ድለ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንሓደስቲ ካርዲናላት ካብ መገዲ ኢየሱስ ከቶ ኸይርሕቑ ተማሕጸንዎም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብጥበራ ሓይልን ስልጣንን ከይሰድዑ የግዳስ ወትሩ ብመገዲ ኢየሱስ ክመላለሱን ንምርኻብን ዘተን ከቐድሙ ባህጊ ኸሕድሩን ብምምሕጻን ሓደስቲ ካርዲናላት ሰዪሞም።

ኣባ ተውልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ቀዳም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ዕስራን ሓደን ሓደስቲ ካርዲናላት "ብመገዲ ኢየሱስ ብትሕትናን ኣድናቖትን  ከምኡውን ብሓጐስ ተመላለሱ" ብምባል ኣተባብዕዎም።

ልክዕ ከምቲ ኢየሱስ ናብ የሩሳሌም ብምድያቡ ናብ ዓለማዊ ኽብሪ ዘይኰነስ ናብ ክብሪ ኣምላኽ ዝደየበ ንሳቶም እውን ንጐይታ ማእከል ሕይውቶም ክገብርዎን ሓድነትን ሕብረትን ክሃንጹን ከም ዘለዎም ነቶም መዓርግ ካርዲናልነት እተቐበሉ ጳጳሳትን ካህናትን ኣዘኻኸርዎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ መበቈል እቶም ካርዲናላት እተመርጹ "ነታ ኣምላኽ ንዅሎም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ሰባት ምሕረት ከም ዝገበረሎም እትእውጅ ኣድማሳዊት ቤተ-ክርስትያን ዝገልጽ" ምዃኑ ብምሕባሮም ኣብ መጀመርታ ወርሒ ጥቅምቲ ነቲ ንጉባኤ ካርዲናላት ኣፍለጡ።

ብትሕትና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ደው በሉ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንወንጌል ማርቆስ ምርኩስ ብምግባር ኢየሱስ ኣብ የሩሳሌም እንደገና ህያዋን ምእንቲ ክገብረና ኣብ መስቀል ከም ሞተ ክብሉ መስከሩ። እቶም ደቀ መዛሙርቲ "ነቲ ዕዉት መሲሕ ዚኸውን ጥጡሕ መንገዲ ቍልቁለት" ኺሓስቡ ኸለዉ ንሱ ግና "ናብ ቀራንዮ ዘምርሖም ኣጸጋሚ ኵርባ" ከም እተጓዕዘ ገለጹ።

ኣስዒቦም ድማ ቅዱስነቶም ንዓናውን ተመሳሳሊ ነገር ከጋጥመና ከም ዝኽእል ገለጹ - "ልብና በቲ ሰብኣዊ ዝኾነ ንጐይታ ዘሎና ቅንኣት፣ በቲ መስድዒ ዝኾነ ናይ ክብርን ስልጣንን ሓይልን ከምኡውን በቲ ሰባት ንጐይታ ዘለዎም ቅንኣት ክሰድዕ ስለ ዝኽእል ክጋገ ዝከኣል ኢዩ።"

ቀጺሉ ድማ "ስለዚ ብትሕትና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ደው ክንብል ንውሽጥና ክንጥምት ኣሎና (...) ' ልበይ ናበይ እዩ ዚኸይድ ዘሎ? '  ናበይ እዩ ዘመርሕ ?  ምናልባት ግጉይ መገዲ ወሲደ ከይህሉ?"

"ውሽጥና ኽንጥምትን ብትሕትና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ደው ክንብልን ኣሎና!" በሉ።

ሓደስቲ ካርዲናላት እተሰየሙሉ ጉባኤ ካርዲናላት
ሓደስቲ ካርዲናላት እተሰየሙሉ ጉባኤ ካርዲናላት

ናብ ልቢ ንመለስ

ቅዱስ ኣቦ ኣብ ስብከቶም ኣስዒቦም እቶም ሓደስቲ ካርዲናላት ብመገዲ ኢየሱስ ንምምልላስ ዝከኣሎም ኵሉ ኣብ ምግባር ኣተኰሩ ።

"ብመገዲ ኢየሱስ ምምልላስ ልዕሊ ዅሉ ናብኡ ምቕራብ  ማእከል ኵሉ ነገር ምግባሩን ማለት እዩ" በሉ።  ነቲ ብሓቂ ዜገድስ ካልኣይ ጉዳይ ደጋዊ ትርኢትን ካብ ዝኾነ ኪጥንቀቑ ድማ ተላበውዎም።

እታ "ካርዲናል" እትብል ቃል ንዕቑብን ንድጋፍን ንምድልዳልን ኣብ ማዕጾ ዝርከብ መገጣጠሚ ከም እተመልክት ገለጹ ።

[ ፍቑራት ኣሕዋት ፦ ኢየሱስ ናይ ሓቂ ደገፍና ማለት "ማእከል ስሕበት" ኣገልግሎትናን ማለት ንብምሉኡ ህይወትና መምርሒ ዚህብ "ቐንዲ ነጥቢ" እዩ  ውን በሉ።]

ባህጊ ባህጊ ንምርኻብን ንምዝታይን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣስዕብ ኣቢሉ "ብመገዲ ኢየሱስ ምምልላስ ክበሃል ከሎ ንምርኻብ ባህጊ ምዅስኳስ ማለት ኢዩ" ብምባል ኣስዕብ ኣቢሎም "ኢየሱስ በይኑ ኣይተመላለሰን" በሉ።

ወሲኾም ድማ "ንቝሱላት ደቂ ሰብ ንምሕዋይ ጾር ልብና ንምቕላል ሓጢኣት ንምንጻህ ማእሰር ባርነት ንምብታኽ" ከም ዝመጸ ውን ገለጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ ኢየሱስ ኣብ መገዱ "ገጽ እቶም ዚሳቐዩን ተስፋ ዝሰኣኑን ኣጓኒፍዎ እዩ" በሉ ። ንዝወደቑ ኣተንስኦም ንሕሙማትን ንስቡራት ልብን ከኣ ኣሕወዮም።

ሓደስቲ ካርዲናላት እተሰየሙሉ ጉባኤ ካርዲናላት
ሓደስቲ ካርዲናላት እተሰየሙሉ ጉባኤ ካርዲናላት

ሃነጽቲ ሕብረትን ሓድነትን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒኖም "ብመገዲ ኢየሱስ ምምልላስ ኪበሃል ከሎ ኣብ መወዳእታ ሃነጽቲ ሕብረትን ሓድነትን ምዃን ማለት እዩ " ብምባል ብዛዕባ እቲ ንገዛእ ርእስና ኸም ውሉድ ሓደ ኣቦ መጠን ንኸይንርእያ ዚዓግተና "ካብ ሓሰኻ ውድድርን ምክፍፋል መንደቕ ጽልእን" ክጥንቀቑ ከም ዘለዎም ገለጹ።

ነቶም ካብ እተፈላለየ ድሕረ - ባይታን ባህልን ዝመጹ ከምኡውን ንካቶሊካዊት ቤተ - ክርስትያን ዝውክሉ ሓደስቲ ካርዲናላት "ናይ ሕውነት መሰኻኽር ናይ ሕብረት ጥበበይናታት ከምኡውን ሓድነት ዝሃንጹ" ክዀኑ ተማሕጸንዎም ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ቅዱስ ጳውሎስ 6ይ ኣብ ሓደ ጉባኤ ካርዲናላት ንዘቕረብዎ መደረ  ብምጥቃስ ከምዚ በሉ - "ኵሉ ሰብ ኣብ ቤት ኣቡኡ ከም ዘሎ ዀይኑ ክስምዖ ኣብ ግብረ-ሰናይን ንሓድነትናን ኣዝዩ ጐዳኢ ዝዀነ ግሉል ወይ ተነጽሎ ወይ ንኻልኦት ንምጕዳእ ዝግበር ጻዕሪ ከይህሉ ባህጊ ኣሎና።" በሉ።

ኣብ መደምደምታ ነቶም 21 ሓደስቲ ካርዲናላት "ንሓድሕድና ብፍቕሪ ኣሕዋት ነንሓድሕድና ንፋቐር ገላዉ ወንጌል ከኣ ንኹን" ክብሉ መዓድዎም።

"ብመገዲ ኢየሱስን ብትሕትናን ብኣድናቖትን ብሓጐስን ተመላለሱ።" ብምባል ድማ ስብከቶም ዛዘሙ።

ሓደስቲ ካርዲናላት እተሰየሙሉ ጉባኤ ካርዲናላት
ሓደስቲ ካርዲናላት እተሰየሙሉ ጉባኤ ካርዲናላት
ጉባኤ ካርዲናላት እተሰየሙሉ ናይ 2024 ጉባኤ ካርዲናላት
09 December 2024, 15:37