ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ወንጌል ተስፋ ብሓደ ብፍላይ ከኣ ንማሕበረሰብ ሮማ ብሓድነት ምእዋጅ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ "ኣብ ንግደት እምነትን ግብረ ሰናይን ተስፋን መጓዕዝቲ ብጾት" እንክብሉ ነቶም ሽዱሽተ ወከልቲ ናይታ ኣብ ሮማ እትርከብ ባፕቲስት ቤተ ክርስቲያን ልኡካነ ወንጌል ንግሆ ዕለት 12 ታሕሳስ ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡን፥
ሕውነታዊ ሰላምታ
ቅዱስነቶም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ንዅሎም ኣባላት ናይ ባፕቲስት ቤተ ክርስቲያን ወንጌላዊት ሮማ በቶም ዝተቐበልዎም ልኡካን ኣቢሎም ምዉቕ ሰላምታ ኣመሓላሊፎም፥
እዚ ሕድ ሕዳዊ ምልውዋጥ ሰላምታ ዝዀነ ይኹን ነገር ኰነ ዋላ ሓደ ኻብ ፍቕሪ ኣምላኽ ኪፈልየና ኸም ዘይክእል ርግጸይናታት ክንከውን ዘኽእለና እዩ!
ወንጌል ተስፋ ብሓደ ምእዋጅ
ቢሎም፥ "ኣብዚ ርግጸይናታት እዚ ብሓባር ደው ክንብል እንኮለና ብንጡፍ ግብረ - ሰናይ ኣቢልና ጸሎትን ኣገልግሎትን ብምክፋል እንነብሮ ተመክሮታት እሙናት መሰኻኽር ይገብረና።
መንፈስ ቅዱስ የነቓቕሓናን ኣባና ድማ ነቲ ብሓደ ድምጺ ተስፋ ወንጌል ንምእዋጅ ትብዓትን ሓጎስን የሐይል!
ሕውነታዊ ምትሕብባር ኣብ መንጎ ክርስትያናት
“ኣብ መንጎ ክርስትያን ዝንበር ምስክርነት ሕውነታዊ ምትሕብባር ንገዛእ ርእሱ ምልክት ቀዳማይ መጋበርያ ስብከተ ወንጌል ንረብሓ ኩሉ እዩ”፣ ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ “ብወንጌል ዝተደፋፍአ ናይ ተግባር ሓድነት ብሓድሕዳዊ ምፍላጥን ምክብባርን" ናብ ምሉእ ሓድነት እምነት የቕርበና፡
ንበዓል ልደት ትምኒት እንሆ፤
ናይ ሓባር ምድራዊ ጉዕዞና “ኣብ እግዚኣብሄር ተስፋ ግበር፡ ጽናዕ፡ ልብኻ ኣይሸበር፡ ብእግዚኣብሄር ድማ ተስፋ ግበር” ብዝብላ ቃላት መዝሙረ ዳዊት ምልኩት ይኹን” እንክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝዛዘሙ ኣፍሊጡ።