጸቦም እኸይድ ። ናብ ቅዳሴ ብዙሕ ኣይከይድን ኢየ፣ ንኵሉ ነገር ድማ ኣብ ኣካላተይ ኢየ ዝገብሮ ዝነበርኩ፣ ሕጂ ግን ነቲ ካልእ ሰብ ዘይግደሰሉ ኣካል ክከናኸኖ ኢየ ዝደሊ።"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነዛ ሰበይቲ እዚኣ "ናይ ዘመና መግደላዊት" ክብሉ ጸውዕዋ። ፖሮታ ቀቅድሚ ሙማቱ ኻብ ሆስፒታል ንመወዳእታ ግዜ ብናይ ስልኪ መስመር ረኸበቶም ምስጢረ ቀንዴልና ቅዱስ ቍርባንን ውን ተቐበለት።

"ከምቶም 'ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ዝቕድሙና' ሰባት ከምቶም 'ተቐበልቲ ቐረጽን ኣመንዝራታትን ' ከኣ ብጽቡቕ ሞት ሓለፈት ። ኣዝየ እየ ዝፈትዋ ዝነበርኩ ። ሕጂ እውን እንተ ዀነ ኣብ መዓልቲ ሞታ ምእንታኣ ምጽላይ ፈጺመ ኣይርስዖን እየ" ክብሉ ውን ጸሓፉ።

ምስ "ኣባ ፔፔ" ዕርክነት ምምስራት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ክዳውንቲ ዝሰርሑ ዝነበሩ እሱራት ውን ይዝክርዎም፣ ምስቶም ኣብ ቪላ 21 ኣብ ዝርከብ ቨርገን ደ ካኩፔ ቆሞስ ዝነበሩ ክቡር ኣባ ሆሴ ደ ፓኦላ ዝነበሮ ዕርክነት ውን ኣዘንተዉ። ቅዱስነቶም እቶም ሽዑ ጆርጅ ማሪዮ በርግልዮ ዝስመዩ ዝነበሩ ኣብ እዋን ጸዋዕታዊ ቅልውላዎም ክቡር ኣባ ፔፔ ደጊፎምዎም ኢዮም ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ እቲ "መንግስቲ ነኣርብዓ ዓመታት ዘይነበሮ" ናይ ድኻታታ ዞባን ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ወልፊ ሓሽሽ "ናይ ተስፋ ምቝራጽ መቕዘፍቲ ዘብዝሓሉ" ቦታ ክዛረቡ ኸለዉ "ኣብዚ ቦታ እዚ ቤተ-ክርስትያን ብዝያዳ ማእከል ክትገብረሉ ዘለዋ ኸባቢ ከም ኣባ ፔፔ ዝኣመሰሉን ገለ ምእመናንን ካህናትን ኣብ መንጎ እቶም ብቝጠባዊ ቅትለት እተደርበዩ ሰባት መዓልታዊ ብህይወት ይነብሩን ወንጌል ይምስክሩን ኣለዉ" ብምባል ይምስክሩ።

ሃይማኖት ናይ ህዝቢ መደንዘዚ ኣይኰነን ፣ እምነት ርክብ ኢዩ

ካብዚ ጭካነ ዝመልኦ ሓቅታት እዚ ሃይማኖት ከምቲ ገሊኣቶም ዝብልዎ "ናይ ህዝቢ መደንዘዚ ዘይኰነስ ንውልቀ-ሰባት ዘጸናንዕ ዛንታ ኢዩ" ዝብል ሓቂ ክቕልቀል ጀመረ።

ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ እተን ኣብ ቪላታት ከቢድ ጸገማት እናኣጋጠመን ክነሱ "ሳላ እምነትን ሳላ ሓዋርያዊ ጕስነትን ሲቪላዊ ተጸምዶን እየን ዕቤት ገይረን" በሉ። ልክዕ ከም እምነት "ኵሉ ኣገልግሎት ርክብ እዩ፣ ብፍላይ ከኣ ካብ ድኻታት ብዙሕ ክንመሃር ንኽእል ኢና።"

ናብ ዒራቕ ዚግበርዎ ሓዋርያዊ ጕዕዞን "ፍላጻታት ልብን" ሙሱል

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ካብቲ ኣብ ወሰናስን ከተማ ዘጋጠመ ፍጻመ ኣትሒዞም ኽሳዕ ዕንወት ዒራቕ ናይቶም ዝቘሰሉ ደቅሰብ ዘተኰረ እዩ ዝነበረ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብዛዕባ እቲ ኻብ ዕለት 5-8 መጋቢት 2021 ናብ ዒራቕ ኣብ ዝገበርዎ ታሪኻዊ ሓዋርያዊ ጕዕዞ ኺሓስቡ ኸለዉ ብዛዕባ እቲ ንሞሱል ዚውክላ "ፍላጻታት ልቢ" ገለጹ።

"ሓንቲ ኻብተን ኣብ ዓለም ዘለዋ ብጥንታውነታ ቐዳማይ ቦታ ዝሓዘት ከተማ እተፈላለየ ስልጣነታት ናብ መጺኣ ኽትከይድ ከላ ዝረኣየቶ ታሪኽን ልምድታትን ዝመልአት ኰይና፣ ኣብ ሓንቲ ሃገር እተፈላለየ ባህልታት ብሰላማዊ መገዲ ኸም ዝነበሩ ዜመልክት እዩ ነይሩ፣ እዚ ኸኣ ኣዕራብን ኩርዳውያንን ቱርካውያንን ክርስትያን ሱርጻውያንን ንሰለስተ ዓመት ብመንግስቲ እስልምና ድሕሪ ምቍጽጻሮም ከም ግራት ዑናታት ገይሮም እዮም ዝረኣዩኒ ዝነበሩ።"

ካብ ሄሊኮፕተር ምስ ምስ እትዕዘቦ እቲ ዞባ "ከም ናይ ጽልኢ ሰንጣቒ ሓይሊ ሓደ ኻብቲ ኣብዚ ግዜና ዘሎ ውጽኢታዊ ስምዒታት" ከም ዝመስል ገለጹ።

እተመረዘ ፍረ ውግእ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ኣብ ግዜ ኮቪድ-19 ዘጋጠመ ለበዳን ድሕንነትን እናተጋደደ ዝኸደ ኣጸጋሚ ዅነታት ውን ይዝክሩ።

"ዳርጋ ብዅሉ ሰብ ናባኡ ከይከይድ ምኽሪ ተዋህበኒ።... እንተዀነ ግን ብዛዕባ እታ "ሓባራዊ ኣቦሓጎታት ኣይሁድን ክርስትያናትን እስላምን" ዝዀነት ምድሪ ኣብርሃም ብምጥቃስ ከምዚ ክብሉ ጸሓፉ-

ብዛዕባ እቲ ናብ ሞሱል ኣብ ዝገበሮ ምብጻሕ ክልተ ሳዕ ናይ ቅትለት ፈተነ ከም እተገብረ ካብ ብሪጣንያ እተላእከ መጠንቀቕታ ውን ጠቐሱ ።

ክልቲኦም መጥቃዕቲ ዝፈነዉ ሰባት ብፖሊስ ዒራቕ ተታሕዞምን ተቐቲሎምን ኢዮም። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ "እዚ ኣዝዩ እዩ ኣገሪሙኒ" ብምባል ውን የጕልሑ። እተመረዘ ፍረ ውግእ እውን እዩ ዝነበረ" በሉ።

ካብ ግጭት ንላዕሊ ንርትዓዊ ኣተሓሳስባ ቐዳምነት ንምሃብ ዝቐረበ ጻውዒት

ይኹን እምበር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ብዕለት 6 መጋቢት ምስ ዓቢይ ኣያቶላ ኣሊ ኣል-ሲስታኒ ኣብ ናጃፍ ዝገበርዎ ርክብ "ቅድስቲ መንበር ንዓሰርተታት ዓመታት ተዳለወትሉ" ብምባል ናይ ተስፋ ብርሃን ረኸቡ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ ኣብ ቤት ኣል-ሲስታኒ ብመንፈስ ሕውነት እተገብረ "ዕርክነትን ኣባል ሓንቲ ስድራ ቤትን ከም ምዃና ስለ ዜመልክት ኣብ ምብራቕ ካብ ኣዋጃት ወይ ሰነዳት ንላዕሊ ብሉጽ ተግባራት እዩ ዝነበረ። "ንነፍሰይ ጽቡቕ ከም እተገብራልይን ክርን ዀይኑ ኢዩ ዝተሰምዓኒ" በሉ።

ኣያቶላ ነቶም ዓበይቲ ሓይልታት "ንኣተሓሳስባን ጥበብን ቀዳምነት ብምሃብ ንቋንቋ ውግእ ክገድፍዎ" ከም ዝጸውዖም ይዝክር። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም "ደቅሰብ ኣብ ሃይማኖት ኣሕዋት ወይ ኣብ ፍጥረት ማዕረ እዮም " ንእትብል ሓረግ ሞሳኦም ገለጹ ።

ህይወት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብተወሳኺ ኣብ ርእሲ እታ "ተስፋ" ዘርእስታ መስሓፎም፣ ኣብታ “ህይወት፡ ታሪኽ ህይወተይ ኣብ ታሪኽ” ዘርእስታ ኣብ ምስ ፋቢዮ ማርቸስ ራጎና ብምትሕብባር ዝጸሓፍዋ መጽሓፍ እተምርኮሰት ፊልም እውን ክንዝንቶ ኢዩ።

18 December 2024, 16:24