2021.11.05 Messa Università Cattolica del Sacro Cuore 2021.11.05 Messa Università Cattolica del Sacro Cuore  (Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ. ነቲ ኣብ ሩዋንዳ እተኻየደ ጉባኤ ቅዱስ ቍርባን ሓዋርያዊ ቡራኬኦም ኣመሓላለፉ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ናብቲ ኣብ ሩዋንታ እተኻየደ ጉባኤ ቅዱስ ቍርባን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽትቲ ብቅዱስ ቍርባን ኣቢሎም ተስፋን ሰላምን ብምጕላሕ ንቤተ-ክርስትያን ሩዋንዳ ሓውርያዊ ቡራኬኦም ብምሃብ ኣተባብዕዎም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ብዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፒትሮ ፓሮሊን እተፈረመ መልእኽቲ ንዕዮ እቶም ተሳተፍቲ፣ ኣብቲ ካብ ዕለት 4-8 ታሕሳስ ኣብ ሩዋንዳ እተኻየደ ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ቅዱስ ቍርባን ቃለ ምዕዳኖምን ቡራኬን ኣመሓላሊፎም።

ኣብታ ናብ ብፁዕ ኣቡነ ቪንሰንት ሃሮሊማና ጳጳስ ሰበኻ ሩሀንጀሪን ተወካሊ ናይ ጉባኤ ጳጳሳት ሩዋንዳ ኣብ ሃገራዊ ጉባኤ ቅዱስ ቍርባን ዝኹኑ እተላእኸት መልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ “ሓጐስን ምስጋናን” ናይ ኵሎም ምእመናን ኣፍሪቃ ከም ዝሓቡ ገሊጾም።

ነቲ ፍረ ነገር ናይቲ ዋዕላ "ኣብ ምስጢረ ቅዱስ ቍርባን ማለት ኣብቲ ምንጪ ተስፋን ሕውነትን ሰላምን ዝዀነ ኢየሱስ ንጠምት " ንዝብል ብምጥቃስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እዚ ሓሳብ እዚ ኣብ ሓድነት ከም "ማእከል ኵሉ ክርስትያናዊ ህይወት" ክመ ምዃኑን ከምኡውን ጭቡጥ ምልክት ናይታ "ክርስቶስ ንደቅሰብ ዘላቶ ፍቕሪ" ንኸስተንትኑ ኣጋጣሚ ይኸፍተሎም ክቡሉ ጸሓፉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ከም ዝገለጽዎ ነዚ ሕይወት እዚ ንምንባር "ንኻልኦት ገዛእ ርእስና ከነወፍየሎም የተባብዑና " ብሓባር ኴንና ድማ "ናይ ፍቕሪ ስልጣነ ንምህናጽ" ንስራሕ ክብሉ ጻውዒት ኣቕረቡ።

ቅዱስ ቍርባን ልኡኻነ ወንጐል ናይ ሕውነትን ጭቡጥ ምልክታት ተስፋን ንምዃን ከም ዚሕግዝ ውን ገለጹ ። ኣብ ቅድሚ እቲ ንደቅሰብ ዘጋጥሞም ዘሎ እተፈላለየ "ጥሜት" እንተላይ ኣብ ቅድሚ እቲ "ትርጕም ንምርካብ ዘሎና ጥሜት" ንዘሎና ሓላፍነት ኣፍልጦ ንምሃብ ጻውዒት ምዃኑ ውን ኣመልከቱ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንዓመተ ኢዮቤልን ንመበል 125 ዓመት ወንጌላዊ ተልእኾ ሩዋንዳን ንምድላው ነቶም እሙናት ናብቲ "እንጌራ ህይወት ዝዀነ ክርስቶስ" ኪምለሱ ኣተባብዕዎም ምስቶም "ኣብ ተኣፋፊ ዅነታት ምስ ዘለዉ ሰባት" ሓድነት ኬርእዩ ድማ ተማሕጸንዎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ጭቡጥ ምልክታት ተስፋ ኽንከውን ኣሎና " ብምባል ውን ኣጕልሑ ።

ቅዱስነቶም ከም ዝገለጽዎ ቅዱስ ቍርባን ንኣካላውን መንፈሳውን ድሌት ደቅሰብ ሓባራዊ ሓላፍነት ክስከም ኣለዎ፣ እዚ ድማ "ኣብቲ ሥሉስ ኣምላኽና" ተስፋ ከም ዝህልወና ዝገብር ኢዩ በሉ።

ባህርያት ቅዱስ ቍርባን "ብመሰረቱ ዝምድና ዘለዎ" ከም ምዃኑ ውን ገለጹ፣ ስዕብ ኣቢሎም ውን ቅዱስ ቍርባን ንሰባት ኣብ ክንዲ "ብጽምዋ" ኣብ ማሕበረሰብ ክነብሩ ከም ዝዕድሞም ኣስመሩሉ።

ካቶሊካውያን ብሓባር ኰይኖም ነቲ "ዓሌት ቋንቋ ወይ ባህላዊ ልምዲ" ዘለዎ ዕንቅፋታት ኬፍርሱ ኸም እተጸውዑ ውን ገለጹ።

11 December 2024, 14:52