2024.12.04 Suore della Sacra Famiglia di Nazareth, in occasione del 150° anniversario di fondazione 2024.12.04 Suore della Sacra Famiglia di Nazareth, in occasione del 150° anniversario di fondazione  (Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ.፦ ኢዮቤል 'ብዛእባ ህይወት ክንሓስብ' ኣጋጣሚ ይኸፍተልና

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ምስ ኣሓት ደናግል ቅድስቲ ስድራቤት ዘናዝሬት ተራኺቦም ኣብ ዝለገሱለን ቃለ ማዕዳን፣ ንካቶሊካውያን ዓመት ኢዮቤል ተስፋ 2025 ንክርስቶስ ልብና ዚኸፍተሉ ፍሉይ ኣጋጣሚ ከም ምኹኑ ክርድኡ ተማሕጸንዎም ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ንመበል 150 ዓመት ምስረታ ማሕበር ደናል ቅድስቲ ስድራቤት ናዝሬት ንምብዓል ሎሚ ረቡዕ ምስ ኣሓት ደናግል ናይቲ ማሕበር ተራኺቦም ኣብ ዝለገሱለን ቃለ ምዕዳን፦"ዓመት ኢዮቤል ብደረጃ ውልቀ-ሰብ ኰነ ብማሕበረሰብ ብዛዕባ ህይወትና እንሓስበሉ ክቡር ግዜ ኢዩ።"

እዚ ኣብ ህይወት እዚ ማሕበር እዚ ዘጋጠመ ኣገዳሲ ፍጻመ ንጐይታን ንህዝቡን ብዝሓሸ መገዲ ምእንቲ ኼገልግላ ብመንፈስ ንኺሕደሳ ኼለዓዕለን ጸለዩለን ።

ኣሓት ደናፍል ቅድስቲ ስድራቤት ናዝሬት ብ1875 እተመስረተን ኣብ 14 ሃገራት ኣብ 140 ማሕበረሰባት የገልግላ ዘለዋ ኢያተን ።

ንጐይታ ልብና ኽንከፍተሉ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት መበል 150 ዝኽሪ ዓመት ዝኽሪ ምስረታ ነዚ ማሕበር ኣብ ዘመነ ምጽኣት ይከብር ከም ዘሎ ድሕሪ ምግላጽ፣ እዚ ዘመነ ሊጡርጊያ እዚ "ኣብ ተስፋ ምጽኣት ጐይታ ዕጉስን ተስፋ ዝመልኦን ዘመን" ክብሉ ገለጽዎ።

ከምዚ ድማ በሉ - "በዓላትኩም ንኣባላት ማሕበርክን ኩለን እተን ኣብ እተፈላለየ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ዝሕግዛን ኣብቲ ስጋ ዝለበሰ ወዲ ኣምላኽ ብፍላይ ከኣ ኣብ ምስጢረ ቅዱስ ቍርባን ኣብቶም እተገልግላኦም ሰባትን ናይ ምስትንታን ትውክልቲ ንኸሕድራ ክሕግዘን እጽሊ ኣሎኹ" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣስዕብ ኣቢሎም ዓመተ ኢዮቤል "ነቲ ሎሚ መንፈስ ቅዱስ ዚብለና ዘሎ ንምስትንታንን ንምዝካርን ንምስማዕን" ፍሉይ ኣጋጣሚ ምዃኑ ገለጹ።

ከምዚ ክብሉ ድማ ጸለዩ - "ማሕበርክን ወትሩ 'ድርኵዂት' ይኹን፣ ብእኡ ኣቢሎም ከኣ እቶም ኣብ ግብረ-ሰናይ ዘተኰሩ ስድራቤታት ኣብ ክርስቶስ መድሓኒና ዕቝባን ተስፋን ሰላምን ክረኽቡ ይኽኣሉ።"

ንዝጽገሙ ዘለዉ ስድራ ቤታት ምጽንናዕ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዕብ ኣቢሎም ነቶም ብውግእ ዝዓነዉ ወይ ካብ ኣባይቶም ወይ ዓዶም ክስደዱ እተገደዱ ኣብዚ ግዜ እዚ ብዙሓት ስድራቤታት ከም ዘለዉ ዘከሩ።

ንኣሓት ደናግል  ቅድስቲ ስድራቤት ናዝሬት ወትሩ መንፈሳውን ስጋውን ግብርታት ምሕረት ኪገብራ ውን ተማሕጸንወን ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ መደምደምታ "ጸሎትክንን ኣገልግሎት ግብረ ሰናይክንን ወትሩ ፍቕሪ ኢየሱስ ዜንጸባርቕ ይኹን፣ እዚ ኸኣ ነቶም ዝዀነ ይኹን ጸገም ዜጋጥሞም ምልክት ተስፋ ምእንቲ ኽትኰኖም እዩ" ክብሉ ቃለ ምዕዳኖም ዛዘሙ።

04 December 2024, 17:10