2024.12.06 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ሕሜታ ስብከት ወንጌል የዳኽሞ 2024.12.06 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ሕሜታ ስብከት ወንጌል የዳኽሞ  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ሕሜታ ስብከት ወንጌል የዳኽሞ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 6 ታሕሳስ ንማሕበር ደናግል ቀርመለሳውያን ልኡኻት መንፈስ ቅዱስ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ምስ ናይ ማሕበረን መንፈሳዊ ትውፊት ዝሰማማዕ ናይ ጸሎትን ስብከተ ወንጌልን ሕይወት ክመርሓ ይላበዉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

‘ወንጌል እንተዘይሰበኽኩ ወይለይ!’ እንክብል ቅዱስ ጳውሎስ ዝተዛረቦ ቃል ኣብ ልቢ ነፍሲ ወከፍ ጸጋ ጥምቀት ዝተቐበለ ሰብ ከቃልሕ ኣለዎ” ር.ሊ.ጳ. ነዚ ዝበሉ ዕለት 6 ታሕሳስ ብዙሓት ካብ ብራዚልን ገለ ክፋል ኤውሮጳን ዝመጻ ናይ ማሕበረን ዝኽሪ መበል 40 ዓመት ንኸብዕላን ናይቲ ማሕበር ሓዳስ ዓባይ ሓለቓን መማኽርቲ ዓባባይ ሓለቓን ንኽሓርያ ኣብ ዝካየድ 4ይ ሓፈሻዊ ዓውደ ጉባኤ ንኽሳተፋ ሮማ ንዝመጻ ኣባላት ማሕበር ቀርመለሳውያን ልኡኻት መንፈስ ቅዱስ ተቕቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ክኸውን እንከሎ፥ እዚ ዓመት ነተን ደናግል “ንኣገልግሎት ስብከተ ወንጌልን ምስፋሕ ቃል እግዚኣብሔርን መዓልታዊ ዝነብረኦ ተወፋይነት ዘዘኻኽር ዕድል እዩ” ቢሎም፥ ኣስዒቦም ኩሎም ክርስትያን ወንጌል ናብ መላእ ዓለም ናይ ምብሳር ግዴታ ኣለዎም ብምባል ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወት ኩሉ ግዜ ካብ ናይ ሕሜታ ፈተና ክቑጠቡ እንክላበዉ፥

"ሕሜታ ንስብከተ ወንጌል ዝቃወም እዩ፡ ምኽንያቱ ሕሜታ ንኻልኦት ክንኹንን ስለ ዝድርኸና፡ ወንጌል ኩሉ ግዜ ተቐባሊ እዩ!" ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ከም ቀርመለሳውያን ናይ ስብከተ ወንጌልን ጸሎትን ሕይወት ናይ ምንባር ፍሉይ ተልእኾ ከም ዘለወን ድማ ኣዘኻኺሮም፥ “ኣብ ማሕበርክን እዚ ኣብ እተፈላለየ ዓውድታት ነቲ ጥንታውን ውቁብን ትውፊት ቀርመለሳውያን ዝኽተል ወንጌል ንምስባኽ ዚግበር ዘሎ ናይ ተልእኾ ጻዕሪ ምስ ናይ ኣስተንትኖን ጸሎት ህይወትን ዝተኣሳሰር እዩ” ቢሎም ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዝዛዘሙ ኣፍሊጡ።

07 December 2024, 17:11