ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ቅዱስ ኣፍደገ ብምኽፋት ብወግዒ የበግሱ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቅዱስ ኣፍደገ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ በቆጻጽራ ሮማ ሰዓት 19፡00 ብምኽፋት ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ብወግዒ ባሪኾም ከም ዘበገሱን ኣስዒቦም ምሸት ንበዓለ ልደት ዘእግዚእነ ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ስለገስዎ ስብከት፥ ክርስቶስ ውሉድ ቤተልሄም ንዓለም ኢታእላው ተስፋን ሓጎስን ከም ዝህብ በዓለ ልደት የረጋግጸልና ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዓቢይ ትጽቢት ዝግበረሉ ዝነበረ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ዕለት 24 ታሕሳስ ምስሸት ቅዱስ ማዕጾ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ብምኽፋት ብወግዒ ከም ዘበገሱን፥ ከምቲ ኣብቲ Spes non confundit - ተስፋ ኣይተሕፍርን እያ ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘውጽእዎ ኣዋጅ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ሰነድ፥ ቅድሚ ብምኽንያት በዓለ ልደት ዝዓርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ናይ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ቅዱስ ኣፍደገፍ ብምኽፋት ነቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ 25 ዓመት ዝበዓል ኢዮቤል ብወግዒ ባሪኾም ከም ዘበገሱ  እዚ ስሩዕ ኢዮቤል እዚ ድማ ዕለት 6 ጥሪ 2026 ዓ.ም. ኣብ ዓመታዊ ክብረ በዓል ኣስተርዮ ዝእግዚእነ ብወግዒ ክዛዘም ምዃኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ቅዱስ ማዕጾ ኵሎም እቶም በቲ ቅዱስ በሪ ዝሓልፉ ብዝተቐደሰ ህይወት ክመላለሱ ዝጽውዕ ብምዃኑ ‘ቅዱስ’ ተባሂሉ ይጽዋዕ። እቶም ካብ ነፍሲ ወከፍ ሃገርን ቋንቋን ዝመጹ ማእለያ ዘይብሎም ናይ ተስፋ ነጋድያን ኣብ እዋን ቅድስቲ ዓመት ምስጢራት ድሕነት ኬብዕሉ እዮም።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ቅዱስ ኣፍደገፍ ብምኽፋት ብወግዒ የበግሱ
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ቅዱስ ኣፍደገፍ ብምኽፋት ብወግዒ የበግሱ

ኢዮቤል እምነት ከነደልድልን ኣብ ማእከልና ዘሎ ክርስቶስ ከነለልን ይሕግዘና

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ "ኣብዛ ቕድስቲ ዓመት እዚኣ ብርሃን ክርስትያናዊ ተስፋ ንዅሎም ሰብኣይን ሰበይትን ከም መልእኽቲ ፍቕሪ ኣምላኽ ይብራህ” እንክብሎ ጸልዮም፥ ቤተ - ክርስትያን እውን ነዚ መልእኽቲ እዚ ኣብ ኵሉ ኽፍልታት ዓለም ብተኣማንነት፡ እዛ ዓመት ኢዮቤል እዚኣ "ነቲ ዝተንስአ ክርስቶስ ኣብ ማእከል ህይወትና ንኸነለልዮ ምእንቲ ክትሕግዘናን ናብ ነጋድያን ክርስትያናዊ ተስፋ ምእንቲ ክልወጥ ትምስክሮ!" ኣብዚ ዓመት እዚ ክንጽልን ገዛእ ርእስና ክንዳሎ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ናብ ሕቑፊ ኣቦና ምምላስ
ናብ ሕቑፊ ኣቦና ምምላስ

ናብ ሕቑፊ ኣቦና ምምላስ

ቅዱስነቶም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፥ ናይ ዓመተ ኢዮቤል 2025 ዓ.ም. ተስፋ ዝብል ቅዉም ሓሳብ ብምዝኽካር፥ ብመሰረት ቅዱስ ሉቃስ ነቲ መልኣኽ ጐይታ፥ ብብርሃን ተኾሊዑ ነታ ለይቲ ኣብሪሁ ነቶም ጓሶት - እቲ መልኣኽ ድማ፡ እንሆ፡ ሎሚ መድሕን ኣብ ከተማ ዳዊት ተወሊድልኩም ኣሎ፡ - ንሱ ኸኣ ክርስቶስ ጐይታ እዩ፡ - ንዅሉ ህዝቢ ዚኸውን ዓብዪ ሓጐስ ኤበስረኩም አሎኹ እሞ፡ ኣይትፍርሁ" (ሉቃ. 2 10 - 11) ብስራት ከም ዘብጸሓሎም ኣመላኺቶም፡ ኣብታ ህሞት እቲኣ ኣብ ማእከል ምግራም ድኻታትን መዝሙር መላእኽትን ሰማይ ምስ ምድሪ ተራኸበት። "እግዚኣብሄር . . . ገዛእ ርእሱ ሓደ ከማና ገይሩ ንዓና መሰለ . . . እዚ ድማ ንዓና ከልዕለናን ናብ ሕቑፊ ኣቦ ክመልሰናን ከም ዝወረደ እዩ ዘረጋግጸልና"

ንዓለም ተስፋ ዝህብ ህጻን

ኣብ ኣማኑኤል፡ ‘ኣምላኽ ምሳና’ ተስፋና ንረክብ . . . "እቲ ዓብይ ኢታእላው" "ንርእሱ ንእሽቶ ገበረ። ክብሪ ሰማይ ድማ ከም ንእሽቶ ቆልዓ ኣብ ምድሪ ተገልጸ . . .

“ኣምላኽ ክበጽሓና እንተኽኢሉ፡ ዋላ’ውን ልብና ድኻ መብልዕ ማል እተመሰለ፡ ብሓቂ ተስፋ ኣይሞተትን፤ ተስፋ ህያው እያ እታ ህያው ተስፋ ድማ ንህይወትና ንዘልኣለም ትሓቁፍ ክንብል ንኽእል ኢና!”

ተስፋ ንኹሉን ንነፍሲ ወክፍናን

ቅዱስ ኣፍደገ ኢዮቤል ተስፋ ከም እተኸፍተ ድማ ኣዘኻኺሮም፥ እዚ ነፍሲ ወከፍና ናብ ምስጢር ናይዚ ፍሉይ ፍጻመ ክንኣቱ ይዕድመና፥ "ሎሚ ምሸት ንዓለም ኣፍደገ ተስፋ ተኸፊቱ ኣሎ" ከምኡ'ውን "እግዚኣብሄር ንነፍሲ ወከፍና ​​ድማ ተስፋ ከም ዘሎና ይዛረበና ኣሎ . . .

“ብታህዋኽ ነቲ ምእንታና ዝተወልደ ጐይታ፡ ብሕጉስን ትኩርን ልብና፡ ንዕኡ ክንራኸቦ ድሉዋት ኮይንና ኣብቲ መዓልታዊ እንነብረሉ ኣገባብ ተስፋ ከነምጽእ ንበገስ”

ኢዮቤል እምነት ከነደልድልን ኣብ ማእከልና ዘሎ ክርስቶስ ከነለልን ይሕግዘና

ላንጋላንጋ ምዃን ዘብቅዓሉ

ኢዮቤል፥ "በቲ ናይ ቀደም ልማዳትና ከይንእሰር ኣብ ላንጋላንጋን ኣብ ትህኪትን ከይንተርፍ ይዕድመና . . . ሊቅ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ኣጎስጢኖስ፥ ተስፋ በቲ ጌጋ ዝዀነ ነገራት ክንጭነቕን ንኽንልውጦ ትብዓት ክንረክብን ይጽውዓና እንክብል ዝሃቦ ምዕዳን ብምዝኽኻር፥ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ከም ደቀ መዛሙርቲ ጐይታ መጠን "ኣብ ኣምላኽ እታ ዝዓበየት ተስፋና ኽንረክብ ድሕሪኡ ኸኣ ከይተደናጐና ኣብ ማእከል ጸልማት እዛ ዓለም እዚኣ ከም ነጋድያን ብርሃን ኴንና ነታ ተስፋ እቲኣ ሒዝና ክንጓዓዝ አሎና" እንክብሉ ከም ዘተባብዑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ምስ ጎይታ ናይ ምርኻብ ሓጎስ ዳግማይ ምርካብ

"እዚ እዋን እዚ ምስ ጎይታ ናይ ምርኻብ ሓጎስ ዳግማይ ክንረኽቦ እንዕደመሉ ናይ ተስፋ ወቕቲ'ዩ" ኢዮቤል ሎሚ ዓመት ብሓቂ ናይ ሓጎስ ግዜ ምእንቲ ክኸውን ናብ መንፈሳዊ ሕዳሴ ይጽውዓናን ንለውጢ ዓለምና የወፍየናን።"

"ክቡራን ኣሕዋትን ክቡራት ኣሓትን በዛ ለይቲ እዚኣ 'ቅዱስ ማዕጾ' ልቢ ኣምላኽ ኣብ ቅድሜና ተኸፊቱ ኣሎ። ኢየሱስ፡ ኣምላኽ - ምሳና፡ ንዓኺ፡ ንዓኻ ንዓና፡ ንነፍሲ ​​ወከፍ ሰብኣይን ሰበይትን ይውለድ። ምስኡ ሓጎስ ይዕምብብ።" ምስኡ ሂወት ትቕየር ምስኡ ቀቢጸ ተስፋነት የሎን"

እንክብሉ ዝለገስዎ ስብከት ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ምሉእ ትሕዝቶ ስነ ስርዓት ምኽፋት ቅዱስ ማዕጾን ንበዓለ ልደት ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴን
25 December 2024, 10:26