ድለ

ር. ሊ. ጳ. ፦ መጐናጸፍያ ፣ ዕምባባ ጽጌረዳን፣ ዣን ዲየጎን

ኣብ ዕለተ ክብረ በዓል እኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘጓዳሉፕ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ምስጢር ጓዳሉፐ "ንሥነ ሓልዮ" ኸይንጥቀመሉ ኣጠንቀቑ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ክብረ በዓል እኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘጓዳሉፐ ካብ እተፈላለየ ዅርናዓት ዓለም ምስ ዝመጹ 4,000 ዝዀኑ ምእመናን ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም።

ቅዱስነቶም ኣብቲ ኣብ መሥዋዕተ ቅዳሴ ዝለገስዎ ስብከት ቃለ ኣምላኽ "ኣይትፍራህ። ኣነ ኣዴኻ ኣብዚ እንዲየ ዘሎኹ?" ንዝብል ነቲ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ብ1531 ኣብ መክሲኮ ንቅዱስ ንዣን ዲየጐ ምስ ተራእየቶ ንዝበለቶ ቃላት ብምጥቃስ፣ እዘን ቃላት እዚኣተን ኽሳዕ ክንደይ ቃል ለውሃት ከም ዝነበራ ኣስተንተኑ ። እዘን ቃላት እዚኣተን ይብሉ ቅዱስ ኣቦና "ንኣደነት ድንግል ማርያም" ከም ዝገልጹልና ኣመልከቱ።

ይኹን እምበር ብዙሓት ሰባት ንምስጢር ጓዳሉፐ ክረኽቡን ኣብኣቶም ድማ "ሥነ-ሓልዮኣዊ ኣቕዋሞም ክምስርቱ" ከም ዝፈተኑ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዘሕዝኖም ገለጹ።

ሰለስተ ተራ ነገራት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ኣብ ስብከቶም ብዛዕባ ሰለስተ መዳያት እታ ዕለተ ክብረ በዓል ማለት ብዛዕባ እቲ መጐናጸፊያን፣ እታ ኣደን፣ እቲ ዕንባባ ጽጌረዳን ኣስተንቲኖም ። "ኣደነት ድንግል ማርያም ኣብቲ መጐናጸፍያ ተሓቲሙ ተረፈ፣ እቲ መጐናጸፍያ ድማ ተራ ኢዩ ዝነበረ" ብምባል ድማ ኣስመሩሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጽባቐ እኖና ድንግል ማርያም በቲ ዣን ዲየጎ ዝረኸቦን ኣብ መጐናጸፊያኡ ዝኣከቦ እምባባታት ጽጌረዳ ከም እተገልጸ ኣመልከቱ ። እዚ ኣደነት እዚ "ኣብቶም ዘይኣመንትን ኣብ ልቢ እቶም ካህናትን እምነት ከም እተምጽእ ዝገብር ተኣምር" ኢዩ ዝነበረ።

እቲ ካልእ ዝተረፈ ኸኣ ሥነ-ሓልዮ ጥራይ ኢዩ

እቲ መጐናጸፍያን፣ እቲ ዕምባባ ጽጌረዳን ከምኡ ውን ዣን ዲየጐን። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ "ብዘይካ እዚ ካልእ ብዛዕባ ምስጢር ጓዳሉፐ ዝዝርከብ ዝዀነ ይኹን ነገር ሓሶት እዩ " ክብሉ ኣጠንቀቑ፣ ይኹን እምበር ገሊኣቶም "ንግላዊ ሥነ-ሓልዮኣዊ ኣቅዋሞም ክጥቀመሉ ይጽዕር ኢዮም " ድማ በሉ ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብምቕጻል ኣገዳስነት ትርኢት እኖና ዘጓዳሉፐ "ንኽብራን" ከም ኣደ መጠን ክትዛረበና ኸላ ብሓቂ ንምስማዕን ምዃኑ ገለጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብምሉኡ መልእኽቲ እኖና ድንግል ማርያም ዘጓዳሉፐ ኣብዚ መስመር እዚ ኣሕጽር ኣቢሎም እንክገልጹ - "ኣይትፍራህ! ኣነ ኣዴኺ ኣብዚ እንድየ ዘሎኹ?" ንዝብል ብምጥቃስ እዚ መስመር እዚ ኣብ ምሉእ ህይወትና ክድገም ኣለዎ - "ኣብ ህይወትና ዘሸግረና እዋናት ኣብ ዘሐጕስ እዋን ከምኡውን ኣብ መዓልታዊ ናብራና" ክድገም ኣለዎ በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንዅሎም እቶም ኣብኡ እተረኽቡ ምእመናን ነዚ መልእኽቲ እዚ ሒዞም ክኸዱ ውን ኣተባብዕዎም ።

ታሪኽ እመቤት ጓዳሉፕ

ብዕለት 9 ታሕሳስ 1531 እኖና ድንግል ማእያም ኣብ ጥቓ ከተማ ሜክሲኮ ኣብ እትርከብ ቍሸት ተፒያክ ኣብ ዝበሃል ኵድዅዶ ምስ ሓደ ዣን ዲየጎ ዝተባህለ ሓረስታይ ተራእየት። ድንግል ማርያም ከም ልእልቲ ኣዝቴክ ተኸዲና ስለ ዝነበረት ንዣን ዲየጎ ብቛንቋኡ ተዛረበቶ ።

ብዕለት 12 ታሕሳስ ኣብ መፋርቕ ቈራሪ ወርሓት ዣን ዲየጎ ኣብ መክሲኮ ዘይርከብ ሓያሎ ዕምባባ ጽጌረዳ ካስቲ ረኸበ ፣ እዚ ተኣምር ከም ዝዀነ ብምእማን ድማ ኣብ መጐናጸፍያኡ ኣከቦ ። ነዚ ድማ ንጳጳሱ ንምርኣይ መጐናጸፍያኡ ምስ ከፈተ ብተኣምራዊ መገዲ ምስለ እኖና ድንግል ማርያም ኣብ መጐናጸፍያኡ ተሓቲሙ ተራእየ።

እዚ መጐናጸፍያ እዚ ኽሳዕ ሕጂ ኣብታ ኣብ ከተማ መክሲኮ እትርከብ ብዚሊካ እኖና ድንግል ማርያም ዘጓዳሉጰ ተዓቂቡ ይርከብ ኣሎ፣ ዓመታዊ ድማ ልዕሊ 12 ሚልዮን ዝኾኑ ምእመናን በጻሕትን ናብቲ ቦታ ምብጻሕ ብምክያድ ንግደት ይገብሩ።

13 December 2024, 16:42