ር. ሊ. ጳ. ምስ ዓመተ ኢዮቤል እተተሓሓዘ "ኢየሱስ ክርስቶስ ተስፋና" ዝብል ኣርእስቲ ጀሚሮም
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
እቲ ናብ ዓመት ኢዮቤል ዚግበር ዝነበረ ምስንዳውት ናብ መደምደምታ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብፍላይ በታ ቅድስቲ ዓመት እተለዓዓለ ሓድሽ ተኸታታሊ መደብ ትምህርተ ክርስቶስ ጀሚሮም ኣለዉ ።
እዚ ሓድሽ ተኸታታሊ ትምህርተ ክርስቶስ እዚ ኣብ መላእ ዓመት ኢዮቤል ክቕጽል ኢዩ፣ ቅዉም ሓሳብ ናይዛ ዓመተ ኢዮቤል እዚኣ "ተስፋና ኢየሱስ ክርስቶስ ኢዩ" ዝብል ክኸውን ኢዩ።
ክልተ ወንጌላት ሓደ ዛንታ
ነዚ ሓድሽ ኣትኵሮ ናይዚ ዓመት ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ ንኢየሱስ "ዕላማ ጕዕዞና ንሱ ንባዕሉ ኸኣ ጎዳና ናይቲ ኽንስዕቦ ዘሎና ጕዕዞ ኢዩ" ብምባል ገለጽዎ።
እዚ ሓድሽ ተኸታታሊ ትምህርተ ክርስቶስ እዚ ካብ ህጻንነት ኢየሱስ ክርስቶስ ጀሚሩ ብወንጌል ማቴዎስን ሉቃስን ተሰንዩ ኣብ እተፈላለየ ኽፋላት ተኸፊሉ ክቕጽል እዩ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ እዞም ወንጌላት እዚኣቶም ብምስትንታን ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ተወልደን ንምሉኡ መስመር ብሉይ ኪዳን ተኸቲሉ ምስ ተገልጸትን እተፈጸመ "መሲሓዊ ትንቢታት ውን ዘክሩ" ብምባል ኣጽኒኦም ኣመልከቱ ። እዞም ክልተ ወንጌላውያን ንሕጻንነትን ቍልዕነትን ኢየሱስ እኳ እንተ ኣቕረብዎ ገለ ገለ ፍልልያት ግን ኣለዎም ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ወሲኾም "ቅዱስ ሉቃስ ወንጌላዊ ነቲ ፍጻመታት ከም ኣረኣእያ ማርያም እዩ ዘዘንተዎ" ብምባል ገለጹ። "ቅዱስ ማቴዎስ ወንጌላዊ ድማ ነዚ ብኣረኣእያ ቅዱስ ዮሴፍ ብምጕላሕ ፍሉይ ኣቦ ምዃኑ እዩ ዘርእየና ዘሎ" በሉ።
ጥንታዊ መርመራ መንነትን መበቆልና (DNA)
ወንጌል ማቴዎስ ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ኣብርሃም ኣትሒዙ ኽሳዕ ዮሴፍን ማርያምን ዝጸሓፎ መጽሓፈ ወለዶ ብምዝንታው እዩ ዚጅምር። ዝርዝር ስማት ናይቲ "ሓቀይና ታሪኽን ሓቅነት ህይወት ወድሰብን ንምርኣይ" ተባሂሉ ዝተዳለው ኢዩ።
"ኵሉ ኣብ ማርያምን ክርስቶስን ኪውዳእን ኪዕምብብን" ከሎ፣ ኣብ መደምደምታ እቲ ኢየሱስ እተወልደሉ እዋን እዩ ዛነብረ። ንዅሉ ስማት ወለዶታቱ ምዝርዛር "ሓቀይና ህይወት ወድሰብ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ይሓልፍ" ከም ዘሎ የርኢ።
ነፍሲ ወከፍ ስም ንሓደ ሓድሽ ምዕራፍ የመልክት ። ነፍሲ ወከፍ ስም "ፍሉይ መንነትን ተልእኾን የመልክት፣ ኣባል ስድራ ቤትን ህዝብን ምዃኑ፣ ኣብ መወዳእታ ኸኣ ነታ ምስ ኣምላኽ እስራኤል ጠቢቓ ኽትመላለስ እምነት ኢዩ ዘርእየና።"
ፍሉይ መዝገብ ወለዶታት
ሓደ ኻብቲ ኣብ ወንጌላት ዚርከብ እተፈላለየ ስነ-ጽሑፋዊ ቅዲ "ሓደ እኳ ንርእሱ ህይወት ዚህብ የልቦን፣ ኣብ ክንዳኡስ ከም ህያብ ካብ ካልኦት እዩ ዚቕበሎ" ዚብል ኣገዳሲ መልእኽቲ እዩ ዜመሓላልፈልና።
ሓረግ ወለዶታት ስድራቤት ኢየሱስ ነቶም ሕሩያት ህዝቢ ኣምላኽ ዘቝሙ ህዝብን ስድራ ቤታትን ብምስዓብ እምነት ኣቦታቶም ናብቲ ዝቕጽል ወለዶ የመሓላልፉ።
ኰይኑ ግን እቲ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ዚርከብ መዝገበ-ወለዶታት ካብቲ ኣብ ብሉይ ኪዳን ዚርከብ ኣዝዩ እተፈልየ እዩ። ብዘይካዚ ውን ስማት እተን ሓሙሽተ ደቂ ኣንስትዮ ማለት ትእማር ረኣብ ሩት ባርሴባ ማርያም ብዓልቲ ናዝሬት ተዘርዚረን ኣለዋ ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ከም ዝገለጽዎ እተን ቀዳሞት ኣርባዕተ ሓጥኣን ብምዃኖም ዘይኰነስ ሓደ ሓድነት ከም ዘለወን ገለጹ ። ግናኸ ንህዝቢ እስራኤል ጓኖት ብምዃነን እዩ።"
ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክት መበል 16 ዝጸሓፍዎ ወንጌል ማቴዎስ ብኣህዛብ ኣቢሉ ኢየሱስ ናብ ዓለም ከም ዝመጸ የጕልሕ ። "እቲ ናብ ኣይሁድን ኣህዛብን ዝገበሮ ተልእኾ ድማ ይርኢ" ንዝበልዎ ውን ጠቐሱ።
ማርያም፦ እታ ፍልይቲ ሰበይቲ
እታ ኣብቲ መዝገበ-ወለዶታት ተጠቒሳ ዘላ ናይ መወዳእታ ሰበይቲ ማርያም ኣደ የሱስ እያ። ከምቶም ቀዳሞት ኣርባዕተ ዘይኰነትስ "ኣብ ጐድኒ እቲ ኻባታቶም እተወልደ ሰብኣይ ወይ ኣብ ጐድኒ እቲ ዝወለደለን ሰብኣይ" ኣይኮነትን እተጠቕሰት።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም እዚ "ሓድሽ ጅማሬ እዩ ዘመልክት" ዚብል ንጹር መብርሂ ሃቡሉ፣ ከመይሲ ታሪኽ እዛ ሰበይቲ "ሰብኣዊ ፍጡር ዘይኮነስ እቲ ዝወልድ፣ ኣምላኽ ባዕሉ ደኣ እምበር" ንዝብል እዩ ዜብርሃልና።
ንዅሎም ሰባት እተዋህበ ልደት
ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብቲ ሓረክ ወለዶታት ክምዝገብ እንከሎ እታ "ተወልደ" እትብል ቃል ብምጥቃም ኢዩ ዝገልጾ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ኣስተንትኖኦም እዚ ልደዚ ንኣይሁድ ኰነ ንኣይሁድ ዘይኰኑን ከም እተፈጸመ ብምግላጽ ብዛዕባ እዛ ቓል እዚኣ ኣስተንተኑ።
ኢየሱስ ወዲ ንጉስ ዳዊት ስለ ዝዀነ 'ብዮሴፍ ኣቢሉ ናብ ስርወ-ንግስነት እቲ ተካኢ ዝኾነ መሲሕ ናይ እስራኤል ክኸውን ተመደበ።' እንተዀነ ግን ወዲ ጓኖት እውን ኢዩ፣ ስለዚ "ብርሃን ኣህዛብ" ክኸውን ተመዲቡ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብምቕጻል ንዅሎም ኣባኡ እተረኽቡ ሰባት "ንኣቦሓጎታትና ብምስጋና ንምዝካር ገዛእ ርእስና ነበራብር" ከምኡውን ነቲ "ብቤተ-ክርስትያን ኣዴና ኣቢሉ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ናብ ህይወት እቲ ተስፋና ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘምጽኣና" ኣምላኽ ከነመስግን ብምጽዋዕ ኣብ መደምደምታ ኣስተንትኖኦም በጽሑ።
ዕምባባታት ናይቶም ንኣሽቶ እምባባ
ኣብ መጀመርታ ኣስተምህሮኦም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ሓደ ሕቝፊ ዕምባባታት ኣብ ቅድሚ ቅርያት ቅድስቲ ተሬዛ በዓልቲ ኢየሱስ ህጻን ብምቕራብ ኣኽብሮቶም ገለጹ።
ኣብ መላእ እዚ ዓመት ኢዮቤል ኣብ ጥቓ ስጕምትታት እዚ ቅርያት እዚ ኣብታ ጥቓ መሳልል ስጳኛ ኣብ እትርከብ ቅድስቲ ሥላሴ ዘኣድባራት ተባሂላ እትፍለጥ ቤትክርቲያን ክቕመጥ ኢዩ።