ር. ሊ. ጳ. ንነብርቲ ከረማ ሮማ፦ ኣብዛ ዓመተ ኢዮቤል ኣባይትኹም ክፈቱ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ኣብ ዓመት ኢዮቤል ካብ መላእ ዓለም ናብዛ ዘለኣለማዊት ከተማ ንዚጐዓዙ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ነጋድያን ሓንጐፋይ ኢሎም ኪቕበልዎም ብምሕታት ንህዝቢ ሮሜ ፍሉይ መልእኽቲ ኣመሓላለፉሎም።
ቅዱስነቶም ብዛዕባ እታ ኻብ 25 ክሳዕ 27 ሚያዝያ ዝኸብር ኢዮቤል ቍልዑን ህጻናትን ከምኡውን ብዛዕባ እታ ኻብ 28 ሓምለ ክሳዕ 3 ነሓሰ ዝኻየደ ኢዮቤል መንእሰያት ጠቒሶም ይርከቡ ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እዚ ጉባኤታት እዚ "ዓብዪ ምልክት ተስፋ" ክኸውን ምዃኑ ውን ገለጹ።
"መንእሰያት ነቲ ኣብ ኣብያተ-ክርስትያኖምን ማሕበረሰቦምን ዘሎ ሰፊሕ እምነት ከምኡውን ናይ ሰላምን ሓድነትን ዓለም ንምህናጽ ኣብ ዝገብርዎ ቘራጽነት ኣብ ልቦም ዝሕዝዎ ዓቢይ ምልክት ተስፋ ክኾኖም ኢዩ" ብምባል ውን ይገልጹ።
ኣባይትኹም ኽፈቱ
ብድሕርዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንስድራ ቤታትን ንማሕበረሰብን ቤተክህነትን ከምኡውን ንማሕበራት ሰብ ውፉይ ሕይወትን ከተማ ሮማ "ነዞም መንእሰያት እዚኣቶም ንምቕባል ኣባይትኹም ክትከፍቱሎም ኣብ ሓጐሶም ድማ ምልክት ዕርክነትን ተሳትፎን ክትህብዎም እምሕጸነኩም" ክብሉ ጻውዒት ኣቕረቡሎም።
ኣስዕብ ኣቢሎም ውን እታ ኣብ ዝለዓለ ጥርዚ ዘመነ ክረምቲ ዝካየድ ኢዮቤል መንእሰያት ተወሳኺ ልግሲ ኸም ዘድልዮ ውን ገለጹ -" እቲ ኻብዞም መንእሰያት እዚኣቶም ብውዕዉዕ ስምዒትን ምስክርነትን እትረኽብዎ ውህበት ካብ ዝዀነ ይኹን ጻዕሪ ኣጸቢቑ ዝዓቢ ኢዩ ። " ስድራ ቤታት ብፍላይ ከኣ እቶም መንእሰያትን ቍልዑን ህጻናትን ዘለዉዎም "ነቲ ኣብ መንጎ ደቆምን ንኣሽቱ ኣጋይሽን ዚምስረት ማእሰር ዕርክነት ክሳዕ ክንደይ ከም ዜበልጽግዎ" ኣጕልሑ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካብታ ናብ ዕብራውያን እተላእከት መልእኽቲ ብምጥቃስ ከኣ "ገሊኦም ሰባት ከይፈለጡ ንመላእኽቲ ከም ጋሻ ስለ እተቐበልዎም፣ ንዘይትፈልጥዎም ሰባት ምቕባል ኣይትረስዑ" በሉ።
ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከምዚ ዝስዕብ ክብሉ ጽሓፉ - "ኣብ ልግስኹምን ፍቓደይናነትኩምን እምንቶ ኣሎኒ። ናብ ዕቕባ እኖና ድግል ማርያም ድሕነት ሮማውያን ውን ብሕድሪ የፈስየኩም፣ ስለኹሉ ውን ብምሉእ ልበይ አመስግነኩምን እባርኸኩምን ኣሎኹ” ብምባል መልእኽቶም ዛዘሙ።