ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፥ ዳግማይ ልደት ካቴድራ ኖትረዳም ንቤተ ክርስቲያን ኣብ ፈረንሳ ምልክት ሕዳሴ እዩ ር.ሊ.ጳ. ፥ ዳግማይ ልደት ካቴድራ ኖትረዳም ንቤተ ክርስቲያን ኣብ ፈረንሳ ምልክት ሕዳሴ እዩ  (ANSA)

ር.ሊ.ጳ. ፥ ዳግማይ ልደት ካቴድራ ኖትረዳም ንቤተ ክርስቲያን ኣብ ፈረንሳ ምልክት ሕዳሴ እዩ

ኣብ ፓሪስ ዝርከብ ካቴድራል ኖትረዳም ብዝወረደ ባርዕ ሓዊ ምኽንያት ንሓሙሽተ ዓመት ክሕደስ ድሕሪ ምጽናሕ ማዕጾታቱ ንስግደትን ኣምልኾን ዳግማይ ኣብ ዝተኸፍተሉ እዋን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ናይ ቅርበትን ሞሳን መልእኽቲ ከም ዘመሓላለፉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃግረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ "ካብ ሓዘንን ጓህን ናብ ሓጎስን ጽምብልን ውዳሴን" ዝተሰጋገረ ህሞት እናሓሰቡ ካቴድራል ኖትረደም ብባርዕ ሓዊ ዓንዩ ንሓሙሽተ ዓመት ክሕደስ ድሕሪ ምጽናሕ ዳግማይ ኣብ እትውለደሉ እዋን ምስ ምእመና ፈረንሳ ብመንፈስን ጸሎትን ከም ዝሓበሩ ኣብቲ ኣብ ፈረንሳ ብዝርከቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ቸለስቲኖ ሚልዮረ ኣቢሎም ናብ ናይ ፓሪስ ሊቀ ጳጳሳት ላውረንት ኡልሪኽ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ኣብቲ ንዳግማይ ምኽፋት እቲ ካቴድራል ኣብ ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዝተነበ መልእኽቶም ከም ዘረጋገጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።  

ብትብዓትን ሓድነትን ዝደሓነ ካቴድራል

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2019 ዓ.ም. ነቲ እቲ ንካተድራል ኖትረዳም ዘዕነወ ዘሕዝን ባርዕ ብምዝካር ዓለም ዕንወት ናይ ሓደ ብሉጽ ክርስትያናዊ እምነትን ስነ - ህንጻን ታሪኽ እምነት ፈረንሳ መግለጺ ኮይኑ ክረአ ዝተሰምዖ ሓባራዊ ስቓይ ኣጒሊሒም፥ ነቶም ነቲ ህንጻ ንምዕቃብ ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ዘእተዉ ተባዓት ኣባላት መጥፋእቲ ሓዊ እውን ዘለዎም ኣኽብሮት እንክገልጹ፥
"እዚ ልግሲ እዚ ነቲ ደቅሰብ ምስ ስነ - ጥበብን ታሪኽን ዘለዎ ምትእስሳር ጥራይ ዘይኰነስ ነቲ ኣብ ኵሉ ደረጃ ዕድመ ዚርከቡ ሰባት ኣጸቢቖም ዚፍለጡሉ ኣብነታውን ቅዱስን ዘለዎ ክብሪ ልዑል ምዃኑ እዩ"

መንፈሳዊ ጉዕዞ

ከም ዝበሉን ነቶም ማእለያ ዘይብሎም ሰብ ሞያን ስነ ጥበባውያንን ኣብ ጥንቁቕ ምሕዳስ ኖትረዳም ዝነበርዎ ተወፋይነት ኣመስጊኖም፥ ስርሖም ካብ እደ ጥበባዊ ዓወት ንላዕሊ መንፈሳዊ ጕዕዞ እዩ ነይሩ:- “ብዙሓት ካብኣቶም ነቲ ኣብቲ ናይ ሕዳሴ ዕዮ ተዋፊሮም ዝነበሩ ሓቀይና መንፈሳዊ ጒዕዞ ምንባሩ መስኪሮም እዮም፣ ኣሰር እቶም እምነቶም ጥራይ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ብሉጽ ስራሕ ከም ዝከኣል ዝገበሩ ኣቦታቶም ዝሰዓቡ . . . እዚ ምሕዳስ እዚ ኣብ መንጎ እምነትን ስነ - ጥበብን ተወፋይነትን ዘሎ ዓሚቝ ምትእስሳር ዘንጸባርቕ ምዃኑ ብምሕባር፡ እዚ ድማ "ዝኾነ ርኹስ፣ ዘይርዳእ ወይ ጽዩፍ ዝኾነ ነገር ቦታ ናይ ዘይህብ ትውፊት ምስክርነት እዩ . . . ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ትንቢታዊ ምልክት

ዳግመ ምኽፋት ኖትረዳም ኣብ ፈረንሳ ንናይ ቤተ ክርስቲያን ምሕዳስ ትንቢታዊ ምልክት ኮይኑ ከም ዘገልግል ዘለዎም እምነት እንክገልጹ፥

“ክቡራት ምእመናን ከተማ ፓሪስን ፈረንሳን፡ እዛ ሰማያዊ ኣቦና ዝነብረላ ቤት ናትኩም እያ: ንስኻትኩም ህያው ኣእማን ኢኹም”

ቢሎም ኣብ ዝቕጽሉ ዓመታት ንኖትረዳም ዝበጽሕ ነጋድያን በጻሕትን ብማዕረ፡ ብዙሓት ካብኣቶም ትርጉም ህይወትን ተስፋን ዝደልዩ እዮም . . . ንሊቀ ጳጳሳት ኡልሪ፥ “ክቡር ማዕጾታት ኖትረዳም ብሰፊሑ ከም ዝኽፈተሎምን ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ብልግስን ብናጽነትን ከም እትቕበሎም እኣምነለይ” . . . እቶም ናብ ካቴድራል ዝኣትዉ ሰባት ነቲ ካብ ህላወ ኣምላኽ ዝውሕዝ ሰላምን ሓጐስን ክጽገዉን ኣብቲ ዘይስዓር ተስፋኡ ክካፈሉን” ምዃኖም ዘለዎም ተስፋ ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

በረኸት ንፈረንሳ

ኣብ መደምደምታ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንዅሎም እቶም ዕለት 7 ታሕሳስ ኣብቲ ስነ - ስርዓት ምረቓ ካቴድራል ኖትረዳም እተኣከቡ ሰባት ሓዋርያዊ ቡራኼኦም ኣመሓላሊፎም፥ ኖትረዳም ዘፓሪስ ኣብታ ኣብ ፈረንሳ እትርከብ ቤተ - ክርስትያንን ኣብ ምልእቲ እታ ሃገር ፈረንሳ ትእምርቲ እንግዶት ክትከውን ከም እተለበዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

09 December 2024, 15:35