ር. ሊ. ጳ. ንቤተ ክህነትን ሰብ ውፉይ ሕያወትን ኮርሲካ፦ ንዅሉ ይቕረ በሉ፣ ወትሩ ይቕረ በሉ
ኣባ ተወልደ መብርህሩ - ሃገረ ቫቲካን
ጳጳሳትን ካህናትን ዲያቆናትን ሰብ ውፉይ ሕይወትን ከምኡ ውን ተመሃርቲ ዘርኣ ክህነት ኮርሲካ ትማሊ ሰንበት ዕለት 15 ታሕሳስ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ሓቢሮም ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ኣዕሪጎም ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ኣብቲ ናብ ሓንቲ ካብተን ደሴታ ፈረንሳ ኣብ ዝገበርዎ ሓዋርያዊ ምብጻት እቲ ኻልኣይ መደቦም ምስ ቤተክህነት ኮርሲካ ምርኻብ ኢዩ ዝነበረ። ኣብቲ ዘካረድዎ ምርኻብ ነቶም ኣብኡ እተረኽቡ ኣብ መንጎ ብድሆታት እውን ከይተረፈ ስለቲ መዓልታዊ ዝገብርዎ ጻዕሪ ኣመስገንዎም።
ብገለ ውሑት ዝተባረኹ
ገለ ኻብዚ ብድሆታት እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ሎሚ ሒደት ሃብቲን ሒደት ብዝሒ ሕብረተሰብ ከኣ ዘይግደሰሉ ኣውሮጳ ወንጌል ንምስፍሕፋ ንዝገብሮ ቃልሲ ኣፍልጦ ሃቡሉ ። ይኹን እምበር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነዚ 'ድኽነት' እዚ ከም በረኸት ገይሮም ገለጽዎ፣ እዚ ኸኣ "ብጻዕርታትና ዕዉታት ከም ዝዀንና ኣምሲሉ የጥፍኣና ኣሎ" ብምባል ገለጽዎ። በዚ ኸምዚ ንዅሎም እቶም ኣባኡ እተረኽቡ ቤተክህነት ጉዳዮም ብዛዕባ "ኣነ" ዘይኰነስ ብዛዕባ ኣምላኽ ምዃኑ ኣዘኻኸረዎም። እዛ ትሕትና እዚኣ ኣብቲ ምሕና እነወፍዮ ነገራት ዚዓዪ ክርስቶስ ከም ከም ምዃኑ ኣጕልሕ ።
ብርሕዚ ቅዱስነቶም ንነፍሲ ወከፍ ኣብኡ እተረኽበ ካብ ቤተክህነት 'ንክህነተይ ንመብጽዓይን ከምኡ ውን ከም ወደመዝሙር መጠን ብኸመይ እነብር ኣሎኹ ? ' ቢሉ ክሓትት ኣተባብዕዎም።
ንርእስኻ ተኸናኸን ንኻልኦት ውን ተኸናኸን
ኣስዒቦም ድማ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ኣባኡ እተረኽቡ ኣብ ክልተ ዓይነት ክንክን ማለት ንገዛእ ርእሶም ክከናኸኑን ንኻልኦት ክከናኸኑን ዓደሞዎም ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንሰባት ንገዛእ ርእሶም ክኣልዩ ድሕሪ ምዝኽኻር ነቲ መንፈሳዊ ጸዋዕታኦም ብሕብረት ዝተወፈዩሉ "እወ" ዘይኰነስ መዓልታዊ ተሓድሶ ምዃኑ ገለጹ። "ብዘይጐይታ ህያው ዝኸውን የልቦን" ክብሉ ውን ኣጠንቀቑ፣ ንእተወሰነ ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ቍርባን ብኣምልኾን ብስቕታን ግዜ ምሕላፍ ኣድላዪ ምዃኑ ውን ኣጕልሑ። ሓይልና ምእንቲ ኸይጽንቀቕ ንህይወት ብዚግባእ ሚዛኑ ምሕላው ኣገዳሲ ምዃኑ እውን መስከሩ ። ንዕረፍቲ ንዘተ ከምኡ ውን ሕሉፍ ሓሊፉ ንብሕታዊ ረብሓ ዝኸውን ግዜ ከም ዘድልዮም ገለጹ ሕውነት እውን ኣድላዪ ምዃኑ ኣመልከቱሎም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ግዜ እቲ ብዛዕባ እቶም ዘገልግልዎም ሰባት እንክዛረቡ ንቅዱስ ጳውሎስ ብምጥቃስ "ብሓጐስ ክውፈየልኩም ንዓኻትኩም ክውፈን ኢየ" ውን በሉ። ስብከተ ወንጌል ነቲ ናይ ቀደም ሜላታት እንደገና ንምግምጋምን ምስ ሰባት ንምርኻብ ሓድሽ መገድታት ንምቕባልን እምነትን ክእለትን ትብዓትን ከም ዘድሊ ውን ገለጹ ። ልዕሊ ዅሉ ግና ተስፋ ክርስቶስ ናብ ስቓይ ናብ ዝጠፍኡ ከምኡውን ናብ ኵሎም እቶም ትርጕም ኪረኽቡ ሃረር ዝብሉ ሰባት ብዛዕባ ምኻድ ምዃኑ ገለጹ። እዚ ኸኣ ብፍላይ ኣብ ሥርዓተ ዕርቅን ድንጋጽን ይቕረታን ተቕባል ምስታፍ ማለት ኢዩ።
ቅዱስ ኣቦና ብምቕጻል ብዛዕባ ይቕረ ምባል ከምዚ ክብሉ ተማሕጸኑ - "በጃኹም ኵሉ ሳዕ ይቕረ በሉ ። ንኵሉ ውን ይቕረ በሉ" ክብሉ መዓድዎም። ሓደ ጥበበኛ ካርዲናል ንኻህናቱ ብዙሕ ሕቶታት ከይሓቱ ከም ዝተላበዎም ብምዝኽኻር ውን ከምዚ ዝስዕብ ብምባል መዓድዎም - "ሓደ ሰብ ብሕፍረት ወታእታእ እንተ ኢሉ፣ 'ሕራይ ተረዲኡኒ ኣሎ። ቀጽል።'ቢልኩም ኣተባብዕዎ"፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ ይቕረ ምባል ንልቢ ኣምላኽ ከም ዜንጸባርቕ መጠን ወትሩ ይቕረ በሉ! ክብሉ ውን ተላበውዎም።
"ካህን ኰይነ ኣብ ዘሕለፍክዎ 55 ዓመታት ንወላ ሓደ እኳ ፍትሓት ከልኪለ ኣይፈልጥን እየ። ምንዛዝ ባህ እዩ ዚብለኒ ። ኵሉ ሳዕ ይቕረ ኽብለሎም እየ ዝደሊ ዝነበሩኩ" ውን በሉ።
ንማዱኑቺያ ምጽዋዕ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ምዝዛም ቃለ ምዕዳኖም ምስቲ ጉባኤ ጸሎተ መልኣከ እግዚአብሔር ቅድሚ ምድጋሞም ነታ ኣብቲ ኸባቢ ብማንዲኑቺያ እትፍለጥ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣማላድነታ ጸውዑ።