ር. ሊ. ጳ. ምስ ሜቶዲስት፦ ዕርቂ 'ዕዮ ልቢ' እዩ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ትማሊ ሰኑይ ዕለት 16 ታሕሳስ ምስ ሓያሎ ተወከሊ ናይቲ ኣስታት 80 ሚልዮን ዝዀኑ ምእመነናን ኣባላት ዘለውዎ ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ቤት ምኽሪ 80 ኣብያተ-ክርስትያን ሜቶዲስት ተራኺቦም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ዝለገሱሎም ቃለ ምዕዳን ካቶሊካውያንን ሜቶዲስትን ነቲ ዝነበረና ምፍልልያት ብምስጋር ኣብ ዝሓለፈ 60 ዓመታት "ኣብ ሕድሕዳዊ ምርድዳእን ፍልጠትን ከምኡ ውን ብፍቕሪ" ክዛተዩ ስለ ዝኸኣሉ ንኣምላኽ ኣመስገንዎም።
"ንሓድሕድና ክፉታት ክንከውን ብምኽኣልና ብዝያዳ ኸም እንቀራረብ ገይሩና ኣሎ፣ ዕርቂ ድማ ናይ ልቢ ዕዮ ብምዃኑ ድማ ከም እነስተውዕል ገይሩና ኣሎ" በሉ። "ልቢ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንልብና ምስ ተንከፎ ልብና ይልወር ኢዩ" ውን በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ንሜቶዲስትን ካቶሊካውያንን ኣብ ትሕቲ መሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ነቲ "እተፈላለየ ኣእምሮን ድላይን" ከሕብሩ ጻውዒት ኣቕረበሎም።
"እዚ ጕዕዞ እዚ ግዜ ዝወስድ ኢዩ፣ እንተዀነ ግን ወትሩ ኣብ ልቢ ክርስቶስ ብምትኳር በታ መገዲ እቲኣ ክንመላለስ ኣሎና፣ ከመይሲ ንሓድሕድና ጽቡቕ ርክብ ክህልወናን ንመንግስቲ ኣምላኽ ከነገልግልን ካብ ልቢ ክርስቶስ ኢና እንመሃር" በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም 2025 ዓ.ም. ንዝኽሪ መበል 1,700 ዓመት ናይቲ ንክርስትያን ምእመናን ኣብ ዙርያ ዓንቀጽ እምነት ጉባኤ ኒቅያ ሓድነት ከም ዝህልዎም ዝገብረ ቀዳማይ ኢቁመናዊ ጉባኤ ኢዩ ዘመልክተልና ።
ሜቶዲስትን ካቶሊካውያንን ኣብ ክርስቶስ ተመሳሳሊ እምነት ከም ዘለዎም ስለ ዝምስክሩ "ኣምላኽ ኣብ ዓለም ከም ዘሎ ዝምስክር ትእምርቲ ተስፋ ናይ ምሃብ" ሓላፍነት ከም ዘለዎም ኣመልከቱ።
ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ኣብ መንጎ ዓለም ለኻዊ ቤትምኽሪ ሜቶዲስትን ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያንን ኣብ እተገብረ ኣህጉራዊ ሓባራዊ ቤት ምኽሪ ስለ ዘካየድዎ ዘተ ሊቃውንቲ ሥነ መለኮትን ጓሶት ማሕበራትን ኣመስገንዎም።
"ፍቑራት ኣሓትን ኣዋትን ስለቲ ዝገበርኩምዎ ምብጻሕ ልባዊ ምስጋናይ እገልጸልኩም ኣለኹ" ብምባል "ብጸሎት ሓድነት ይሃልወን። ብሩኽ በዓለ ልደት ይግበረልና!" ክብሉ ውን ቃለ ምዕዳኖም ዛዘሙ።