ር. ሊ. ጳ.፦ 'ውግእ ንጸገማት ኣይፈትሖን እዩ'
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ዘመሓላለፈዎ ቃል ምሕጽንታ ሰላም ንምርካብ ጸሎት ኣድላዪ ምዃኑ እንደገና ኣጕልሑ ።
"ውግእ ሰብኣዊ ስዕረት እዩ" ድማ በሉ። "ውግእ ንጸገማት ኣይፈትሖን እዩ።"
ኣብ መላእ ዓለም ቀጻሊ ግጭታት ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብፍላይ ምእንቲ "ሕዝቢ ዩክረይን" ማለት ምእንቲ ፍልስጥኤም እስራኤል ከምኡውን ምያንማር ጸልዮም። ኣብ ነፍሲ ወከፍ እዘን ሃገራት እዚኣተን "ብዙሓት ቈልዑ ይቕተሉ ብዙሓት ንጹሃት ሰባት ይሞቱ" ከም ዘለዉ ዝስምዖም ዘሎ ጓሂ ገለጹ።
ቅዱስነቶም ኣብቲ ዘመሓላለፍዎ ቃል ምሕጽንታ "ውግእ ክፉእ እዩ፣ ውግእ ጥፍኣት እዩ" ክብሉ ውን ኣጠንቀቑ።
ኵሉ ሰብ ወትሩ ኺጽሊ ብምትብባዕ ሰላም ንኽሰፍን ኸም ብሓድሽ ጻውዒት ኣቕረቡ ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም "ጐይታ ናብ ሰላም ምእንቲ ኼምጽኣልና ንጸሊ" በሉ።
እተረስዐ ግጭት
እቲ እተመርጸ መንግስቲ ብዕልዋ ካብ ዝግልበጥ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ምያንማር ናብ ግጭት ተሸምሚማ ትርከብ ኣላ፣ እዚ ድማ ሞትን መከራን ከም ዝቕጽል ጌርዎ ኣሎ ። ዋዕላ ሰብኣዊ መሰላት ው. ሕ. ሃ. ቍጽሪ እቶም ዝሞቱ ሲቪል እናወሰኸ ክኸይድ ከም ዘሎ እንተ ኣመልከተ፣ ካብ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ "ናይ መአረምታ መስርሓት" ክግበረሉ ጻውዒት ኣቕረቡ።
ብቤት ምኽሪ እተሸሙ ኽኢላታት ከም ዝገለጽዎ "ሕጂ ካብ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ንህዝቢ ምያንማር ደገፍ ይጐድሎም ከም ዘሎ ናይ 6,000 ሰባት መዘኻኸሪታት ኣሎ።
ክኢላታት ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ንኣገዳስነት እቲ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዘሕድሮ ጽልዋ ውን የጕልሕ ኣሎ።
"ኣህጉራዊ ስጕምቲ ለውጢ ኸም ዜምጽእ ንፈልጥ ኢና" ውን በሉ። "እቶም ተቐናቐንቲ ኣካላት ነቲ ንሰላማውያን ሰባት ንምጥቃዕ እትጥቀመሉ ኣጽዋር ከም ዝነከዮ ውን ተፈሊጡ ኣሎ።"