ድለ

2024.12.05 Membri della Caritas della Diocesi di Toledo 2024.12.05 Membri della Caritas della Diocesi di Toledo  (Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ. ንተወከልቲ ካሪታስ ፦ መምህራን ጥበብ ኩኑ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንኣባላት ካሪታስ ቶሌዶ ብሰብኣዊ ናይ ግብረ - ሰናይን ኣገልግሎት ፍትሕን እምነትን ገይሮም ኣብ ማሕበረሰብ ለውጢ ንምግባር ክቕጽሉ ብምምሕጻን ን60 ዓመታት ናይ ግብረ - ሰናይ ኣገልግሎት ብምግባሮም ነኣዶዎም ።

ኣባ ተውለደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ትማሊ ሓሙስ ዕለት 5 ታሕሳስ ነቶም ኣብ ስጳኛ ዝርከቡ ንስሳ ዓመታት ዝኣክል ኣብ ሰብኣዊ ናይ ግብረ - ሰናይ ኣገልግሎት ንዝገበርዎ ተበግሶ ዝዝክሩ ዘለዉ ተወከልቲ ማሕበር ካሪታስ ቶሌዶ ተቐቢሎም ቃል ሰላምታን ኣቕረቡሎም ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ እቲ ዝገበርዎ ቘራጽነት "ካብቲ ንውልቀ-ሰባት ክግበር ዝከኣል ጭቡጥ ሰናይ ሓልዮት ኣጸቢቑ ዝበልጽ ኢዩ" ከምኡ ውን "ኣብ ኵሎም እቶም ሰናይ ፍቓድ ዘለዎም ሰባት ዝያዳ ሕውነታዊ ሕልና ንምንቕቓሕ መንፈስ ግብረ-ሰናይን ፍትሕን ብምስፍሕፋሕ ኣገልገልቲ ማሕበረሰብ ናይ ምዃን ብድሆ ኢዩ።"

ነቶም ኣብኡ እተረኽቡ ሰባት ኣብነትን ትሕትናን ከምኡ ውን ግብረ - ሰናይን ጥራይ ዘይኰነስ በቲ ኣድማሳዊ ቛንቋ ሰብኣዊ ናይ ግብረ - ሰናይ ኣገልግሎት ኣቢሎም ወንጌላዊ ተልእኾ ናይ ምፍጻም መሳርሒታት ምዃኖም ኣዘኻኸሮም ። እዚ ቛንቋ እዚ "ብምስክርነትን ብጻዕርን ኵሎም ተወከልቲ ካሪታስ ንኢየሱስ ክርስቶስን ንወንጌሉን ከም እተጻሕፈ" ርዱእ ምዃኑ ገለጹ።

ብዕዮ ነፍስወከፍ ወድሰብ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዝለገሱሎም ቃለ ምዕዳን እዚ ሸቶ እዚ በቲ ንማሕበራዊ ግብረ-ሰናይ ኣቢሎም ነፍሲ ወከፍ ሓላፍነት ዘለዎ ሰብ ዝገብሮ ወፈያ ጥራይ ክብጻሕ ከም ዝኽእል ኣፍልጦ ሃቡሉ። "ብሰብኣውን መንፈሳውን ተግባር ኢዩ ዝጅምር" ድማ በሉ፣ ኣስዕብ ኣቢሎም ውን ምስ ኵሉ እቲ ንመላእ ቤተ-ክርስትያንን ሰበኻታትን ዘቝሙ ናይ ጕስነት ኣገልግሎታት ናይ ምትሕብባርን ምድጋፍን መንፈስ ከገልግሉ ዘለዎም ጸዋዕታ ምዃኑ ገለጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መደምደምታ መልእኽቶም ነቶም ልኡኻት ነዚ ጻዕሪ እዚ ክቕጽሉ ኣተባብዕዎም። "ናይቲ እዛ ንዓለም ኣዝዩ ዘድልያ ዘሎ ጥበብ መምህራን ኹኑ" ብምባል ድማ ቃለ ምዕዳኖም ዛዘሙ።

06 December 2024, 13:27