2024.12.05 Partecipanti all'Incontro promosso dalla Congregazione delle Suore Canonichesse dello Spirito Santo in Sassia 2024.12.05 Partecipanti all'Incontro promosso dalla Congregazione delle Suore Canonichesse dello Spirito Santo in Sassia  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር. ሊ. ጳ.፦ ገዳማዊ ሕይወት ብኻልኦት ኣቢልካ ንኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ገዛእ ርእስኻ ምፋይ እዩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነተን ኣብ ሳክሶኒ ዚርከባ ኣሓት ቀኖናውያን ደናግል መንፈስ ቅዱስ ተቐቢሎም ኣብ ዘለገሱለን ቃለ ምዕዳን ነቲ ኣብ ገዳማዊ ህይወት ዘሎ ድኽነት ከም ማእሰር ሓድነትን ተሳትፎን ገይረን ክቕበላኦ መዓድወን።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ትማሊ ሓሙስ ዕለት 05 ታሕሳስ ምስተን ብብፁዕ ጋይ ደ ሞንትፐልየ ኣብ ከተማ ሮማ እተመስረታ ኣብ ሳክሶኒ ዝነበራ ኣሓት ቀኖናውያን ደናል መንፈስ ቅዱስ ተቐቢሎም ኣዘራረብወን ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብ18 ግንቦት 2024 ነቲ ኣብ መበል 12 ዘመን ዝነበረ ፈረንሳዊ መነኮስ" ብፁዕ “ትሑትን ኣገልጋሊ" ቢሎም ድሕሪ ምጽውዖም እዚ ርክብ እዚ ስዒቡ ይርከብ ኣሎ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ትማሊ ሓሙስ ንኣሓት ቀኖናውያን ደናግል መንፈስ ቅዱስ ኣብ ዝለገሱለን ቃለ ምዕዳን "ብቐዳምነት ንድኻታት ንምክንኻንን ንምግልጋልን ገዛእ ርእሰን ንምውፋይ" ዘለወን ተልእኾ ኣዘኻኸርወን።

ብፁዕ ጋይ ደ ሞንትፐልየ ብስም ቅዱስቲ ስላሴ ንመምርሒታት ማሕበሩ ከም ዝጀመረን ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኢኖቸንት ሳልሳይ ዘቕረብዎ ተሓሶ ማሕበራት ሰብ ውፉይ ሕይወት ምላሽ ክህበሉ ኸም ዝጸዓረን ገለጹ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም ከምዚ በሉ - "ውጥን ኣምላኽ ኣብ 'ውሻጠ' ልቢ ብኸመይ ከም ዝበስል ከምኡውን እቲ መቐረትን ሕብርታቱን ቀስ ብቐስ ንሕግታት ህይወት ብኸመይ ከም ዘስፋሕፍሖን ንመወዳእታ ግዜ ድማ ኣብ መላእ ቤተ-ክርስትያን ተዘርጊሑ ምርኣይ ዘደንቕ ኢዩ" በሉ።

ሓድነት ዝፈጥር ወንጌላዊ ድኽነት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ መደረኦም ንኣገዳስነት ሓድነትን ድኽነትን ኣገልግሎትን ከምኡውን ኣብ መንጎኦም ዘሎ ምትእስሳርን ኣጕልሑ ።

ኣሓት ቀኖናውያን ደናግል ናተይ ዝብላኦ ዘይብለን ኮይነን ክነብራ መብጽዓ ድኽነት ክገብራ ዘለውን ኢያተን ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ እዚ መብጽዓ እዚ ካብቲ ብዛዕባ ጽኑዕን እተፈልየን ህይወት ዘሎ ዘመናዊ ርድኢት ንላዕሊ ምዃኑ ኢዩ ።

"እዚ ኸአ ኣብ ቤት ስላሴ ኣጋይሽ ምዃንና ኣፍልጦ ምሃብ ማለት ኢዩ፣ እዚ ቤት እዚ ሓንጐፋይ ኢሉ ኢዩ ዝቕበለናን፣ ነቶም ከነገልግሎም እተጸዋዕና ድኻታት ድማ ከም እነገልግሎም ይገብረና።"

መብጽዓ ድኽነት  ምስ ሓድነት ኣጸቢቑ ኸም ዝተኣሳሰር ውን ገለጹ፣ ወሲኾም ድማ እዚ መብጽዓ እዚ "ንዓይ እትብሎ ዘይብልካ ብምዃን ብኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣቢልና ንኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ እንውፈየሉ" ዘጠቓልል ምዃኑ ገለጹ።

ቅዱስነቶም ቀጺሎም "ኣብቲ ሕቡእ ክፍሊ ዓለማዊ ዋንነት ማለት ኣብ ግላዊ ጁባና ወይ ኣብ ገዛውትና 'ናተይ' እንብሎ ነገር ከይሓብእና ማለት ኢዩ" በሉ። "በዚ ናጽነት እዚ ጥራይ ኢና ናብቲ ኣምላኽ ዝጽውዓና ዘለኣለማዊ መንበሪና ኣብ እንገብሮ ጕዕዞ ምልክት ዝኸውን ናይ ሓባር ውጥናት ክንጅምር እንኽእል።"

ንድኻታት ብልግሲ ዚቕበሉ ኣገልገልቲ

ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነተን ኣብ ሳክሶኒ ዚርከባ ኣሓት ቀኖናውያን ደናግል መንፈስ ቅዱስ ንልበን ኰነ ንማሕበረሰበን ቤተ መቕደስ ቅድስቲ ስላሴ ንምግባር ኪዓያ ጻውዒት ኣቕረበለን ።

ገዳማዊ ህይወት "ብመንፈስ ቅዱስ ተደሪኽና ናብ ኣምላኽ እንኸደሉ ጕዕዞ እዩ፣ ኣብኡ ኸኣ ሰዓብቲ እቲ 'ንኸገልግል እምበር ንኸገልግልዎ ዘይመጸ' ክርስቶስ እቲ መድሓኒ ንኸውን፣ ንድኻታት እንቕበሎምን እነጸናንዖምን እንተ ዄንና ድማ መምህራን ህይወት ንኸውን" በሉ።

06 December 2024, 13:29