ድለ

2024.12.19 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ንግደት ጽሞና የድልዮ 2024.12.19 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ንግደት ጽሞና የድልዮ  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ንግደት ጽሞና የድልዮ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ስጳይና ናብ ደ ሳንትያጎ ንዝነግዱ ነጋድያን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፥ ንግደት ቅልል ዝበለ ጉዕዞ ዝገብሮ እንታይ ምዃኑ ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ስጳይና ደ ሳንቲያጎ ንዝመጹ ኢጣልያውያን ነጋድያን ኣብ ሃገር ቫቲካን ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፥ “ኣብ ዝሓለፈ ሰላሳ ዓመታት ቁጽሪ ነጋድያን ናብ ሳንትያጎ እናዓበየ” ከም ዝመጸ ሓቢሮም፥ ቅድሚኦም ካብ ዝነበሩ ናብቲ መካነ ንድገት ዝተጓዕዙ ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማውን በነዲክቶስ መበል 16ን ዘኪሮም፥

ኣብ 1982 ዓ.ም. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ናብቲ መካነ ንድገት ደ ሳንቲያጎ ዝነገዱ ናይ መጀመርታ ር.ሊ.ጳጳሳት ከም ዝኾኑን ድሕሪኦም ድማ በነዲክቶስ መበል 16 ብምኽንያት ዓለም ለኸ ቅነ መንሰያት ኣብ 2010 ዓ.ም. ናብ ሳንቲያጎ ከም ዝነገዱ ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ገሊጾም፥

ሰለስተ ምልክታት ንግደት

ቅሱነቶም ብዝሒ ነጋድያን ክብ ይብል ምህላዉ ዝገልጽ እወታዊ ሓበሬታ ዘኪሮም፡ ይኹን እምበር “እቶም ኣብ ጉዕዞ ደ ካምፖስተላ ዝሳተፉ ነጋድያን ተጓዓዝቲ ብሓቂ መንፈስ ነጋድያን ዝስምዖም ድዮም? እንክብሉ ሓቲቶም፥  

ክርስትያናዊ ንግደት ናብ ቅዱስ መቓብር ሓዋርያት ዝግበር ንግደት ዝገልጹ ሰለስተ ምልክታት ኣንክሕብሩ፥ እቲ ቀዳማይ ስቕታ እዩ። “ስቕ ኢልካ ምጉዓዝ፡ ኣብ ምስማዕ ዘተኮረ፡ ብልቢ ኣብ ምስማዕ ዘድሃበ ጉዕዞ ንግደት ክንፍጽም እንኮለና ልቢ ዝደልዮ መልሲ ክረክብ የኽእሎ”፥

እቲ ካልኣይ ምልክት ድማ ወንጌል ወይ ከምቲ ወትሩ ባዕሎም “ኩሉ ግዜ ወንጌል ኣብ ጁባኻ ይሃልኻ ይሃልኻ” ዝብልዎ፥ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዳግማይ ምንባብ ንግደት እዩ፡ ንግደት “ዝያዳ ሓቂ፡ ዝያዳ ድማ ክርስትያናዊ” ዝኸውን እቲ ንጋዲ ንኻልኦት ርእሱ ክህብ እንከሎ እዩ . . .

ሳልሳይ ምልክት ድማ “ማቴዎስ 25” ዘማእከለ ንግደት ምዃኑ ሓቢሮም፥  እዚ ድማ ካብቲ “ንሓደ ካብዞም ንኣሽቱ ኣሕዋተይ ዝገበርካዮ ንዓይ ከም ዝገበርካዮ እዩ” ዝብል ካብ ወንጌል ማቴዎስ ምዕ. 25 ዝተወስደ ጥቕሲ ዘማእከለ ከም ዝኾነ ኣብሪሆም፡ . . . ነዚ መሰረት ብምግባር ንኻልኦት ዘድልዮም ወይ ነቶም ዝቃለሱ ዘለዉ ትኹረት ምሃብ ከምዘድሊ ኣተሓሳሲቦም፥

ጸሎት ንነጋድያን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፥ ነቶም ነጋድያን ኣብ ሓዋርያውነትን ሓልዮትን ስብከተ ወንጌልን ኣተባቢዖም። “እቶም ጥንታውያን ነጋድያን፡ ካብ ክርስትያናዊ ንግደት፡ ሃዋርያት ኮይንና ከም እንምለስ ይምህሩና!” ቢሎም፥

ኣብዚ ዘመነ ምጽኣት እዚ ኣብ ምጽባይ ናይ እንነብሮ ንድገት እታ "ኣብ ምድሪ ፍልስጥኤም ነጋዲት" ዝዀነት ቅድስቲ ስድራ ቤት ዘናዝሬት ኣብነት እያ” እንክብሉ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

19 December 2024, 16:37