ር. ሊ. ጳ. ኣብ ቅዳሴ፦ ክርስቶስ ኣብ ኵሉ ግዜን ኣብ መንጎ ዅሉ ጸበባን ሓጐስና እዩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ መበል 47 ሓዋርያ ጕዕዞኦም ዝከይድዎ ናይ መወዳእታ መደቦም ኣብ ኮርሲካ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም። ቅዱስነቶም ኣብ ስብከቶም ነቶም እሙናት ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ብድሆታት ብትሕትናን ብተስፋን ብተግባራት ግብረ - ሰናይን ክዳለዉ ብምምሕጻን መንፈሳዊ ተሓድሶን ትጽቢት ምጽኣት ክርስቶስን ከደንፍዑ ጻውዒት ኣቕረቡሎም ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቭቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ናብ ኮርሲካ ዘካየድዎ ናይ ሓደ መዓልቲ ሓዋርያዊ ጕዕዞ ኣብ መዛዘሙ ሕዝባዊ መደቦም ኣብቲ ኣጃቺያ ደ ኣውስተርሊትስ ዝተሰምየ ቅርዓት መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጐም።

ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ዝለገስዎ ስብከት ቃል ኣምላኽ ካብ ብቃላት ናይቲ ምምጻእ ናይ  መሲሕ ዝኣወጀ ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቕ ተበጊሶም ንዅሎም እቶም ኣባኡ እተረኽቡ መንፈሳዊ መልእኽቲ ተሓድሶ ኣመሓላለፉሎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ከም ዝገለጽዎ ኣብዚ እዋን እዚ እቶም ህዝቢ ንዮሃንስ መጥምቕ "ሽዑ እንታይ ክንገብር ኣሎና ? " ክብሉ ከም ዝሓተትዎ ጠቒሶም፣ እዛ ሕቶ እዚኣ ኻብቶም ከም ፈሪሳውያንን ምሁራት ሕግን ዝኣመሰሉ ከም ጻድቃን ዚርኣዩ ዝነበሩ ሰባት ዘይኰነስ ካብቶም ከም ተቐበልቲ ቐረጽን ወተሃደራትን ዝኣመሰሉ "ወጻእተኛታት" ተባሂሎም ዚጽውዑ ዝነብሩ ሰባት እያ ዝመጸት በሉ። እዞም ብሕሉፍ ህይወቶም ዚሳቐዩ ዝነበሩ ሰባት ብምትላልን ብዓመጻን ስለ እተበሳጨዉ መገዶም ኪቕይሩ ደለዩ ። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ ለውጢ ንኺገብሩ ጻውዒት ኪቕበሉ ድሉዋት እዮም ዝነበሩ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣስዒቦም መልእኽቲ ወንጌል ብልክዕ ከምዚ ኸም ዝገብር ነቶም ምእመናን ኣዘኻኸርዎም ። ኣብዛ ሎሚ ዘላ ዓለም ልክዕ ከም ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዝፈጸምዎ ጌጋታት ብዘየገድስ ንስሓ ንምግባር ንዝቐርበሎ ጻውዒት ኵሉ ሳዕ ክፉት ከም ምዃኖም  ገለጹ ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም እዚ " እንታይ ኽንገብር ኣሎና? " ዝብል ሕቶ ኣብዚ ዘመነ ምጽኣት ኩልና ንገዛእ ርእስና ክንሓቶ ዘለና ሕቶ ኢዩ ብምባል ቅዱስነቶም በዚ ከምዚ ብትሑት ልቢ ንምጽኣት ጐይታ ክንቀራረብ ከም ዝለኦና ተላበዉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጵሳት ኣብ ኮርሲካ ኣብ መሥዋዕተ ቅዳሴ
ርእሰ ሊቃነ ጳጵሳት ኣብ ኮርሲካ ኣብ መሥዋዕተ ቅዳሴ

ጥርጣሬ ወይ ሕጉስ ትጽቢት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም ነቲ መሲሕ ዚጽበየሉ ኽልተ ኣዝዩ እተፈላለየ መገድታት ኣጕልሑ ። እታ ቐዳመይቲ ብዓይኒ ጥርጣሬ እታ ኻልአይቲ ኸኣ ብታሕጓስ ትጽቢት ምግባር እያ ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ጭንቀትን ምጥርጣርን ኣብ ዓለማዊ ሻቕሎትን እተመስረተ ጥርጣሬ ብቐዳምነት እንክገልሱ ሓጐስ ንኸይንረኽብ ከም ዝዓግተና ኣመልከቱ ። ኣብ ገዛእ ርእስና ዝያዳ ብዘተኰርና መጠን እናወሰኸ ብዝኸደ መጠን ውን ከም ዮናስ ነቲ ኣምላኽ ዝገበረልና ምድላዋት ብዝያዳ ኸም እንርስዖ ገለጹ ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነዚ ኣተሓሳስባ እዚ ፈውሱ ኣብ እምነትን ጸሎትን እተመርኰስካ ምዃኑ ከም ምዃኑ ውን ኣጕልሑ፣

ኣብቲ ግዜ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንመሲሕ ብሓጐስ ክጽበዩ ብምዝራብ ነቶም እምእመናን ብዛዕባ ምምጻእ ጐይታ ብሓጐስ ክጽበዩ ኣተባብዕዎም። ክርስትያናዊ ሓጐስ "ዕምቈት ዘይብሉ ወይ ዘይልሙድ" ከም ዘይኰነ ውን ገለጹ። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ ኣብ ልቢ እተመስረተን ኣብ ድልዱል መሰረት እተሃንጸን ሓጐስ እዩ ። ጐይታ ኣብ ማእከሎም ስለ ዘሎ ዓወትን ድሕነትን ዘምጽአ ነብዪ ጸፎንያስ ንህዝቡ ኽሕጐሱ እተዛረቦም ቃላት ውን ዘከሩ ። "ምምጻእ ጐይታ ምድሓን የምጽኣልና ምኽንያት ሓጐስና ኸኣ እዩ" በሉ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ እዚ ሓጐስ እዚ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብርታዐን ሰላምን ምርካብ ደኣ እምበር ጸገማት ህይወት ምርሳዕ ኣይኰነን በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ኮርሲካ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ኮርሲካ

ዕዮ ኣከባቢያዊ ማሕበረሰብ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ መደምደምታ ስብከቶም ነቲ ኣብቲ ኸባቢ ዝርከብ ማሕበረሰብ ኣጃቺያ ብፍላይ ከኣ ነቶም ናይ ግብረ - ሰናይ ተግባራትን ብተወፋይነት ንህይወት ቤተ - ክርስትያን ዘበልጽጉ ዘለዉ ማሕበራት ሰብ ውፉይ ሕይወት ዓብዪ ዕዮ ኣፍልጦ ሃቡሉ። ነቶም እመናን ድማ ነቶም ስኡናት ከገልግሉ ማለት ነቲ ናይ ክርስቶስ ሓጐስ መንፈስ ቅዱስ ኣብቲ ተግባር ምሕረቶም ዘንጸባርቕዎ ግብሪ ክቕጽሉ ተማሕጸንዎም ።

ኣብ ዘመነ ምጽኣት ስለ ዘሎና ድማ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸኮ ነቶም ምእመናን  ብፍላይ ከኣ ነቶም ንጥምቀትን ንቅዱሳት ምስጢራትን ዝዳለዉ ዘለዉ መንእሰያት ሰላምን ተስፋን ከማዕብሉ ተማሕጸንዎም። ሓጐስ ናይታ ቤተ-ክርስትያን "ኣገባብ" ስብከታ ከም ምዃኑ ውን ኣዘኻኸርዎም፣ እዚ ድማ ብርሃን ክርስቶስ ናብታ ኣዝዩ ዘድልያ ዓለም ከም ዘምጽእ ኣስመሩሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብተደጋጋሚ ነቶም እመናን ወትሩ ነቶም ጥበብ እቲ ህዝቢ ዝኾኑ ኣረጋውያንን ሽማግሌታትን ኪከናኸንዎም ዓደምዎም። ብዛዕባ ብዝሒ ናይቶም ኣብ መሥዋዕተ ቅዳሴ እተሳተፉ ቘልዑ ሓሳባቶም እንከካፍሉ ድማ ነቶም ኣብ መላእ ዓለም ብውግእ ዝሳቐዩ ዘለዉ ብዙሓት መንእሰያት ብፍላይ ከኣ ነቶም "ፍሽኽታ ረሲዖምዎ ዘለዉ" ደቂ ዩክረይን እውን ፍሉይ ክንክን ክግበረሎም ተማሕጸንዎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ኮርሲካ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ኮርሲካ

ሓጐስ ክርስቶስ ኣብ ማእከል ኵሉ ጸበባ

ኣብ መወዳእታ ቅዱስ ኣቦና ነቲ ኣብዛ እዛ ሎሚ ዘላ ዓለምና ዜጋጥማ ዘሎ ብድሆታት ኣተኲሮም ተዛረቡ። "ኣብዛ ሎሚ ዘላ ዓለምና ጓህን ተስፋ ምቝራጽን ከም ዝህሉ ዝገብር ብዙሕ ምኽንያታት ኣሎ" ብምባል "ክቱር ድኽነት ውግእ ብልሽውና ከምኡውን ዓመጽ" ክብሉ ዘርዘሩ። ይኹን እምበር ቃል ኣምላኽ የተባብዓና እዩ ። እዚ ዅሉ መከራ እናሃለወ ኽነሱ ጐይታ ቐረባና ስለ ዝዀነን ኣብ ቅድሚኡ ሰላምን ፍትሕን ንምርካብ ክንዓዪ ብርታዐ ስለ እንረክብን "ቤተ-ክርስትያን ዘየሕፍር ዘይነቓነቕ ተስፋ እያ እትእውጅ።" ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብክርስቶስ ዚርከብ ሓጐስ ምንጪ ሓጐስና "ኣብ ኵሉ ግዜን ኣብ ኵሉ ጸበባን" ከም ዝዀነ ብምምስካር ደምደሙ።

መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ኮርሲካ
16 December 2024, 17:23