ናይ ውርሒ ታሕሳስ ሓሳብ ጸሎት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት - 'ንነጋድያን ተስፋ'
ኣባ ተውልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
"እዛ እትመጽእ ዘላ ዓመተ ኢዮቤል ነቲ ዝተንስአ ክርስቶስ ማእከል ህይወትና ንኽንገብሮን ናብ ክርስትያናዊ ንግደት ተስፋ ንኽንቅይሮን ብምሕጋዝ ብእምነትና ምእንቲ ኸበርትዓና ንጸሊ።"
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ከም ሓሳብ ጸሎት ወርሒ ታሕሳስ ዝመረጽዎ ኣርእስቲ ንምምልካት ትማሊ ሰሉስ ኣብታ መልእኽቲ ሓሳብ ጸሎት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝሓዘት ቪድዮ ኣሕቲሞም፣ እዚ ሓሳብ ጸሎት እዚኣ ድሮ ልደት ዓመተ እልልታ 2025 ክትጅመር ክንድ ዝኾነ ኢዩ።
ደቅሰብ ተስፋ ኸም ዘድልዮም ብምግላጽ ንዓለምና ዜሳቕያ ብዛዕባ ዘሎ መከራ ጓሂኦም ገለጹ ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንተስፋ ኣብ ህይወትና መልህቕ ኢሎም ብምጽዋዕ "ክርስትያናዊ ተስፋ ንህይወትና ብሓጐስ ዝመልእ ውህበት ኣምላኽ ኢዩ" በሉ።
"ነቲ ገመድ ተስፋ ኣጽኒዕና ኽንሕዞ ኣሎና " ክብሉ ውን ተማሕጸኑ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣስዕብ ኣቢሎም ንዅሎም እቶም ኣብ ከባቢና ዘለዉ ሰባት ውህበት ተስፋ ምእንቲ ኽንከውን ኣምላኽ ንህይወትና ብተስፋ ኺመልኦ ንኹሎም ክርስቲያን ምእመናን መጸዋዕታ ኣቕረቡ።
"ነዚ ምስ ክርስቶስ ህይወት ዚህበና ንምርካብ ንሓድሕድና ንተሓጋገዝ ንህይወት ንምኽባር ከኣ ከም ነጋድያን ተስፋ ንንበር" በሉ። "ናብታ እትመጽእ ዘላ ዓመተ ኢዮቤል ምእታው ከኣ ኣብ ህይወት ንምእታው እቲ ዚቕጽል ደረጃ እዩ።"
ቤተ-ክርስትያን ንዓመተ ኢዮቤል ኽትዳሎ ኸላ ኩሎም ሰዓብቲ ካቶሊካዊ እምነት ናይ ተስፋ ነጋድያን ኪዀኑ ይጽውዑ ኣለዉ፣ እዚ ድማ ፍረ ነገር ናይዛ ቅድስቲ ዓመት 2025 ኢዩ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም "ተስፋ ኣይተሕፍትን፣ ኣይትረስዑ" በሉ።
መልእኽቲ ተስፋ ኣብ መንጎ ፈተናታት ህይወት
እቲ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዓለምለኻዊ መርበብ ጸሎት ምስዚ ናይ ጸሎት ዕላማ ኣተሓሒዙ መልእኽቲ ኣውጺኡ ይርከብ ኣሎ፣ ናይ ቪድዮ መልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናይዛ ወርሒ እዚኣ ምስቲ ብዛዕባ ጉዳያት ስብከተ ወንጌል ዝሓሊ ለዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ብምትሕብባር ከም እተዳለወ ውን ኣመከተ ።
ብዕለት 27 መጋቢት 2020 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ እተኻይደ ስግደት ቅዱስ ቍርባን ለበዳ ኮቪድ-19 ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን ንበይኖም ኣብ ዘካየድዎ መደብ ጸሎት ነቲ ደቂ ሰብ ኣብ እዋን ከቢድ ፈተናታት ዘለዎም ተነቃፍነት ንምዝካር ናይታ ብማዕበል እትናወጽ ዝነበረነር ጃልባ ከም ምሳሌ ብምውሳድ ኣስተንተኑ።
ሕጂ ውን ዓለም ኣብ እተፈላለያ ሃገራት ግጭትን ውግእን የጋጥማ ስለ ዘሎ ቤተ-ክርስትያን ንተስፋኣ ናይ ምድልዳልን ንዓለም ናይ ምክፋልን ሓላፍነት ኣለዋ።
እቶም ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ስብከተ ወንጌል ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ሊቀ-ጳጳሳት ሪኖ ፊሲኬላ ኣብቲ ዘመሃላለፍዎ ጋዜጣዊ መግለጺ እቲ ኣብ ዓለምና ዘጋትም ዘሎ ኽርክር ወይ ጸገማት ብዘየገድስ ኵሎም ክርስትያን ተስፋ ክቘርጹ ከም ዘይብሎም ገለጹ።
ብፁዕነቶም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ "ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ እተመስረተ ብምዃን ተስፋ ዘየቝርጽ መልእኽቲ ምእንቲ ኽቕበል በዛ ቪድዮ እዚኣ ኣቢልና ንጸሊ" ውን በሉ።